"ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ"ጌታቸው ረዳ

Source: Getty Images
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ፤ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከቡዎም ሲቪላት ግዳያት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ። ብኤርትራዊ ዝውነን ትካል ጉጅለ Constructionንን ልምዓትን $8,000 ዶላር ዝግመት ቦንድ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዓዲጉ ተባሂሉ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን፡ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ማሕበረሰባዊ ጎንጺ ከይላባዕ ሓይልታት ፀጥታ ክዋፈሩሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሓቲቱ። ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር "ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ" ክብል ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
Share