SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 ነሓሰ 2026)

SBS Tigrinya News
Source: Getty / Getty Images

ንሎሚ 24 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 24 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ን ሎሚ ሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ እናበልና፡ ኣብ ኣወስትራልያ ን 32 ዓመታት ዝተቐመጠት ነባሪት መልበርን ወ/ሮ ኣበባ፡ ካብተን ባህሊ ኣሸንዳ ከይርሳዕ ዓመት መፀ ከይተሓለላ ዝጉስጉሳን ዘምህራን ሓንቲ እያ። ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብታ ዝተወለደትላ ከተማ መቐለን ኣብዚ ኣብ ኣወስትራልን ዝምልከት ተክሮታታ ክተካፍለነና ምስ ሃይሉ ሳህለ ፃንሒት ጌራ ኣላ።

 ሕጂ ተዳለዉ! ሰብመዚ ልዑል ሓደጋታት ሓዊ ዝመጽእ ወቕቲ ከምዝህልዉ የጠንቅቑ። ዝብል ትሕዝቶን ጸብጻብ ልኡኽናን ክፋል ናይ ሎሚ መደብና እዮም።

ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና ፡

ኣብ ኣደባባያት መቐለ ከይካየድ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ዝተሰረዘ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዶባት ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ መሃይምነት ንምጥፋእ፡ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂካዊ ውጥን ተሓንጺጹ።

ሃገራዊ ዋዕላ ሕርሻዊ መጽናዕትታት ኤርትራ 2026፡ ተዛዚሙ።

ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያይጡ።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ሕማም ጉንፋዕ ኣዕፋ- H-5N-1 ንፈለማ እዋን ኣብ መጥበውቲ ምር ኣዩ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመራርጻ ፕረዚደንት፣ ሰንደቕ ዓላማ ፣ ኣመራርጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከምኡውን ንከተማ ኣዲስ ኣበባ  ዝምልከት ጉዳያት ብዘይምስምማዕ ተዛዚሙ ።

ሰለስተ ተጻወትቲ ኣርጀንቲናን ሓደ ተጻዋታይ ስጳኛን ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብዝፈጸምዎ ናይ ዲሲፕሊን ጉድለት ተቐጺዖም ።

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now