SKIP TO MAIN CONTENT

ሕጂ ተዳለዉ! ሰብመዚ ልዑል ሓደጋታት ሓዊ ዝመጽእ ወቕቲ ከምዝህልዉ የጠንቅቑ

Fire crews putting out bushfires in Victoria – AAP
Fire crews putting out bushfires in Victoria – AAP Source: AAP / MICHAEL CURRIE/AAPIMAGE

ኣውስትራልያውያን ትንበያ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ባርዕ ጣሻ ኣብ ብዙሕ ክፋላት’ዛ ሃገር ኣብ ዝሃለወሉ ንተኽእሎ ክስተት ሓደ በዳሂ ዝኾነ ጽድያ ክዳለዉ መተሓሳሰቢ ቀሪብሎም። ሰብመዚ ኩነታት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ኣዝዮም ዝፈላለዩ ምዃኖምን ደረቕ ኩነታት ኣየር፣ ዝወዓዩ ሙቐታትን ዝያዳ ጽዕነታት ዝቃጸሉ ነገራትን ናብ’ቲ ሓደጋ ኣበርክቶ ይገብሩ ይብሉ።


Published

By Hannah Hodson

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣውስትራልያውያን ትንበያ ልዕል ዝበለ ተኽእሎ ባርዕ ጣሻ ኣብ ብዙሕ ክፋላት’ዛ ሃገር ኣብ ዝሃለወሉ ንተኽእሎ ክስተት ሓደ በዳሂ ዝኾነ ጽድያ ክዳለዉ መተሓሳሰቢ ቀሪብሎም። ሰብመዚ ኩነታት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ኣዝዮም ዝፈላለዩ ምዃኖምን ደረቕ ኩነታት ኣየር፣ ዝወዓዩ ሙቐታትን ዝያዳ ጽዕነታት ዝቃጸሉ ነገራትን ናብ’ቲ ሓደጋ ኣበርክቶ ይገብሩ ይብሉ።


Listen to Australian and world news and follow trending topics with SBS News Podcasts.

TRANSCRIPT

ካብ ትሮፒካዊ ሰሜን ናብ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣውስትራልያ፣ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ዝተፈላለዩ ተኽእሎታት ሓደጋ ኣብ መላእ ሃገር ከምጽእ ዝኽእል ወቕቲ ጽድያ ይዳለዉ’ለዉ። ማይክል ኢጋን ካብ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር (ቢሮ ኦፍ ሜቲዮሮሎጂ) እናሓየለ ዝኸይድ ኤልኒኞ ነቲ ትንበያ ይጸልዎ ድሕሪ ምባል እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ንክሊማ ዝደፍኦ ኢሉ።

"በቃ ንኹሉ ከዘኻኽሮ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ትንበያ’ቲ ቢሮ ብርግጽ ንኩሉ’ቲ ካብ ከባቢና ዘሎ ውቅያኖሳትን ህዋን ዝመጽእ ጽልዋታት ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣንፈታት ክሊማ ዘጠቓልል ምዃኑ’ዩ፣ ነዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ መብዛሕትኦም ሰባት ክስተት ኤል ኒኖ ምህላዉ፣ ይሕይል ከምዘሎን ኣዝዩ ሓያል ክኸውን ምዃኑን ይፈልጡ’ዮም፣ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዘዋሪ ክሊማ ንክሊማ ኣውስትራልያ ዝጸሉ።"              

ኮሚሽነር ምሕደራ ህጹጽ እዋን ቪክቶርያ ቲም ዊይቡሽ፡ እታ ግዝኣት ቀዲሞም ዝፍጠሩ ባርዓት ጣሻ ክትርኢ ትኽእል’ያ ይብል።

"ቪክቶርያ ዝያዳ ዝወዓየን ዝደረቐን ጽድያ ክትጽበ ትኽእል፣ እዚ ማለት ​​ካብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ’ዚ ዓመት ጀሚሩ ልዑል ሓደጋ ባርዕ ጫካ ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ቪክቶርያ ዘለዉ ህጹጻት ኣገልግሎታትና ሕጂ ነቲ ተኽእሎ ምድላዋት ጀሚሮም ኣለዉ፣ እዚ ማለት ድማ ጎስጓስ ​​ባርዕ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ ሓጋይ ክንርኢ ንኽእል ኢና።"         

ንሰሜን ርሒቕካ፡ ገለ ክፋል ደቡባዊ ውሽጣዊን ደቡባዊ ምብራቕን ኲንስላንድ ልዕሊ ማእከላይ መጠን ሓደጋ ባርዕ ከጋጥሞም ትጽቢት ይግበር። ግዝያዊ ምክትል ዋና ሓላፊ ኣሮን ሃዋርድ ሰራሕተኛታት ድሮ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ ይብል።

"ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኲንስላንድና ምድላው፣ ሰራሕተኛታትና ኣብ መላእ ግዝኣት ኩነታት ኣብ ዝፈቕደሉ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ከባቢታት ሓደጋ ዝንክዩ ምቅጻላትን ንጥፈታት ምክልኻልን ንቕጽል ኣለና። ይኹን እምበር፣ ኣብ’ዚ ዝደግሞ ብጾተይ፣ በይንና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና።"

ኣብ ኖርዘርን ተሪተሪ፡ ኮሚሽነር ባርዕ ሓዊን ህጹጽ እዋንን ኣንድሪው ዎርተን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ባርዕ ኣሎ ይብል።

"ሎሚ ዓመት እቲ ድሒሩ ክጅምር ትንበያ ተገይርሉ ዘሎ ጥሉል ወቕቲ ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ምስ ልዑል ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሰሜን ይገጥም፣ ክሳብ ሕዳር ክቕጽል ይኽእል፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ዞባታት ባርክሊ፣ ታናሚን ማእከላይ ኣውስትራልያን ናብ ልዑል ሓደጋ እዋን ክሰጋገሩ’ዮም። እዚ ድማ ኣብ መላእ ብዙሓት ዞባታት ኖርዘርን ተሪተሪ ብሓንሳብ ርኡይ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሓደ እዋን ከስዕብ ዝኽእል ተኽእሎ ይፈጥር።"

ደቀባት ኣለይቲ ባርዕ ሓዊ’ውን ቅድሚ እቲ ዝኸፍአ ኩነታት ምምጽኡ ነቲ ሓደጋ ንምንካይ ባህላዊ ኣሰራርሓታት ይጥቀሙ ኣለዉ። ዋና ኣካያዲት መርበብ ኢንዱስትሪ ካርቦን ደቀባት/ Indigenous Carbon Industry Network ኣና ቦስተድ፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ደረቕ ወቕቲ ዝፍጸም ዝሑል ምንዳድ (ኩል በርኒንግ) ከምዘጠቓልል ትዛረብ።

“ነቶም ብምሕደራ ባርዕ ሳቫና ኣቢሎም ናይ ካርቦን ልቓሕ ዘዋህልሉ ዘለዉ ደቀባት ኣለይቲ ባርዕ ሓዊ ንድግፎም። እዚ ድማ ኣብቲ ኣዝዩ ዝሑል እዋን ዓመት ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ኣብ መጀመርታ ደረቕ ወቕቲ ምንዳድ ወይ ዝሑል ምንዳድ ምጥቃም፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ደረቕ ወቕቲ ንዝፍጠር ውዑይ ባርዕ ንድሕሪት ንምድፋእ ዓፈና ሓዊ ምክትታል የጠቓልል።”

ኣብ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ’ቲ ኣብ ክብረወሰን ዝተመዝገበ ካልኣይ ዝነቐጸ ወርሒ ሓምለ ይወጽእ ኣሎ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ትሑት ዝናብ ክዘንብ’ውን ይግመት። ኮሚሽነር ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊን ህጹጽ ረድኤትን ዳረን ክለም፡ ሕጂ ዝግበር ምድላው ኩሉ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ይዛረብ።

"እዚ ዝበለጸ ግዜ ንምድላው እዩ። ባርዕ ጣሻ ክሳብ ዝጅምር ኣይትጸበዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ መደብ ንምውጻእ፣ ተኽእሎታት ሓደጋታትኩም ንምርዳእን ምስ ፈተውትኹም ንምዝርራብን ተጠቐምሉ።"

ኣብ ግዝኣት ሳውዝ ኣውስትራልያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝዘነበ ዝናብ ንመብዛሕትኡ መልክዓ ምድሪ ሓምላይ ገይርዎ’ሎ፡ ዋና ሓላፊ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ዞባታት ብሬት ሎክሊን ግን እቲ ሓደጋ ብቕልጡፍ ክቕየር ከምዝኽእል ይዛረብ።

"እቲ መልክዓ ምድሪ ኣዝዩ ሓምላይ እንተሃለወን ኣብዚ እዋን ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ትሑት እንተኾነን ሰባት ሸለልትነት ከይህልዎምን ንሓደጋ ባርዕ ብዕቱብ ክግደስሉን ንላቦ ኣለና።"

ታዝማኒያ’ውን ንተኽእሎ ቀዲሙ ዝጅምር ወቕቲ ትዳሎ’ያ ዘላ። ምክትል ዋና ሓላፊ ማት ሎው፡ እቲ ኣትኩሮ ኩነታት ቅድሚ ምግዳዶም ሰባት ሰባት ተዳልዮም ክጸንሑ ምግባሮም ምዃኑ ይዛረብ። ምምሕዳራዊ ዶብ ኤሲቲ፣ ኣብ ደረቕ እዋናት ደረጃ ሓደጋ ባርዕ ክውስኽ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ማእከላይ መጠን ዝኾነ ሓፈሻዊ ሓደጋ ባርዕ ጣሻ ክህሉ ትጽቢት ይገብር። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ካብ ግሬት ዲቫይዲንግ ሬንጅ ዝደረቑ ኩነታት ክህልዉ ትንበያ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ብርቱዕ ህቦብላ ከቢድ ዝናብ፡ ኣዕነውቲ ንፋሳት፡ ዓበይቲ በረዳትን ሃንደበታዊ ውሕጅን ከምጽእ ይኽእል’ዩ። ንስድራቤታት፡ እቲ ምኽሪ ኣዝዩ ዝያዳ ግብራዊ እዩ። ሚኒስተር ህጹጽ ኣገልግሎት ግዝኣት NSW ጂሃድ ዲብ ኣብ ከባቢ ገዛ ዝፍጸሙ ቀለልቲ ስራሓት ነቲ ዕንወት ንምንካይ ክሕግዙ ይዝኽእሉ ይብል።

"ስለዚ ኩሉ ሰብ ብዝተኻእሎ መጠን ክዳሎ ኢና ክንገብሮ ንፍትን ዘለና፣ እቶም SESና ክመጹን ክድግፉኹምን እዮም፣ ግን ማሕበረሰባት’ውን እጃሞም ክገብሩ ንደልዮም - መትረባትኩም ኣጽርዩ፣ ከምኡ ንብለሉ ምኽንያት ድማ እዚ ነቲ ውሕጅ ስለዝዓግቶን ናብ ገዛኹም ተመሊሱ ክኣቱ ስለዝገብሮን።"   

ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈላለየ ትንበያታት እኳ እንተሃለወ፡ ሰብመዚ እቲ መልእኽቲ ንጹር ምዃኑ ይዛረቡ፡ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ተኽእሎ ሓደጋ ፍለጡ፡ ህጹጽ ኩነታት ቅድሚ ምጅማሩ መደብ ኣውጽኡን ተዳለዉን።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now