SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026)

SBS Tigrinya Daily News
Source: SBS

ንሎሚ 14 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 14 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።

ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ንማሕበረሰብ ዓለም እናጠርዐ ክጣበቕ ዝጸንሐ እዩ። ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መሕትት ጌርና ኣለና ካል ኣይ ክፋሉ ሎሚ ከነቕርቦ ኢና።

 ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና ፡

ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ።

ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ።

ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ኤርትራ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ።

ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

 

ኣርእስታት ዜና፥

ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ።

ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም።

ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now