SKIP TO MAIN CONTENT

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ ክልተ ስድራቤት ኣባላት ብምልኦም ምዉታትን ቁሱላትን ምዃኖም ሓቢሩ።

News
Source: Getachew K Reda /Tweet

1 min read

Published


Skip to article content

 

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ "ክፋል ናይ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ” ከምተፈጸመ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ናይ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣብዝፈነወ ሓበሬታ እቲ ሎሚ 28 ጥቅምቲ 2021 እተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 05 ጣብያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ከም እተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰላማዊያን መንበሪ ኣባይት ብምዃኑ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ሓቢሩ። ወሃብ ቃል መንግስቲ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ በቲ ደብዳብ  ናይ ክልተ ስድራቤት ኣባላት ብምልኦም ምዉታትን ቁሱላትን ምዃኖም ሓቢሩ።

 


ቢቢሲ ንኣተሓባባሪ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሆስፒታል ዓይደር ነርስ ኣበበ ሃፍቱ ጠቒሱ “እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ ኢንዳስትሪ ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈጸመ” ሓቢሩ።

 

በቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 6 ሰባት ከምዝሞቱን 27 ሰባት ከምዝቖሰሉን ካብቶም ዝሞቱ እቶም 2 ሕጻናት ከምዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።

 

እዚ ብተኸታታሊ ናብ ዉሽጢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ከባቢ ደሴን ኮምቦልቻን  ከቢድ ውግእ ኣብዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ፡፡

 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብቲ ኣብ ትግራይ ብኣማኢት ኣሻሓት ኣብ ጥቓ ዓጸቦ ወዲቖሙሉ ዘለዉ ዘካይዶም በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ ኔሩ፡፡


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now