SKIP TO MAIN CONTENT

ጥሙር ሓይሊታት ኢትዮጵያ ን ወልዲያን ንካልኦት ኣገደስቲ ከባቢታትን ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ገጽ ትዊተር ኣብ ዝዘረግሑዎ ሓበሬታ " እንኮ ዓወቶም ናትና ቦታ ምልቃቕ 'ዩ።" ኢሎም።

Tigray war Ethiopia
Woldia Source: Getty Images

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ብቀዳም 18 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ወፍሪ ንሳንቃ፡ ሲሪንቃ፡ ናይ ሰሜን ወሎ ዋና ከተማ ዝኾነት ከተማ ወልዲያ፡ ሓራን፣ ጎብዬን፣ ሮቢትን ቆቦን ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮምወን ኢሎም።

 ብተወሳኺ፡ ሓሙሲት፣ እስታይሽ፣ አሁን ተገኝ፣ ድልብ፣ ኩል መስክን ኣብ ዙርየአን ዝርከቡ ኣከባቢታትን ናጻ ምውጸአን ኣረዲኦም።

 ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መሊሳ ኣብ ኢድ  ሰራዊት ትግራይ ንዝኣተወት ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ እውን ኣብሪሆም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ገጽ ትዊተር ኣብ ዝዘረግሑዎ ሓበሬታ

" እንኮ ዓወቶም ናትና ምልቃቕ 'ዩ።" ኢሎም።

መቐለን ወልድያን ዘራኽብ መገዲ ቆሪጽናዮ ዝብል ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልቲ ዝወጸ መግለጺ ብልጽግና ኣብ ጋሸና ዝወረዶ ስዕረት ንምሽፋን እዩ ነይሩ ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ሕጂ ውን መሊሱ ባዕሉ እቲ መግለጺ ከም ዝደገሞ ይሕብሩ።

" እንኮ ዓወቶም ናትና ምልቃቕ 'ዩ።" ኣብ ዝብል ጥቕሉል ሓሳብ ግን ካበይን መዓዝን ከም ዝወጹ ዘነጽር ኣይኮነን።

እቲ ከባቢ ንማዕከናት ሓበሬታ ክፉት ብዘይምዃኑን መስመራት ሓበሬታ ብምዕጻዎምን  ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now