ጥሙር ሓይሊታት ኢትዮጵያ ን ወልዲያን ንካልኦት ኣገደስቲ ከባቢታትን ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ገጽ ትዊተር ኣብ ዝዘረግሑዎ ሓበሬታ " እንኮ ዓወቶም ናትና ቦታ ምልቃቕ 'ዩ።" ኢሎም።

Tigray war Ethiopia

Woldia Source: Getty Images

ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ብቀዳም 18 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ወፍሪ ንሳንቃ፡ ሲሪንቃ፡ ናይ ሰሜን ወሎ ዋና ከተማ ዝኾነት ከተማ ወልዲያ፡ ሓራን፣ ጎብዬን፣ ሮቢትን ቆቦን ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮምወን ኢሎም።

 ብተወሳኺ፡ ሓሙሲት፣ እስታይሽ፣ አሁን ተገኝ፣ ድልብ፣ ኩል መስክን ኣብ ዙርየአን ዝርከቡ ኣከባቢታትን ናጻ ምውጸአን ኣረዲኦም።

 ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መሊሳ ኣብ ኢድ  ሰራዊት ትግራይ ንዝኣተወት ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ እውን ኣብሪሆም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ገጽ ትዊተር ኣብ ዝዘረግሑዎ ሓበሬታ

" እንኮ ዓወቶም ናትና ምልቃቕ 'ዩ።" ኢሎም።
መቐለን ወልድያን ዘራኽብ መገዲ ቆሪጽናዮ ዝብል ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልቲ ዝወጸ መግለጺ ብልጽግና ኣብ ጋሸና ዝወረዶ ስዕረት ንምሽፋን እዩ ነይሩ ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ሕጂ ውን መሊሱ ባዕሉ እቲ መግለጺ ከም ዝደገሞ ይሕብሩ።

" እንኮ ዓወቶም ናትና ምልቃቕ 'ዩ።" ኣብ ዝብል ጥቕሉል ሓሳብ ግን ካበይን መዓዝን ከም ዝወጹ ዘነጽር ኣይኮነን።

እቲ ከባቢ ንማዕከናት ሓበሬታ ክፉት ብዘይምዃኑን መስመራት ሓበሬታ ብምዕጻዎምን  ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service