ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ኣደስኪልዎ.

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ንምሕጋዝ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ዘፍቅድ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግብኣ 88 ሚልዮን ኤውሮ ከምዘደስከሎ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

EU suspends Aid to Ethiopia

EU’s top diplomat Josep Borrell Source: European Union

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ንምሕጋዝ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ዘፍቅድ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግብኣ 88 ሚልዮን ኤውሮ ከምዘደስከሎ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።  ናይቲ ሕብረት ላዕለዋይ ዲፕሎማት ጆሴፍ ቦረል “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ 2019 ዝተሸለሞ ናይ ኖቨል ሽልማት ክነብረሉን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ዝከኣል ክገብር ኣለዎ።” ኢሉ ከምዝተዛረበ ሮተርስ ጸብጺቡ።

“ንኽንሕግዝ ድልዋት ኣለና፡ እንተኾነ ነቶም ሰብኣዊ ረዲኤት ዘቕርቡ ኣካላት ስርሖም ክሰርሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ  እንተዘይ ኣፍቂድሎም ሕብረት ኣውሮጳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመደቦ ባጀት ክፍንዎ ኣይክእል’ዩ።” ኢሉ።

ነዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ተወሲኑ ዘሎ ምድስካል ባጀት ቤት ጽሕፈት ኣብይ ኣሕመድ መልሲ ኣይሃበሉን።



 

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ዕማም ንትግራይ ምስ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዝገበሮ ስምምዕ ሰብ ኣዊ ሃገዝ ንምቕራብ እቲ ኲናት ደው ከምዘብል ቃል ኣትዩ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኲናት ብዓወት ሰራዊቱ ተዛዚሙ እንተበለኳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ናይ ትግራይ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ሚስተር ቦረል ከምዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብዚ እዋን ስርሒት ዉሽጣዊ “ምኽባር ሕግን ስርዓትን” ዘይኮነስ ናይ መላእ እቲ ክልል ስግ ኣት ምርግጋእ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።

“ብቐጻሊ ዓሌታዊ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ቅትለት፡ ናይ ኣልማማ ስርቂ፡ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓይሊ ስደተኛታት ምምላስ፡ ገበን ኲናት ዘቑጽር በደላትን” ይፍጸም ኣሎ ኢሉ።

 

እቲ ዲፕሎማት ብተወሳኺ “ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስታፉን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሶማሊያ ምውጻኦምን እቲ ኲናት ናብ ዞባዊ ኩነት ተቐይሩ ኣሎ።” ኢሉ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዝሓለፉ ሾውዓተ ዓመታት 815 ሚልዮን ኤውሮ ናይ ልምዓት ሓገዝ ን ኢትዮጵያ ዝሃበ ኮይኑ፡  እዚ ኣብርእሲቲ  409 ሚልዮን ኤውሮ ኣብታ ሃገር ንዝግበር ናይ ስደተኛታት መጽንሒ ዝተዋህበ ሓገዝ’ዩ።

ኣብቲ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝነብርሉ መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሓጻጽን ክቃጸልን ክዓኑን ብሳተላይት ከምዝተራእየ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ ዉሕሃ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከራት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቀርብን ኣሎ ኢሉ ካብምስማዕ ሓሊፉ፡ ኣብዝሓለፉ 10 መዓልታት ወተሃደራት ነቲ መዓስከራት ከምዝ ኣተዉዎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ናይ ዉሕሃ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት (UNHCR) ዳግም ኣንጻር ኤርትራ ናይ ምጽላም ወፍሪ ኣትዩ ክብል ወቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእታዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽሕድ እንተጸንሐኳ፡ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ጀነራል ኣብ መቐለ ንህዝቢ ኣብዝዛርበሉ እዋን፡ ንሰራዊ ኤርትራ፡ “ከይተዓደመ ናብ ትግራይ ሰጊሩ ኣሎ” ክብል ገሊጹ ኔሩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ኣደስኪልዎ. | SBS Tigrinya