ሰራዊት ሱዳን ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ መገዲ ይኣቱ ኣሎ ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ዝኾኑ ዲና ሙፍቲ ሱዳን ብካልእ ሳልሳይ ኣካል ትድፋእ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡

Homeland Report

Source: Getty Images

ሰራዊት ሱዳን ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ መገዲ ይኣቱ ኣሎ ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

እዚ ፍፃመ ዘየዋፅእ ከም ዘይኮነ ብወገን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ዝፀንሐ እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ዝኾኑ ዲና ሙፍቲ ሱዳን ብካልእ ሳልሳይ ኣካል ትድፋእ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡ እንተኾነ መንነት እቲ ሳልሳይ ኣካል ኣየልዓሉን፡፡ እቶም ወሃቢ ቃል ብዘሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ዘረባ (ሱዳን ብፀቕጢ ሳልሳይ ኣካል መሬት ኢትዮጵያ ትወርር ኣላ) ምስ በሉ ግብፂ ኣብ ካይሮ ንዝርከብ ኣማባሳደር ኢትዮጵያ ፀዊዓ ብዛዕባ መንነት እቲ ሳልሳይ ኣካል መብርሂ ክወሃባ ከም ዝሓተተትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግብፂ ትፍፅሞ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር ጠጠው ክተብል ኣለዋ ከም ዝበለት ይዝከር፡፡ ኢትዮጵያ ብወገና ናይ ዝኾነት ሃገር ሽም ከም ዘየልዓለት ገሊፃ ነይራ፡፡

ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዘሕለፈ  ውጥጥ ብጉዳይ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መፍትሒ ክግበረሉ ብ1972 ሰለስተ ኮሚቴ ተመስሪቶም ከም ዝነበሩ፣ ኣብ መዋሰንቲ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ መንበሪ ሰባት፣ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ሰፈራታታትን ከፃርዩ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ ብዘለዎ ከም ዝተቐመጠ እቶም ወሃቢ ቃል ኣዘኻኺሮም፡፡

ሱዳን ብጉልባብ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ውግእ ነቲ መሬት ከም ዝሓዘቶ፣ ሰራዊታ ነበርቲ እናከላበተን ንብረት እናዕነወን ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ ይኣቱ ከም ዘሎ ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጵያ እቲ ወጥሪ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ካብ ምድላይ ዝተበገሰ ብህድኣት ክትሪኦ ከም ዝፀንሐት ዝሓሩ ወሃቢ ቃል ዲና ሙፍቲ እዚ ከም ፍርሒ ክረአ ኣይግባእን እዩ ኢሎም፡፡



Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service