SKIP TO MAIN CONTENT

ሰራዊት ሱዳን ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ መገዲ ይኣቱ ኣሎ ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ዝኾኑ ዲና ሙፍቲ ሱዳን ብካልእ ሳልሳይ ኣካል ትድፋእ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡

Homeland Report
Source: Getty Images

2 min read

Published


Skip to article content

ሰራዊት ሱዳን ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ መገዲ ይኣቱ ኣሎ ክብል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

እዚ ፍፃመ ዘየዋፅእ ከም ዘይኮነ ብወገን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ዝፀንሐ እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ዝኾኑ ዲና ሙፍቲ ሱዳን ብካልእ ሳልሳይ ኣካል ትድፋእ ከም ዘላ ገሊፆም፡፡ እንተኾነ መንነት እቲ ሳልሳይ ኣካል ኣየልዓሉን፡፡ እቶም ወሃቢ ቃል ብዘሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ዘረባ (ሱዳን ብፀቕጢ ሳልሳይ ኣካል መሬት ኢትዮጵያ ትወርር ኣላ) ምስ በሉ ግብፂ ኣብ ካይሮ ንዝርከብ ኣማባሳደር ኢትዮጵያ ፀዊዓ ብዛዕባ መንነት እቲ ሳልሳይ ኣካል መብርሂ ክወሃባ ከም ዝሓተተትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግብፂ ትፍፅሞ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር ጠጠው ክተብል ኣለዋ ከም ዝበለት ይዝከር፡፡ ኢትዮጵያ ብወገና ናይ ዝኾነት ሃገር ሽም ከም ዘየልዓለት ገሊፃ ነይራ፡፡

ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዘሕለፈ  ውጥጥ ብጉዳይ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መፍትሒ ክግበረሉ ብ1972 ሰለስተ ኮሚቴ ተመስሪቶም ከም ዝነበሩ፣ ኣብ መዋሰንቲ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ መንበሪ ሰባት፣ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ሰፈራታታትን ከፃርዩ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ ብዘለዎ ከም ዝተቐመጠ እቶም ወሃቢ ቃል ኣዘኻኺሮም፡፡

ሱዳን ብጉልባብ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ውግእ ነቲ መሬት ከም ዝሓዘቶ፣ ሰራዊታ ነበርቲ እናከላበተን ንብረት እናዕነወን ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ ይኣቱ ከም ዘሎ ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጵያ እቲ ወጥሪ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ካብ ምድላይ ዝተበገሰ ብህድኣት ክትሪኦ ከም ዝፀንሐት ዝሓሩ ወሃቢ ቃል ዲና ሙፍቲ እዚ ከም ፍርሒ ክረአ ኣይግባእን እዩ ኢሎም፡፡



Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now