ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ብነጻ ወገን ክጻረ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ። ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ምብስባስን ምርሳይ ንብረት ይወርዶም ከምዘሎ ገሊጾም። በቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ብዘሎ ውግእ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ፈላማይ መስጊድ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ መስጊድ ኣልነጃሺን ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ቤተክርስቲያን ኣማኑኤልን ከም ዝዓነዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሚኑ።
Share






