SKIP TO MAIN CONTENT

ኣየርላንድ ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ፣ ባይቶ ጸጥታ ዉሕሃ ብዛዕባ ትግራይ ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ጸዊዐን።

እቲ ኣኼባ ፡ ዋላ እኳ እታ ካብ ሓምለ ኣትሒዛ ንባይቶ ጸጥታ ትመርሕ ዘላ ፈረንሳ ፡ ዕለትን ሰዓትን ብልክዕ ትውስኖ እንተኾነት ፡ ዓርቢ ክግበር ከም ዝከኣል ፡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

News
Source: SM

2 min read

Published


Skip to article content

ኣየርላንድን ኣመሪካን እንግሊዝን ብዛዕባ ኲናት ትግራይን ዝሰዓበ ምዕባለታትን ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከካይድ ጸዊዐን ።

እቲ ኣኼባ ፡ ዋላ እኳ እታ ካብ ሓምለ ኣትሒዛ ንባይቶ ጸጥታ ትመርሕ ዘላ ፈረንሳ ፡ ዕለትን ሰዓትን ብልክዕ ትውስኖ እንተኾነት ፡ ዓርቢ ክግበር ከም ዝከኣል ፡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ኲናት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ገና ክዕወታ ከለዋ ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ ቻይና ፡ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ድማ ነቲ ቅልውላው ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያዊ እዩ ብምባል ይገልጻኦ ኣለዋ ።

እዘን ሃገራት እዚኣተን ፡ እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ ፡ ናይ ኣሰራርሓ ድምጺ ክወሃበን ክሓትታ ይኽእላ እየን ፣ እዚ ድማ ከየዐውተን ይኽእል እዩ ።

ናይ ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ድምጺ ነቲ ተበግሶ ከዐውት ኣይኽእልን እዮ ፡ እንተኾነ ካብተን 15 ኣባል ሃገራት ትሽዓተ ድምጺ ናይ እወታ ድምጺ ምስ ዝረኽዎ እቲ ኣኼባ ከምዝቕጽል ከረጋግጹ ይኽእሉ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ በይነኣዊ ናይ ተዂሲ ደው ክብል ተሰማሚዑ ኣሎ። ሓይሊታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝዀነት ከተማ መቀለ ተቖጻጺሮም ፡ ኣብ ጐደናታት መቐለ ናይ ሓጎስ ፈንጠዚያ ሓዲሩ ።


ሓይልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዘጋጠሞም ሃንደበታዊ ለውጢ ፡ ኣብቲ ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ፡ ነጥበ መቐይሮ ከም ዝዀነ እዩ ዝሕብር ፣ ው.ሕ.ሃ. ፡ 350,000 ሰባት ብጥሜት ከም እተሃስዩ ገሊጹ ኣሎ ።

ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከት ዘካየዶ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ፡ ብ15 ሰነ እዩ ኔሩ ።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ዘስዓበ ሓደጋ ብዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ ሓባራዊ ኣዋጅ ምጽዳቑ ከም እተቓወመ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ ።

ኣብ ትግራይ ውግእ ዝጀመረ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እዩ ፡ ቀ/ሚስተር ኣብዪ ቅልጡፍ ዓወት ከም ዝረክብ ተመባጽዐ: ፌደራላዊ ሰራዊት ከኣ ንመቐለ ተቘጻጸርዋ ጸኒሑ ።

ይኹን እምበር ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ብርቱዕ ውግእ ቀጺሉ እዩ ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ድሕሪ ምግጣሙዩ ትማሊ ሓይሊታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሮማ ዝርከቡ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now