ብጽልኣት እስልምና መጥቃዕቲ፤ (Islamophobic) ብቓልዕ እዩ ዝኽሰት፡ እንተጋጢሙኸ እንታይ እዩ ዝግበር?

ጽልኣት እስልምና ብኦንላይንን ኦፍላይንን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

Does Australia have a problem with Islamophobia?

Does Australia have a problem with Islamophobia? Source: AAP

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንኻልኣይ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣብተመሳሳሊ ሰሙን ሓንቲ ጥንስቲ ኣስላመይቲ ክትህረምን ክትቅላዕን ኣብ ምሕበራዊ ሜድያ ብብዝሒ ክዝርጋሕ ተራእዩ።
ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካል እ ናይ ቪድዮ ምስሊ ክልተ ናይ ኒው ሳውዝ  ወልስ ፖሊስ ንክልተ ደቂ እስላም ደቂ ኣንስትዮ ብሕማቕ ክሕዝወን፡ተራእዮም እዮም e officers verbally abusing two Muslim women, ብዘይገበራኦ ብሓሶት ክኸስወን ተሰሚዖም።

ኣብ ክልቲኡ ፍጻመ እተን ግዳያት ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ብግሉጽ ይረአ፡ ሕጃብ ለቢሰን ዝተራእያ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እቶም ፈጸምቲ ገበን ድማ ጸዓዱ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። እዚ ኣብነታት እዚ ምስቲ ኣብቲ ናይቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ዘሎ ኣሃዝ ማለት 71 ሚእታዊ ፈጸምቲ ገበን ደቂ ተባዕትዮ 72 ሚእታዊ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
Islamophobia in Australia is a social problem that affects a significant portion of society.
Islamophobia in Australia is a social problem that affects a significant portion of society. Source: AAP
እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ድማ እቲ ዝበዝሐ ጸረ እስላማዊ መጥቃዕቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምፍጻሙ እዩ። 14 ሚእታዊ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሑ ኣብቲ ኩነታት ይሓብሩ ወይ ነታ ግዳይ ይከላኸሉ። እቶም ዝበዝሑ መሰኻኽር ክኾኑ ዝኽእሉርእዮም ከምዘይረኣዩ ኣስቂጦም ይሓልፉ።

ጽል ኣት እስልምና ብሃገር ደረጃ እዩ ዝኽሰት ዘሎ

እቲ ንኻልኣይ እዋን ዝቐረበ ጸብጻብ ጽልኣት እስልምና ን 349 ፍጻመታት ዝተጸብጸበሞ ዝተመዝግበ ማለት ካብ 2016 ክሳብ 2017 ዝተኸስተ መጽናዕቲ ብምግባር እዩ ወጺኡ። ምስቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻብ፡ደሚርካ ኣብ፡ዝሓለፈ 4 ዓመታት ብ ኦንላይንን ኦፍላይንን 592 ተመስጊቡ ኣሎ።

A new report found a disturbing trend of women wearing headscarves being attacked.
A new report found a disturbing trend of women wearing headscarves being attacked. Source: Press Association
ክልቲኡ ጸብጻባት ብሓፈሻ፡
ክልቲኦም፡እዞም፡ እዞም፡ጸብጻባት ዘመልክትዎ ጽልኣት እስልምና ኣብ ኣውስትራሊያ ከምዘሎን ቀጻሊ ማሕበራዊ ሕጦ፡ምዃኑን እዩ። ብፍላይ ድማ እተን ሕጃብ ዝለብሳ ብቐሊሉ ዝልለያ ብምዃነን እስላም ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ግዳያት እየን።
እቲ ካልእ ዘተሓሳስብ ኣብ ቃልዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝፍጸም፡ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ክስተት ብቐጻሊ እናዓበየ ምኻዱ እዩ።

እቶም ዉሑሳት ቦታታት ዝበሃሉ ከም በዓል ዕዳጋታት፤ መዓርፎ ባቡራትን ካልእ ብዙሕ ሰብ ዘዘውትሮ ቦታታት 60 ሚ እታዊ እዚ ክስተት ዝተፈጸሞም ኮይኖም፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብ ብ 30 % ወሰኽ ኣር እዩ። ጽልኣት እስልምና ዝበዝሐ ዝንጸበረቐሉ ኣብ ዕዳጋ ቦታታት (Shopping Centres) ኮይኑ ካብቲ ምዝጉብ ክስተት ናይቲ ጸብጻብ 25 ሚ እታዊ ብዝሒ ሒዙ ኣሎ፡፤

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቶ እስላማዊ ጽል ኢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታታት ብዙሓት ኣስላም ከጋጥምዎም ስለዝኾኑ ክከውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ሰብ ዝርከበሉን ካሜራታትን ሓለውቲን እንተለዉ እኳ ፈጸምቲ ገበን ስርሖም ደው ከብሎም ኣይከኣለን፡፤

መጥቃዕቲ እንተሪኢኻ/እንተጋጢሙ እንታይዩ ክግበር ዝከኣል

ሓለፍቲ ጣልቃ ስለዘይኣትዉ፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እስልምናን ስለዘሎ ኣብ ኣውስትራሊያ ገበርቲ ናይዚ ገበን ኣብ ሕጊ ኣይቀርቡን እዮም፡ በዚ ድማ ፈጸምቱ መመሊሶም ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጽሙ ይተባብዑ።

file-20191202-79446-l772q0.png?ixlib=rb-1.1.0&q=45&auto=format&w=754&fit=clip
ኣብቲ ሓለውቲ ዝርከብዎ ህዝባዊ ስፍራታት ጽልኣት እስልምና ክንጸባረቕ ምስእትዕዘብ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ነቶም ሓለውቲ ብዛዕባቶም ገበርቲ ገበን ምሕባር እዩ፡፤

መሰኻኽር ብዛዕባቲ ፍሳመ ናብዝምልከቶን ፖሊስን ክሕብሩ ይግባእ። 

እቲ ካልኣይ ስጉምቲ ነቲ ግዳይ ምጽንናዕ። እቶም ክነብዑ ዝሕደጉ ግዳያት ሰብ ሸለል ኢሉ ከምዝሓልፎምኝ፡ዥያዳ፡ኣብ፡ብጽጭት ከምዝኣትዉን እዮም ዝገልጹ። በዚ ምኽንያት ኣብ ከቢድ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እዮም ዝወድቁ፡፤

ብሩህ ገጽ ኣርኢካ "ኣይትሸገር/ሪ ከም ኩሎም ኣውስትራሊያዊያን እዚ ሃገርካ/ኪ እዩ" ምባል ነቲ ንነዊሕ ዝጸንሕ ጓሂ ከቃልሎ ይኽ እል እዩ።
እቲ፡ሳልሳይ፡መጸኻኽር ጣልቃ ክ ኣትዉ ምኽ ኣልዩ። ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ሓንቲ እስላም ጓል ኣንስተይቲ ምስ ሰለስተ ደቃ ብኸቢድ ምስተበደለት ኣብ ዙርያኣ ዝነበሩ ሰባት ደገፍ ስለዝሃቡ እቲ ገበነኛ ክርሕቀላ ኪኢሉ እዩ።

ጽል ኢ እስልምና ብዘለዎም ሰባት መጥቃዕቲ ምስዝወርድ እንታይ ክግበር ይከአል

ፈለማ ጽኑዕ ምዃንን ኣስላማይ ምዃንካ እምበር በደል ከምዘይፈጸምካ ክስመዓካ ኣለዎ፡፤ እዚ ምሕሳብ ንባዕሉ ሓገዝ፡ንምሕታት ትብዓት ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ።

ግዳያት ንዝምልከቶ ኣካልን ንፖሊስን ክሕብሩ ኣለዎም።

islam1.jpg
እቲ ፍጻመ ከም ገበን ክቑጸር ዘይክ እል ደረጃ እንተኾነኳ ፖሊስ ነቲ ገበን ክፍጽም ዝፈተነ ክከታተሉ ከኽእል እዩ።፡




Share

Published

Updated

By Mehmet Ozalp
Source: The Conversation

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ብጽልኣት እስልምና መጥቃዕቲ፤ (Islamophobic) ብቓልዕ እዩ ዝኽሰት፡ እንተጋጢሙኸ እንታይ እዩ ዝግበር? | SBS Tigrinya