ወተሃደራዊ ክንፊ መንግስቲ ሱዳን ንሲቪላዊያን መራሕቲ ኣብትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉዎም ይግለጽ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው፡ ሰብ መንዚ ኣመሪካ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ።

Abdela Hamdok

Source: AAP

ወታሃደራዊ ሓይልታት ሰኑይ ወጋሕታ  ንሓያሎ አባላት ሲቪላዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣል ሃዳድ ቲቪ ጸብጺቡ ፡ ሓደ ፍሉጥ ጉጅለ ደሞክራሲ ፡ ሱዳናውያን ዝኾነ ወታሃደራዊ ዕልዋ ንክፍጽሙ ናብ ጎደናታት ክወስዱ ጸዊዑ ።

ምንጭታት ስድራቤት ንሮይተርስ ከም ዝሓበርዎ: ወተሃደራውያን ሓይልታት ኣብ ቤት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ  ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣማኻሪ ብማዕበል ብምእታው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ ።



 

እቶም ወተሃደራት ብዛዕባ'ዚ ብኡንብኡ ርእይቶ ኣይሃቡን ። ናይ ሱዳን ቲቪ ከም ንቡር ፈነወ ቀጺሉ ኣሎ ።

ናይ ሮይተርስ መሰኻኽር ከምዝገለፅዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ተቛሪጹ ኣሎ።

ኣል ሃዳድት ንዘይተፈልጠ ምንጭታት ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ሓምዶቅ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ወታሃደራዊ ሓይልታት ድማ ኣርባዕተ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ሓደ ሲቪል ኣባል ቤት ምኽሪ ሉኣላዊ መንግስትን ሓያሎ ኣመሓደርትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፍሽለት ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝተኣልመሉ እዋን ጀሚሩ ፡ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራውያንን ሲቪላውያንን ጉጅለታት ፡ ድሕሪ ናይ 2019 ዓ.ም.ፈ መራሒ ነበር ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ምውራዱ ፡ ስልጣን ንምክፋል ዝዓለመ ምስሕሓብ ቀጺሉዩ ጸኒሑ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ወተሃደራዊ ክንፊ መንግስቲ ሱዳን ንሲቪላዊያን መራሕቲ ኣብትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉዎም ይግለጽ ኣሎ። | SBS Tigrinya