ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘተ ንምግባር ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ክገብር ሎሚ ንግሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሐ ሚ/ር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ ይገልጽ። ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድና፣ መኸተ ኣንጻር ኮቪድ19፡ ወራር ኣምበጣን፣ ካልኦት ከባብያዊ ጉዳያት ከምዝዘራረቡ እዩ እቲ መልእኽቲ ዝገልጽ።
ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስቴር ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፣ ኣማኻሪ ፕሬዝደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ነቲ ፕረዚደናት ኣሰንዮም ከምተጓዕዙ ተፈሊጡ ኣሎ።
Share

