ኣብዚ ሰሙን ድሕሪ ቅትለት ዉሩይ ናይ ኦሮሞ ተቓላሳይን ስነጥበበኛን ሃጫሉ ሁንደሳ ኢትዮጵያ ኣይተረጋገአትን ዘላ። ኣብ እዋን ቀብሩን ድሕሪኡን ኣስታት 100 ሰባት ከምተቐትሉን ብዙሓት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ከም በዓል ጀዋር መሓመድ፡ በቀለ ገርባን እስክንድር ነጋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ከምዘለዉ ክጽብጸብ ቀንዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፡ ዝጊት ልዕሊ 1200 ሰባት ምስቲ ናይ ለንቅነ ዕግርግር ዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ምእሳር ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ንናይ ትግራይ መዲያ ወሲኻ ካልኦት መዲያታት መንግስቲ መጠንቀቕታ ሂቡ፡ ን OMN ድማ ዓጽይዎ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ናይ መዓልታት ምዕጻው ህይወት በብቕሩብ ይምለስ እኳ እንተሎ ዛጊት ኣብታ ሃገር ኢንተርኔት ተዓጽዩ ኣሎ። ድሕርቲ ቅትለት ሃጫሉ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣትሒዙ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ሓዘኖም ገሊጾም ህዝቢ ከረጋግኡ ፈቲኖም። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ነቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ብሓይሊ ብረት ከህድእዎ እንተፈተኑ’ኳ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ዓቢ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ምግባር ቀጺሎም ኣለዉ። ኣብ ሃረር ዝርከብ ሓወልቲ ኣቡኡ ንሃጸይ ሃይለስለሰ ዝኾነ ናይ ራስ መኮነን ድሕሪ ምፍራሱ ኣብ ለንደን ዝርከብ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ሓወልቲ’ውን ብተቓወምቲ ፈሪሱ ኣሎ።
ነቲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ተቓዉሞ ዘስግኦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ኣብ ዝሃቦ ናይ ምፍርራሕን ሕጂውን እቲ ስልጣን ኣብ ኢድና ኣሎ ብዘለዎ ቃና እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። 'ካብ ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ወጻኢ፡ ዝኾነ ንዓና ከምበርክኽ ከምዘይክእል ከነርኢ ኣለና፡ ካብ ሕጂ ብሽምግልና ዝግበር ነገር የለን' ክብል ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መጠንቀቕታ ሂቡ።
ኣብቲ ንሰብ-መዚ ጸጥታ ዝገበሮ ኣኼባ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት “ፊልም” ዝበሎ ንሱ “ምስ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝተኣሳሰረን ኣብ መስከረም ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ውዲት ዝነበረ ኮይኑ ፈሺሉ ናብቲ ከምዚ ዝበለ ዕግርግር ኣምሪሑ።” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቶም “ብናይ ወጻኢ ባእታታት ዝሕገዙ” ዝበሎም በቲ ንሱ ዝሃነጾ “ሓድሽ ናይ ጸጥታ ሓይሊ” ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለን “ዳርጋ ኩሎም እቶም ዝተኮሱ ተታሒዞም’ዮም” ብምባል፡ “ዝተኮሱ ጥራይ ዘይኮኑ እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ዘተኮሱ ክፍለጡ ኣለዎም።” ክብል ኣፈራሪሑ። “እቶም ብስም ብሄር፡ ዘተኩሱ ዘለዉ ሓይልታት ድማ ብንጹር ተለልዮም ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም።” ድማ ኢሉ። ብሓፈሻ ቀ/ሚ ኣብይ “ካብ ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ወጻኢ፡” ዝኾነ ክገብር ነገር ዝፍትን ከምዘይሰልጦን “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ፡ ጽፍሪ ኣይንነቅልን፡ ሰብ ኣብ ጸልማት ኣይንዳጉንን ንሕጊ ብሕጊ ኢና ነኽብር።” ክብል ተሰሚዑ።

ነዚ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘረባ ተኸቲሉ፡ እተን ካብ ወጻኢ ብመገዲ ዩቱብን ሳተላይትን መደባት ዘመሓላልፋ ከም ኢትዮ 360, OMN, KMN ESAT ዝበላ ናይ ዜና ማዕከናት ክትንትናኦ ዊዒለን። ገለ ካብቲ ብዛዕባቲ መደረ ዝቐረበ ትንታነታት፡
ቀ/ሚ ኣብይ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ምቕራቡ እዩ። ፈለማ ወተሃደር ኮይኑ ናብዚ ዘለዎ መዚ ኣይደየበን ብምባል እቲ ብኸምዚ መልክዕ ምቕራብ “ቅልጽምካ ንምርኣይን ንምህዳድን” ዝተገብረ መናዋራ እዩ ክብሉ ወቂሶሞ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ዘመነ መንግስቱ ሃይለማርያም ንብዙሕ ዓመታት ዝውቱር ዘይነበረ “መለዮ ለባሽ” ዝብል ቃል መመሊሱ ምጥቃሱን፡ ነቲ “ተወጢኑ ዝነበረ ስርሒት” በቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣማዕቢልናዮ ዝበሎ ሓይሊ ጸጥታ ምምስጋኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወተሃደራዊ መንግስቲ ሃኒጹ ናብ ዲክታተራዊ ስርዓት የምርሕ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ክብሉ ነቒፎሞ።
ኣብ መደርኡ “እቶም ብስም ብሄር፡ ዘተኩሱ ዘለዉ ሓይልታት” ኢሉ ዒላማ ዝገበሮም ጉጅለታት ዘመልክቶ፡ እቲ ናይ ብሄር ሕቶ ህዝቢታት ጸቒጡ ነቲ ብሄራት ባዕለን ገዛእ ርእሰን ከመሓድራ ዘፍቅድ ቅዋም ንምጥፋእ ዘለዎ ጥሙሕ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ዝኸፍአ ዘረባ ዝብልዎ እቶም ተንተንቲ፡ ናብ ወጻኢ ዘይኮነ ንኣብ ውሽጢ ዘለዉ ህዝቡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምውጥዋጡ፡ “ንደሞክራሲን ለውጢን ክግበር ዝጸንሐ ቓልሲ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ” ክብሉ ኣረጋጊጾም።
እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ፖለቲካ “ንቕጥቀጥ ኣለና” ዝብልዎ ዘለዉ ብምጥቃስ ነቲ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ፡ ጽፍሪ ኣይንነቅልን፡ ሰብ ኣብ ጸልማት ኣይንዳጉንን ንሕጊ ብሕጊ ኢና ነኽብር።” ዝበሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ብኣንጻሩ ይኸውን ከምዘሎን ንህዝቢ ምትላልን እዩ” ኢሎም ወቒሶሞ። ብሓፈሻ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ህዝቢ ተባቲኹ፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዓሉ እናቐረበ ይኸይድ ከምዘሎ እዮም እቶም ተንተንቲ ገሊጾም።
እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ናይቲ ኣርቲስትን፡ “ከቢድ ነገር ንምፍጻም ተኣሊሙ ኔሩ” ዝተባህለሉ ፍጻመ፡ ኣብ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኦነግ፡ ህወሓት ከምኡውን ግብጺ ተሓተቲ ዝገብር ብግሉጽ እንተዘይተዘርበ’ኳ ሰበ ስልጣን ሰልፊ ብልጽግና ግና ኣሚቶም ኔሮም። ብፍላይ ን ኦነግን ህወሓት ምጽግጋዑ ዝኾነኑ ተንተንቲ ኣለዉ። ናይ ESAT ሲሳይ ኣጌና ዝተባህለ ዜጠጋኛ ብግልጺ “ንህወሓት ንምሕምሻሽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ኣለዎ።” ኢሉ ምጽዋዑ፡ ገለ ተንተንቲ “ንህዝብኻ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ክድምሰስ ምጽዋዕ ሉኣላዉነትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ። ናይ ኣብይ መንግስቲ ሓይሊ ድኹም ምዃኑ መግለጺ ድማ እዩ።” ብምባል ዝኾነንዎ ኔሮም።

ብሓፈሻ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ዕግርግር፡ እቲ ፈኸም እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብጋህዲ ናብ ደገ ወጺኡ ዝተቐልዓሉ ኩነታት እዩ ኔሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ ግንፉል ተቓዉሞታት ደቂ ኦሮሞ ድማ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ መዓልቱ ሓልዩ ዝግንፍል ማዕበል ተቓዉሞ ዘፍርሕ ምዃኑ ዝእምት እዩ።

