ማይ'ውን እንተኾነ ምስታይ የለን: ኣፍልጦ ብዛዕባ ረመዳን ኣስላም ንዘይኮኑ ሰባት

ረመዳን እንታይ እዩ ትርጉሙ ኢልኩም ትሓስቡ ዲኹም፧ ብዙሓት ኣስላም ወይ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ግዜ ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ንምንታይ ይጸሙን ነቶም እምነቶም ዘተግብሩ ኣዕሩኽ መሓዙትኩም ከመይ ብዝበለጸ ትሕግዝዎምን ትደጋገፍዎምን ዝሕብር ትሕዝቶ ኣብ'ዚ እነሀልኩም።

An Indian Muslim offer prayers before breaking his fast on the first day of the holy fasting month of Ramadan

Islam's holiest month is a period of intense prayer, dawn-to-dusk fasting and nightly feasts. Credit: Mahesh Kumar A./AP

In brief

  • ኣብ ወርሒ ረመዳን ኣመንቲ ምስልምና ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ካብ ምብላዕን ምስታይን ይዕቀቡ፡ ምስኡ ድማ ጸሎታቶምን ልግስታቶምን የዛይዱ
  • እቶም ጸወምቲ ብተወሳኺ ኣብ'ቲ ግዜ ካብ ጾታዊ ንጥፈታት፡ ምትካኽ (ሽጋራ፡ ሺሻን ቨይፒንግ ክኸውን ዝኽእል)፡ ወይ ድማ ገለ መድሃኒታት ካብ ምውሳድ ይቑጠቡ።

ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ተግባር ኣምልኾ ይሳተፉ'ለዉ፡ ኣብ'ዚ ወርሒ ረመዳን ካብ ሰዓታት ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ መግቢ ኣይክበልዑን'ዮም፡ ማይ'ውን እንተኾነ ኣይሰትዩን'ዮም።

ረመዳን ስም ናይ'ታ ኣብ እስላማዊ ምንቅስቓስ ወርሒ ዝኽተል ዓውደኣዋርሕ (ኢስላሚክ ሉናር ካለንደር) ታሽዓይቲ ወርሒ'ዩ። ኣብ'ዛ ወርሒ ኣመንቲ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ካብ ምብላዕን ምስታይን ክዕቀቡ'ዮም፡ ምስኡ ድማ ጸሎታቶምን ልግስታቶምን ክውስኽዎ'ዮም።

እዚ ቅዱስ ወርሒ ዓቢይ እዋን መንፈሳዊ ኣስተንትኖ'ዩ፡ ኣብ መላእ'ዚ ወርሒ ረመዳን ምጻም ድማ ሓደ ካብ'ቶም ሓሙሽተ እዕኑድ ወይ ዓንድታት እስልምና'ዩ።

በዚ ምኽንያት'ዩ ኣስላማይ ወይ ኣስላመይቲ ዓርኪ ወይ መሓዛ ወይ ናይ ስራሕ ብጾትኩም ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ንምሳሕ ሃንደበት ዝጠፍእኹም ወይ ዝእለዩ ካባኹም ወይ ድማ ቡን ንግሆ እንተጋቢዝኩሞም ኣይፋሉን ዝብልኹም ወይ ዘይቅበልኹም።

መዓስ'ዩ ረመዳን ኣብ'ዚ ዓመት፧

ጥቓ ክልተ ቢልዮን ህዝቢ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ምሸት ሮቡዕ (18/02?2026) ኣትሒዙ ጾመ ረመዳን ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።

ረመዳን ኣብ ምንቅስቓስ ወርሒ ዝኽተል ዓውደኣዋርሕ (ሉናር ካላንደር) ዝምርኮስ ኮይኑ በብዓመቱ 11 መዓልታት ንቕድሚት ይሰሓብ።

ኣብ'ዚ ዓመት ምስ'ታ ወርሒ ቀዲማ ዝተራእየትላ እዋን ትቃዶ ካብ ምሸት 18 ለካቲት ክሳብ 19 መጋቢት ክኽበር'ዩ።

A man uses a telescope to observe the position of the moon to determine the start of Islamic holy month of Ramadan in Indonesia.
ምርኣይ ወርሒ ቀንዲ ኣካል መስርሕ ምውሳን ረመዳን ዝጅመረሉ ዕለት'ዩ - ስለ'ዚ ንዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተፈላለየ ዕለት ክኸውን ይኽእል'ዩ። Source: EPA / Hotli Simanjuntak

እቲ ዕለት ግን ከከም'ቲ ዘለኹሞ ሃገርን እታ ሓዳስ ወርሒ ኣብኡ ክትረኣየሉ ትኽእል እዋንን ክፈላለ ይኽእል።

ስለ'ዚ ዝበዝሑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስላም ክጾሙን ኣብ ንጥፈታት ጸሎትን ልግስን ክሳተፉ'ኳ'ንተኾኑ ዝጅምርሉን ዝውድእሉን ዕለታት ግን ክፈላለዩ ይኽእሉ'ዮም።

እዚ ወርሒ ረመዳን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ጾም ዝስበረሉ ወይ ዝሰዓረሉ ግዜ ምስ ሰዓታት ዕራርቦ ጸሓይ ክቀያየር'ዩ። እዚ ወርሒ ክውዳእ ወይ ክዛዘም'ንከሎ እቲ ዝጽወመሉ ሰዓታት ብፍርቂ ሰዓት ዝሓጸረ ክኸውን'ዩ።

ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን - ከምኡ'ውን ኩለን ኣብ ደቡባዊ ንፍቀክቢ ዝርከባ ሃገራት - ካብ ኩሉ ዝነውሐ ሰዓታት ጾም ኣለወን - ከባቢ 15 ሰዓታት ማለት'ዩ።

እቶም ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀክቢ ዘለዉ ግን ዝሓጸረ ሰዓታት ማለት ከባቢ 12 ሰዓታት ክህልውዎም'ዮም።

ስለ'ዚ ንወርሒ ዝኸውን ዲኹም ዘይትበልዑ፧

ኣይፋሉን፡ ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ረመዳን ዝጸሙ ኣመንቲ ምስልምና ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ተመሊሳ ትዓርብ ዝኾነ ነገር ኣይበልዑን ወይ ኣይሰትዩን'ዮም። ማይ'ውን እንተኾነ።

ኣመንቲ ምስልምና ብተወሳኺ ኣብ'ቲ ዝጾምሉ ግዜ ካብ ጾታዊ ንጥፈታት፡ ምትካኽ (ሽጋራ፡ ሺሻን ቨይፒንግ ክኸውን ዝኽእል)፡ ወይ ድማ ገለ መድሃኒታት ካብ ምውሳድ ይቑጠቡ።

ጸሓይ ምስ ዓረበት ግን፡ ኩሉ ክፍጽምዎ ወይ ክወስድዎ ዝደልዩ ወይ ዝግብኦም ፍቑድ ይኸውን።

People eat together at a dinner table.
ብዙሓት ስድራቤታት ኣስላም ጸሓይ ምስ ዓረበት ጾመ ልጓሞም ብሓባር ይፈትሑ (የፍጥሩ) Source: Getty / Asanka Ratnayake

እቲ ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ዝምገብዎ ቀዳማይ መግቢ ኢፍጣር - ወይ ድማ መግቢ ስዕረት ይበሃል። ኢፍጣር ሓደ ተምሪ (ወይ ሰለስተ) ተምርታት ምስ ማይ ምብላዕ ንሙስሊሚን ልሙድ ኣገባብ ዘፍጥርሉ'ዩ።

ድሕሪኡ፡ ነብስኻ ብዛዕባ ዓቂንካ ምኻድን ምምጋብን'ዩ። ብዙሕ ግዜ ጸሓይ ወጋሕታ ክሳብ ክትቅልቀል ትጅምር ብዙሕ ክብላዕ ዝኽእል ዓይነታት መግቢ ይህሉ።

ኣመንቲ ብተወሳኺ ቅድሚ መዓልቲ ጾሞም ምጅማሩ ጸሓይ ወጋሕታ ቅድሚ ምቕልቃላ መግቢ ንምብላዕ ካብ ድቃሶም ክትስኡ ይተባብዑ'ዮም - እዚ ብዓረብ ሱሑር ወይ ብትግርኛ ከም ልምዲ ኣሽሑር ይበሃል።

ገሊኦም ምሉእ ቁርሲ ቀዲሙ ዝተዳለወ ይህልዎም፡ ካልኦት ድማ ቅልል ዝበለ ቁርሲ ወይ ጠዓመትን ነቲ ዝጽበዮም መዓልቲ ዘዳልዎም ገለ ማይን ይመርጹ።

ስለ'ዚ ኣመንቲ ምስልምና ኣዕሩኽ-መሓዙትኩም ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኢንስታግራም ንዝለጠፍኩሞ ወይ ዝጠቃዕኩሞ ይፈትውልኩም (ላይክ ይገብሩልኩም) ወይ ንመልእኽታትኩም መልሲ ይህቡ እንተሃልዮም፡ ተበራቢሮም ከምዘለዉ ሕጂ ፈሊጥኩም ኣለኹም ማለት'ዩ።

ኩሉ ድዩ ክጸውም ዘለዎ፧

ኩሉ ኣይኮነን። ህጻናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ሕድገት ይግበረሎም'ዩ፡ ምስኦም ድማ ጥኑሳት፡ ዘጥቡዋ፡ ናይ ኣዴታተን ዝመጸን ደቀንስትዮ፡ ገያሾ ወይ ድማ ዝሓመሙ ሰባት ይኣትዉ።

ገለ መዓልታዊ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት'ውን ሕድገታት ዝግበረሎም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

ሓደ ኣስላማይ ገለ መዓልታት ጾም ምስ ዝሓልፈኦም - እቲ ወርሒ ምስ ተወደአ ግን ክጾሙ ብቕዓት ዘለዎም - ቅድሚ'ታ ድሕሪኣ ዘላ ረመዳን ምርካባ እቲ ምጻሞም ክፍጽምዎ ይተባብዑ።

ገለ ሰባት ብተወሳኺ ከይጾሙ ዝመርጽሉ ውልቃዊ ምኽንያታት ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ስለ'ዚ ዓርኪ መሓዛኹም ኣመንቲ ምስልምና ቀትሪ ክበልዑ ምስ ትርእይዎም ንምንታይ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ ኢልኩም ኣብ ቃልዕ ዘይምሕታት ኣኽብሮት ከም ምሃብ'ዩ።

ንምንታይ ግን ትጾሙ፧

እወ፡ ትጠሚን ትጸምእን፡ ግን ከኣ ንሱ'ዩ'ቲ ነጥቢ።

ረመዳን ብድሆ'ዩ፡ ንብዙሓት ሰባት ግን፡ ብዛዕባ ምርዳእ ስቓይ'ቶም ብዙሕ ዘይብሎም ስኡናትን ብዛዕባ ምስጋና ምልማድን'ዩ። ብዙሕ ግዜ ውሽጥኻ ኣብ ምፍታሽን ምስትንታንን ስለዝሕለፍ ከም ሓደ ስምዒታውን መንፈሳውን ምንጻህ'ውን የገልግል።

ብዙሓት ኣስላም እቲ ናይ ምምስጋን ስምዒት ኣብ መላእ’ቲ ወርሒ እናዓበየ ይኸይድ ኢሎም ይገልጽዎ። ቀጻሊ ዝያዳ ክህልወካ ኣብ ክንዲ ምህቃንን ምድላይን በቲ ዘለካ ብዛዕባ ምዕጋብ'ውን'ዩ።

ረመዳን ብዛዕባ መግቢ ጥራይ ድዩ፧

ንረመዳን ብዛዕባ መግቢ ጥራይ ገይርካ ምንኣሱ ልክዕ ኣይኮነን። ሓደ ወሳኒ ክፋል ናይ’ቲ ወርሒ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ግዜ ቅዱስ ረመዳን ዝቕረበሎም ወይ ዝወርደሎም ኢሎም ዝኣምንሉ መኽሰብ ወይ ጽድቂ ንምሕፋስ ዝበለጸ ሰብ ኮንካ ክትቀርብ ኣለካ ዝብል’ዩ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ሕሜትን ካልኦት ሕማቕ ልምድታትን ክቑጠቡ ዘይተኣደነ ጻዕሪ የካይዱ፣ ዝያዳ ቁርኣን የንብቡ (ይቐርኡ)፣ ለይቶም ኣብ መስጊድ ብጸሎት የሕልፍዎ፣ ዝያዳ ብዛዕባ ሃይማኖቶም ይመሃሩን ምስ ፈጣሪኦም ርክብ ይፈጥሩን።

ንጽጉማት ወይ ስኡናት ምልጋስ ዝተባባዕ'ዩ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ'ቲ ወርሒ ድማ ኣመንቲ ገለ ክፋል ወይ ግንዖ ናይ ሃብቶም ክልግሱ ይሕተቱ። እዚ 'ዘካት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ሓደ ካብ'ቶም ሓሙሽተ ኣዕኑዳት ሃይማኖት እስልምና'ዩ።

ካልእ ፍሉይ ዝኾነ ኣካል ረመዳን 'ለይላቱ'ል ቐድር' (ወይ 'እታ ኣዝያ ዝተቐደስት ለይቲ' (ሓይሊ ትህብ ለይቲ)) እያ፣ ኣብ መወዳእታ 10 መዓልታ ናይ'ታ ወርሒ ኣብ ሓንቲ ካብ'ተን ዘይምቀላ ቁጽርታት ዘለወን ለይትታት ትዓልብ። ኣመንቲ ምስልምና ኣብ'ታ ለይቲ ዝፍጸሙ ሰናይ ተግባራት ሽሕ ግዜ ይራብሑ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ኣብ'ዘን ለይትታት ናይ'ተን ናይ መወዳእታ 10 መዓልታት'ቲ ወርሒ ክጽልዩ መታን ከይደቀሱ ክሓድሩ ይመርጹ፣ እንተኾነ ግን ሱኒ ኣስላም ዝያዳ ናይ'ቶም ተወሰኽቲ ዝፍጽምዎም ጸሎታትን ስግዳናትን ኣብ መበል 27 ለይቲ ወርሒ ረመዳን ኣትኲሮም ይፍጽምዎም፣ እዛ ለይቲ ለይለቱል ቐድር ክትከውን ዝለዓለ ተኽእሎ ስለዘለዋ። ንሺዓ ኣስላም ወሲኽካ፣ ካልኦት'ውን ጸሎታቶም ከብጽሑ ለይቲ ከይደቀሱ ይሓድሩ'ዮም።

Members of the community visit Haldon Street during Ramadan at Lakemba in Sydney.
ኣብ ምዕራብ ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ዕዳጋታት ለይቲ ሮሞዳን ላከምባ (Lakemba Ramadan Night Markets)፡ መግብታት መላእ ዓለም ዘርኢ ዓመታዊ መደብ ኮይኑ፡ ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ በጻሕቲ መግቢ ዘስተማቕርሉ ክፉት ዕዳጋ እዩ። Source: AAP / Flavio Brancaleone

ተኸተልቲ ሱኒ እስልምና ድሕሪ'ቲ ግዴታዊ ዝኾነ ናይ ምሸት ስግዳን (ሰላቱል ኣልዒሻ) ኣብ መስጊድ ምፍጻሞም፣ ንመላእ'ቲ ወርሒ ሰሏት ተራዊሕ (ተወሳኺ ስግዳናት) ክሰግዱ ይመርጹ።

ረመዳን ንምፍጻም ሓደ ዓይነት ኣገባብ ጥራይ ከምዘየለ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ'ዩ - ነብሲ ወከፍ ሙስሊም እቲ ወርሒ ቅድሚ ምዝዛሙ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ዒላማ እንታይ'ዩ ኣብ ዝብል ነናቶም ውልቃዊ ሽቶታት ከቐምጡ'ዮም።

ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝጸውም ዘሎ ሰብ እንተበላዕኩ ደሓን ድዩ፧

ደሓን'ዩ። እንተኾነ ግን ነቶም ዝሃረፉ ኣፍጢጦም ናብ'ቲ መግቢኹም ዝጥምቱ ኣዒንቲን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሃንደበት ዝስምዕኹም ድምጺ ምውሓጥ ምራቕን ብኽብረትኩም ሸለል በልዎም ኢኹም።

ምናልባት ኣብ ቅድሚ ዝጠመየ ሰብ ምብላዕኩም ክትሓንኩ ወይ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓኩም እንከሎ፡ እቶም ኣመንቲ ምስልምና ኣዕሩኽ መሓዙትኩም ግን ድሮ ቀልቦም ኣብ'ቲ ጸሓይ ምስ ዓረበት ዝጽበዮም ምቁር ድግስ ኣተኲሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንተካቢድኩሞ ምናልባት ስክፍታ ዝፈጥር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ብዙሕ ኣይትጨነቑ፣ መግቦም ይጽበዮም ስለዘሎ።

ክብደት ምቕናስ የጋጥም ዶ፧

ግድን ኣይኮነን። ኣካል ወይ ሰብነት ነብሲ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ'ዩ፣ እቲ ቀንዲ ዕላማ ወይ ድሌት ናይ ምጻም'ውን ምናልባት ገለ ኪሎታት ምቕናስ ዝብል ከይከውን ይኽእል'ዩ።

ገለ ሰባት ብኣንጻሩ ካብ'ቲ ምሉእ ወይ ዝበዝሕ ክፋል ለይቲ ዝቋደስዎ ዝተፈላለዩ ጣዕምን ትሕዝቶን ዘለዎ መግቢ ቁሩብ ኪሎታት ክውስኹ ይኽእሉ'ዮም።

Displaced Palestinians hang decorations over the rubble of their destroyed homes as they prepare to welcome the holy month of Ramadan
It's tradition to decorate homes with lanterns and lights to honour the month of Ramadan. In war-torn Gaza, this Palestinian girl lights up a lantern amid the rubble. Source: EPA / Haitham Imad

ከመይ ኢለ ናይ ሕጉስ ወይ ሰናይ ረመዳን ምንዮተይ ክገልጽ ይኽእል፧

ኣመንቲ ምስልምና መሓዙት ኣዕሩኽ ኣብ'ዚ ብመንፈስ ደረጃ በዳሂ ዝኾነ ወርሒ ገለ ድጋፍ ክትገብርሎም ትኽእሉ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ።

እቲ ዝቐለለ እታ ወርሒ ተ/ጀሚራ ከምዘላ ኣፍልጦ ምሃብ ወይ ምስትውዓል'ዩ! ከም'ቲ ካልኦት "ርሑስ በዓል ልደት" ኢሎም ኣብ ግዜ ወቕቲ በዓላት ዝለዋወጥዎን ዝለኣኣኹዎን ሰናይ ምንዮታትን መልእኽታትን ብዙሕ ዋሕዚ ዘለዎ ተመሳሳሊ መልእኽታትን ምንዮታትን'ውን ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ነንሓድሕዶም ይቀባበሉ'ዮም።

ዝተፈላለዩ ባህልታት ሰላምትኦምን ሰናይ ምንዮቶምን በብናቶም ቋንቋ ይገልጹ። ብትግርኛ'ውን ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኣለውዎ። እቶም ብብዝሒ ዝውቱራት ኣበሃህላታት 'ረመዳን ከሪም'፣ 'ረመዳን ሙባረክ'፣ 'እንቋዕ ናብ ጾመ ረመዳን ኣብጽሓኩም!'፣ ወዘተ ዝብሉ'ዮም። ካልኦት ኣገላልጻታት እንተሃለዉ'ውን ክገርመኩም የብሉን።

ኣመንቲ ምስልምና ምዝዛም ረመዳን ብፌስታ የብዕልዎን ይጽንብልዎን፣ እዚ ኣውደኣመት ወይ ፌስታ ድማ 'ዒድ ኣል ፊጥር'፣ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ሰለስተ መዓልታት ይበዓል።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


6 min read

Published

Updated

By Rayane Tamer, Rashida Yosufzai

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now