ኣብ ከተማ መቐለማእከለን ጌረን ዝሰርሓ ዝነበራ መደብራትቴሌቪዥንድምጺወያነትግራይንቴሌቪዥን ትግራይንካብቲ ኣብ ፈረንሳይ ዝርከብ ኣገልግሎት ሳተላይት ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕጸዋ ከምዝተገብረ ትማሊ ተጸብጺቡ ኔሩ።
ምክትል ኣካያዲ ስራሕ በዓል ስልጣን ብሮድካስት ኣቶ ወንደወሰን አንዱአለም ግና፡ “ንክልቲአን መደብራት ቴሌቪዥን መጠንቀቕታ ካብ ምጽሓፍ ወጻኢ ክዕጸዋን ካብ ሳተላይት ቴሌቪዥን ክወርዳን ከምዘይገበሩ” ቢቢሲ ጸብጺቡ ኔሩ።
ሎሚ ኣብዝተዘርግሐ መወዓውዒ ግና ድምጺ ወያነ ሓድሽ ናይ ፍሪኩወንሲ ለውጢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ዘመልክቶ ካብቲ ብፈደራል መንግስቲ ዝምእከል ዝነበረ ወጺኡ ናይ ገዛእ ርእሱ መስመር ሒዙ ፈነዋኡ ክቕጽል ከምዝኽእል ዘመላኽት እዩ።
Share

