ኣብ ልዕሊ "ደገፍቲን ናፈቕቲን ህወሓት" ተሪር ስጉምቲ ከምዝወስድ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጸጥታ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ክውሰድ ዝጸንሐ ስጉምቲ ብዝለዓለ ብራኸ ኸምዝትግበር'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

News

Source: Getty Images

“ኣብ ልዕሊ ናፈቕቲን ደገፍቲን ህወሓት ዝውሰድ ስጉምቲ” ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘዕብዮ ኣዲስ አበባ ጸጥታ ኣፍሊጡ

 እቲ ናይ ጸጥታ ኮሚቴ፡ ናይ ኣዲስ አበባን ሰላምን ደሕነትን ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ንናፈቕቲን ደገፍቲን ህወሓት ዝውሰድ “ሕጋዊ” ስጉምቲ ምውሳድ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከምዝወስዶ ገሊጹ፥  ብተወሳኺ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘመሓላልፉን ዝዝርግሑን ንዝበሎም ኣጠንቂቑ ኣሎ።


ብዘይካዚ ናይ ኲናት መሳርሒ ዝውንኑ  ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኸመዝግቡ  ሓላፊ ቢሮ ድሕንነትን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ከምዘተሓሳሰበ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከከባቢኦም ተወዲቦም ከባቢኦም ንኽሕልዉ ተፈቒዱ ከምዘሎ ገሊጹ።

 “እቲ ናይ ኲናት መሳርሒ ብመንግስቲ እንተተፈሊጡን ሕጋዊ እንተኾይኑ ን ባዕሉን ንጸጥታ ከባቢኡን ንኽሕሉ ክግበር ኢዩ።” ክብል ገሊጹ።

መሳርሒ ዘለዎም ኣካላት ከባቢኦም ክሕልዉ ዘይክሉ እንተኾይኖም ንቐረባ ሰብ ወይውን ንመንግስቲ ብሓደራ ሂቦም ክሕለወሉ ከምዝግበር እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ቦታታትን ፍተሻ ከምዝግበር’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሓይሊታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም፡ ሎሚ ኣብዝወጽዎ ሓበሬታ ገርባ፣ ባቲ፣ቡርቃን ሃርቡ ዝበሃላ ከተማታት ብምቁጽጻር ናብ ከተማታት ሚሌን ከሚሴን ይግስግሱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service