“ኣብ ልዕሊ ናፈቕቲን ደገፍቲን ህወሓት ዝውሰድ ስጉምቲ” ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘዕብዮ ኣዲስ አበባ ጸጥታ ኣፍሊጡ
እቲ ናይ ጸጥታ ኮሚቴ፡ ናይ ኣዲስ አበባን ሰላምን ደሕነትን ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ንናፈቕቲን ደገፍቲን ህወሓት ዝውሰድ “ሕጋዊ” ስጉምቲ ምውሳድ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከምዝወስዶ ገሊጹ፥ ብተወሳኺ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘመሓላልፉን ዝዝርግሑን ንዝበሎም ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ብዘይካዚ ናይ ኲናት መሳርሒ ዝውንኑ ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኸመዝግቡ ሓላፊ ቢሮ ድሕንነትን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ከምዘተሓሳሰበ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከከባቢኦም ተወዲቦም ከባቢኦም ንኽሕልዉ ተፈቒዱ ከምዘሎ ገሊጹ።
“እቲ ናይ ኲናት መሳርሒ ብመንግስቲ እንተተፈሊጡን ሕጋዊ እንተኾይኑ ን ባዕሉን ንጸጥታ ከባቢኡን ንኽሕሉ ክግበር ኢዩ።” ክብል ገሊጹ።
መሳርሒ ዘለዎም ኣካላት ከባቢኦም ክሕልዉ ዘይክሉ እንተኾይኖም ንቐረባ ሰብ ወይውን ንመንግስቲ ብሓደራ ሂቦም ክሕለወሉ ከምዝግበር እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ቦታታትን ፍተሻ ከምዝግበር’ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሓይሊታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም፡ ሎሚ ኣብዝወጽዎ ሓበሬታ ገርባ፣ ባቲ፣ቡርቃን ሃርቡ ዝበሃላ ከተማታት ብምቁጽጻር ናብ ከተማታት ሚሌን ከሚሴን ይግስግሱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።