ሃገራዊ ፕሮግራም ክታበት 2016

ኣብ ኣውስትራሊያ፡ እዚ ንኣትዎ ዘለና ወቕቲ ዛሕሊ ዝጅምረሉ ብሙዃኑ፡ ሃገራዊ ክታበት ናይ ጉንፋዕ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ክጅመር’ዩ። ብዙሓት ካባና በዚ ፍሉ ወይ ጉንፋዕ ተለኺፍና ክንከውን ንኽእል ኢና። ናይ Australian Influenza Surveillance Report ከምዝሕብሮ: ክታበት ዝወሰዱ ሰባት: ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ብ 4 ሚእታዊ ዓብዩ ኣሎ። ንኹሉ ዕድሚኡ ልዕሊ 6 ወርሒ ዝኾነ ክታበት ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ክፍለጡ ዝግባኦም ነገራት ግና ኣለዉ።

vaccine

Source: AAP

1. ዓመታዊ ኣብ ኣውስትራሊያ ብጉንፋዕ ብገምጋም 13,500 ኣብ ሆስፒታል ክኣትዉ'ከለዉ ልዕሊ 3,000 ሰባት ድማ ብሰንኪ ጉንፋዕ ይሞቱ።

Image

2. እቲ ዝወሃብ ክታበት ንኩሎም ኣውስትራሊያዊያ ንጥኑሳት ወሲኽካ ኣብኩሉ እዋናት ጥንሰን ዉሑስ እዩ።

እቲ ክታበት ቅድሚ ምጽዳቑ፡ ብ  Therapeutic Goods Administration ፈተነ ይግበረሉ'ዩ።
Injection
Source: AAP

3. ነቶም በብ እዋኑ ዝቕልቀሉ ሃደስቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይ ጉንፋዕ ክታበት ዓመታዊ ምቅይያር ይግበረሉ።Image

4. ናይ ጉንፋዕ ክታበት ነቶም ኣብል ዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ብነጻ ይወሃብ፡ ንሳቶም ድማ ፡

  • ዕድሚኦም 65 ል ዕሊኡን ዝኾኑ ዓበይቲ;
  • ኣቦርጂንን ቶረስ ስትራይት ኣይላንድን ዝኾኑ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ከመኡውን ካብ 15 ዓመትን ል ዕሊኡን;
  • ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ; ከመኡውን
  • ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕማማት ዘለዎም 

    5. ክታበት ጉንፋዕ 2016 ካብ ወሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ኣብ ሓፈሻዊ ሃኻይምን ኣብ ካል ኦት ኣገልግሎት ክታበት ዝህቡ ይርከብ።Image


Share

Published

Updated

By Beyene Semere
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service