ሃገራዊ ፕሮግራም ክታበት 2016
ኣብ ኣውስትራሊያ፡ እዚ ንኣትዎ ዘለና ወቕቲ ዛሕሊ ዝጅምረሉ ብሙዃኑ፡ ሃገራዊ ክታበት ናይ ጉንፋዕ ኣብዚ ቕሩብ እዋን ክጅመር’ዩ። ብዙሓት ካባና በዚ ፍሉ ወይ ጉንፋዕ ተለኺፍና ክንከውን ንኽእል ኢና። ናይ Australian Influenza Surveillance Report ከምዝሕብሮ: ክታበት ዝወሰዱ ሰባት: ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ብ 4 ሚእታዊ ዓብዩ ኣሎ። ንኹሉ ዕድሚኡ ልዕሊ 6 ወርሒ ዝኾነ ክታበት ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ክፍለጡ ዝግባኦም ነገራት ግና ኣለዉ።
1. ዓመታዊ ኣብ ኣውስትራሊያ ብጉንፋዕ ብገምጋም 13,500 ኣብ ሆስፒታል ክኣትዉ'ከለዉ ልዕሊ 3,000 ሰባት ድማ ብሰንኪ ጉንፋዕ ይሞቱ።
Image
2. እቲ ዝወሃብ ክታበት ንኩሎም ኣውስትራሊያዊያ ንጥኑሳት ወሲኽካ ኣብኩሉ እዋናት ጥንሰን ዉሑስ እዩ።
እቲ ክታበት ቅድሚ ምጽዳቑ፡ ብ Therapeutic Goods Administration ፈተነ ይግበረሉ'ዩ።
Source: AAP
3. ነቶም በብ እዋኑ ዝቕልቀሉ ሃደስቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይ ጉንፋዕ ክታበት ዓመታዊ ምቅይያር ይግበረሉ።Image
4. ናይ ጉንፋዕ ክታበት ነቶም ኣብል ዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ብነጻ ይወሃብ፡ ንሳቶም ድማ ፡
- ዕድሚኦም 65 ል ዕሊኡን ዝኾኑ ዓበይቲ;
- ኣቦርጂንን ቶረስ ስትራይት ኣይላንድን ዝኾኑ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ከመኡውን ካብ 15 ዓመትን ል ዕሊኡን;
- ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ; ከመኡውን
- ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕማማት ዘለዎም
5. ክታበት ጉንፋዕ 2016 ካብ ወሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ኣብ ሓፈሻዊ ሃኻይምን ኣብ ካል ኦት ኣገልግሎት ክታበት ዝህቡ ይርከብ።Image