'ዘስካሕክሕ ዓሌታዊነት' ፦ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ዩክረይን ንዜጋታተን ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኮኒኖም።

መራሕቲ ኅብረት ኣፍሪቃ ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዶብ ንምስጋአ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወርድ ግፍዒ ከም ዘተሓሳሰቦምን ከምዚ ዓይነት ተግባር "ዘካሕክሕ ዓሌታዊ ጽልኢ" ከም ዝኾነ ገሊጾም እዮም ።

African governments condemn unfair treatment of their citizens in Ukraine

A border checkpoint of Poland is crowded with evacuees on 28 February 2022. Source: AAP / Kunihiko Miura/AP

ናይጀርያ ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት መንግስታት ኣፍሪቃን ፡ ኣብ ዶባት ዩክረይን ንኣፍሪቃዊያን ዝግበር ዓሌታውን ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ድሕሪ ምዝርግሑ ፡ ዜጋታተን ካብቲ ኩነታት ከምልጡ ንምሕጋዝ ፡ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ ።

ኣብ ዩክረይን ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ካብቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናብ ፖላንድን ካልኦት ጐረባብትን ክሃድሙ ዝፍትኑ ዘለዉ እዮም ።

መራሕቲ ኅብረት ኣፍሪቃ ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዩክረይን ጸገም ዘጋጠሞም ኣፍሪቃውያን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒን ከም ዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር "ዓሌታዊ ጽልኢ" ከም ዝዀነ ገለጹ ።

ናይዝ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሰኔጋላዊ ፕረዚደንት ማኪ ሳል ከምኡ "ውን ሓላፊ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ሙሳ ፋቂ ማሃማት ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ" ብፍላይ እቶም ብወገን ዩክረይን ዝርከቡ ዜጋታት ኣፍሪቃ ነቲ ዶብ ናይ ምስጋር መሰል ይንፈጎም ኣሎ ዝብል ወረ ዘየቕስኖም ምዃኑ ገሊጾም ።


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ጎፍሪ ኦንየማ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኾኑ ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ክወጹ ምዃኖም ሓቢሩ ።

ኣቐድም ኣቢሉ ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝዀነ ጋርባ ሸሁ ፡ ሰብ መዚ ዶብ ዩክረይን ፡ ናብ ዶብ ክሰግሩ ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ከይስቀሉ ይኽልከሉ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ምስመጸ ፡ ንዜጋታት ናይጀርያ ከምካልኦት ብማዕረ ኺሕዝዎም ተማሕጺኑ ነይሩ እዩ ።

'ኣብ ወጻኢ'
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክለይሰን ሞኒላ ብወገኑ ፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዝዀኑ ደቂ ሃገሩ ኣብ ዶብ ዩክረይንን ፖላንድን ተኸርዲኖም ከምዘለዉ ብትዊተር ጽሒፉ ኔሩ።

እቲ ኣብ ፖላንድ ዘሎ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ከሕልፎም ይጽዕር ከም ዘሎ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ ። ብሰንበት ሚስተር ሞኒላ ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዶብ ፖላንድ-ዩክረይን 'ግፍዒ ይወርዶም "ከም ዘሎ ሓበረ ።

ኣምባሳደር ፖላንድ ኣብ ናይጀርያ ጆኣና ታርናውስካ ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ክሲ ነጺጋቶ ።

ነቲ ዶባት ዝሰገሩ ገለ ናይጀርያውያን ፡ ሰበ-ስልጣን ንዩክሬናውያን ኣንስትን ቈልዑን ቀዳምነት ክህቡ ኢሎም ክጽበዩ ከም እተገብረ ተገሊጹ ኣሎ ።

ው.ሕ.ሃ. ከም ዝሓበሮ ፡ ካብ ዩክረይን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ፡ ዛጊት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ኣለዉ ።

ኣብ ቡካረስት ዝርከብ ኤምባሲ ናይጀርያ ፡ ካብ ዩክረይን 130 ናይጀርያውያን ከም እተቐበለ ፡ ዝበዝሑ ድማ ኣብ ዋርሶው ወይ ቡዳፔስት ከም ዝበጽሑ ገሊጹ ።


'ቀዳምነት ንዩክሬናውያን'
መንግስቲ ጋና ብሰሉስ ኣብ ዩክረይን ምስ ዘለዉ ወለዲ ተማሃሮ ከም ዝራኸብ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ሰበ-ስልጣን ኢምባሲ "ታ ሃገር ንክሕግዙ ናብ ዶባዊ ዶባት ልኢኾም ።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኮንጎ ክሪስቶፍ ሉቱንዱላ ኣብ ትዊተር ምስ ኣምባሳደር ፖላንድ ተራኺቡ ኣብቲ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ዝርከቡሉ ከባቢ 200 ዝኹኑ ኮንጎሊዛዊያን ከም ዝተሓጋገዘ ገሊጹ ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዩክረይን 500 ዜግነት ዘለዎም ኣይቮሪኮስት ፡ ካብታ ሃገር ንኽግዕዙ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ገሊጻ ።

ኣብ ው.ሕ.ሃ. ኣምባሳደር ኬንያ ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝነበራ 'ምፍራስ "ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ግዝኣታዊ ታሪኽ ከም ዘቃልዖ ይገልጽ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከባቢ 200 ኬንያውያን ካብ ሓደጋ ናጻ ምዃኖምን ተሓተትቲ ከም ዝዀኑን እኳ እንተ ገለጸ ፡ ገሊኣቶም ብሰንኪ ናይ ቪዛ ቀይድታት ኣብ ዶብ ፖላንድ ተዓጊቶም ከም ዝነበሩን ገሊጹ እዩ ።

ናይጀሪያዊ ናይ ሕሳብ ሰራሕተኛ ሉክሞን ቡሳሪ ወዱ ንራብዓይ ዓመት ናይ ሕክምና ተማሃራይ ኣብ ዶብ ፖላንድ ሓንቲ መዓልቲ ድሕሪ ምጽባይ ድሮ ወጺኡ ከም ዘሎ ገሊጹ ።

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
'ዘስካሕክሕ ዓሌታዊነት' ፦ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ዩክረይን ንዜጋታተን ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኮኒኖም። | SBS Tigrinya