ኣብዚ ዓለም ብለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ትናወጸሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ሕማም ብዝፈጥሮ ነገር ብዙሓት ሰባት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም። ከምዝፍለጥ ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብና ኣብ ስራሓት ምዝዋር ታክሲ ተዋፊሮም ከምዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕማም ኣብ ስርሖምን መነባብሮኦምን ድሮ ጽልዋ የምጽእ ከምዘሎ ተረዲኦም ይሻቐልሉ ኣለዉ።
9999999
ነባሪ መልበርን ዝኾነ መሪነ ዘወልዲ ኢሳቕ፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ታክሲ ዝተዋፈረ እዩ። ብፍላይ ንሱን ካልኦትን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ እናተጸበዩ ሰባት ዘመላልሱ ምስምዃኖም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዙሃት በጻሕቲን ተመላለስቲን ሰባት ስለዘየለዉ ስርሖም ብከቢድ ከምዝተጸልወ ኣብ ጉዳይ ጥዕናውን ቀጥታ ተተንከፍቲ ምዃኖም ይዛረብ፥
“ብዙሓት ካባና ስራሕና ኣብ ኤርፖርት እዩ ፡ ቀጥታ ኳራንቲን ምስሓለፉ ፈለማ ዝረኽቡና ነዓና ብምዃኑ እቲ ስግኣት ኣሎ፡ ቀዳማይ ናብ ገዛኻ ሒዝካዮ ኢኻ ክትከይድ፡ ከምኡኸኣ ንኸባቢካ ክትልብዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ቁጠባ እንተኾይኑ፡ እተን ነፈርቲ እኹል ሰብ ሒዘን እንተዘይመጺአ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰዓታት ክትጽበ ግዜ ትሕልፍ፡ ኣብቲ ናይ ኔት ወርክ ትረኽቦ ድማ ኩላትካ ስለትሻሞ ፥ ብዙሕ ትረኽቦ የለን። እወ ብዙሕ ዘፍርሕ ነገር ከምዘሎ ንፈልጥ ንጥንቀቕከኣ።”
ካብ ሰዓት ክሳብ ሰዓትን ፈረቓን ኣብቲ ናይ ኤርፖርት ምጽባይ ይኹን ናይ ትራይን ስተሽን ይኹን ክወስድ ዝግብኦ ብዙሕ ግዜ ይመጥጥ ኣሎ፡ ስለምንታይ እታ ነፋሪት እኹል ሰብ ሒዛ እንተዘይመጺኣ እተን ኣብቲ ቦታ ዝጸንሃ ክማቐላኦ እየን ማለትዩ። በዚ መገዲ፡ ሓደ ብእዋኑ ናብ ገዛኻ ኣይትኣቱን፡ እቲ ሒዝካዮ ትኣቱ ዝነበርካ ገንዘብ ድማ ኣይክህሉንዩ ማለትዩ።”
ሕማም ቫይረስ ብዘኸተሎ ዘይርጉጽ መጻኢን ምጉዳል ኣታዊን ተኸቲሉ እቶም ተወሳኺ እቶት ንምርካብ ከምተወሳኺ ስራሕ ሒዞሞ ዝጸንሑ ዘወርቲ ኡበርውን ጸልይዎም ኣሎ። ኣብ ከተማ ሲድኒ ናይ ኡበር ዘዋሪ ዝኾነ ሙሴ፡ ኣታዊታት ብምጉዳሉ ዝሰርሖ ዝነበረ መዓልታትን ሰዓታትንውን ከምዘጉደሎ ይገልጽ
“ብፓርት ታይም እየ ኡበር ዝዝውር፡ ብሰንኪ ፍርሒ እቲ ዝሰርሖ ኣጉዲለዮ
እቲ ሴፍቲ ምስብዙሕ ኢካ ትራኸብ፡ ስለዚ ዉሑስ ስራሕ ኣይኮነን በዚ ኣጉዲለዮ፡ እቲ ስራሕውን ብነብሱ ከምቀደሙ ኣይኮነን ይጎድልዩ ዘሎ፡ ስለዚ ንዝተወሰነ ግዜ ባላንስ ምግባር”
ንሙሉእብርሃን ካብ ከተማ ብርስቤን እዚ ኩነታት ምዝዋር ኡበር ክሳብ ፈጺሙ ክገድፎ እዩ ኣወሲንዎ፥ ንሕማም ቫይረስ ድማ ምስ ግብረ ሽበራ እዩ ዘመሳስሎ፥
“ናይ ኡበር ኣታዊ ጽቡቕዩ፥ እዚ ሕማም ንባዕሉ ግብረሽ በራ እዩ፥ ብድሕሬኻ ሓደ ሰብ እንጥሾው እንተሉሲ እቲ ቫይረስ ከምዝለገበካስ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ዋላ እቲ ልሙድ ሰዓል ሒዝዎ እንጥሾው እንተ ኢሉስ ኣይትፈልጦን ኢኻ ክትፈርሕ ኢኻ፡ ናብ ስድራኻ ድማ ከምኡ ኢልካ ክትምለስ ኣጸጋሚዩ።
ቀዳማይ ኣታዊካ እንተዘይኮይኑ ካብ እናፈራሕካ ክትሰርሕ ክትገድፎ እዩ ዝምረጽ። ኣማራጺ ስለዘሎስ ንግዜኡ ሪስክ ዘውስድሲ የብልካን።
ኣታዊታትካ ክጎድል ናይግድንዩ ክሳብ ዝረጋጋእ ደው ኣቢለዮ ኣለኹ።”
ኣብ ከተማ ሲድኒ ን 17 ዓመታት ኣብ ስራሕ ታክሲ ዝተዋፈረ ዳዊት፥ ስራሕ ታክሲ ጽቡቕ ስራሕ ምንባሩ ብምዝካር ፈለማ ምስ ምትእትታው ኡበር እቲ ስራሕ ከምዝተጸልወ ይገልጽ።
“እቲ ቐንዲ ኣብቲ ኣታዊ ዘይኮነ እቲ ጽልዋ ኣብ ጊዜ እዩ ፡ ናብ ገዛኻ ኣብ ሓጺር ግዜ ትኣቱ ኔርካ፡ ሕጂ ግን ኡበር ምስመጸ ገንዘብ ክትረክብ ኢልካ ነዊሕ እዋን ትዝውር፡ ራይድ ሼሪንግ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምስ ኦም ውድድር እዩ ብሓጺሩ፥”
ኮሮና ቫይረስ ግና ካብ ምትእትታው ኡበር ብዝገደደ ንስርሖም ከምዝጸለዎ ዳዊት ይዛረብ፥
“ኮሮና ቫይረስ ዝጸለወሉ ምኽንያት፡ ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ደሓንዩ ናይ ኦፊስ ስራሕ ስለዝኾነ ደሓንዩ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከም ናይትክለብ ስታዲዮም መዘናግዒ ቦታታት ሰባት ኣየዘውትርዎን ዘለዉ፡ እዚ መዘናግዒ ቦታታት ሶሺያል ኣክቲቪቲ ሰባት ዘየዝውትርዎ ኮይኖም ኣታዊኻ ኣዚዩ ለጠቕ እዩ ዝብል።”
ልዕሊ ኣታዊ ምርካብ ምሕሳብ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጥዕና ምዃኑ ኩሎም ዘወርቲ ታክሲን ኡበርን ይሰማምዑ። ኣማን መሓመድ ብርሃን ካብ ከተማ ፐርዝ ስራሕ ታክሲ ምስብዙሓት ዘራኽብ ስራሕ ብምዃኑ እቲ ሓደጋውን ዓቢ ምዃኑ የስምረሉ፥
“እቲ ቐዳምነት ናይ ጥዕና ጉዳይ እዩ፡ እቲ ቫይረስ ድማ ን 2 ሰሙን ተለኺፍካ ምልክት ስለዘይህብ ዋላ ተለኺፍካ ከለኻ ንስድራኻውን ሓደጋ ክትኮኖም ስለትክእል ርዱእ’ዩ። ዝያዳ ንሕና ምስዝኾነ ስለንራኸብ ዝያዳ ናይ መልከፍቲ ዕድል ክህሉ ይኽእል እዩ። ከም ታክሲ ዝኾነ ሰባ ናብዝኾነ ቦታ ክወስደካ ይኽእል እዩ። ኣቑሑ ክትተናኽፍ ትክእል፡ ስለዚ፡ ዓቢ ዕድል ዝህልዎ ምስምዃኑ እቲ ቀንዲ ናይ ጥዕናና ጉዳይ እዩ”
ነዚ ጉዳይ ጥዕናኦም በቲ ዝወሃብ ዘሎ መምርሒታትን ጥንቃቐ ይገብሩ ከምዘለዉ እቶም ዘወርቲ ታክሲ ይገልጹ፥ ኣማን መሓመድ ብርሃን ካብ ለተማ ፐርዝ ወትሩ ናይ ጽርየትን መከላኸሊ ነገራት ካብ መኪናኡ ከምዘይፈሊ የረጋግጽ
“እቲ ክግበር ዘለዎ እቲ ቀንዲ ናይ ማስክን መከላኸሊ ዲቶል ኣብ መኪናኻ ክህሉ ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ክልቲኡ ዲቶል ሃደ ስፕራይ ኣሎ፡ ኢድካ ኩሉ ግዜ ምስ ጸዓንካ ይኹን ምስ ኣውረድካ። በቲ ቫይረስ ከይትልከፍ ክትድረዝ ኣለካ ኩሉ ግዜ መከላኸሊ ክህሉ ኣለዎ።
ኣነ ኩሉ ኣብ ማኪናይ ኣለኒ፡ እንተኾነ ክሳብ ክንድኡ ክትገብር ነቶም ዓማዊል ስለዝፍርሖም ክሳብ ክንድኡ ኣይትገብርን ኢኻ።”
ይኹን እምበር መሸፈኒ ምግባር ንዓማዊል ዘየድሊ ናይ ፍርሒ መልእኽቲ ከይሰድድውን ከምዝሰግኦም እቶም ዘወርቲ ታክሲን ኡበርን ይገልጹ።
እቲ ካልእ ንቡዙሓት ሰብ ታክሲ ዘሻቕሎም ጉዳይ ዓመታዊ ዕረፍቲን ናይ ሕማም ዕረፍቲን ስለዘይብሎም ምስምቁራጽ ስራሕ ኣታዊታቶም ብኡ ንብኡ ደው ስለዝብል እዩ። መሪነ ዘወልዲ ብዛዕባዚ መዓልታዊ መዛረቢ ብጾቱ ምሏኑ እዩ ዝገልጽ
“እዚኣ ብቐጻሊ ተሻቕለና ዘላን ምስካልኦት ዘወርቲ ንዝትየላን ዘላ ጉዳይ እያ። ቀደም ብብዙሕ ነገር እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ነገር ይረአ ኔሩ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ባርዕ ክህሉከሎ ብዙሓት ቱሪስትስ ክመጹ ዝግቦኦም ክመጹ ኣይከኣሉን እዚ ስራሕ ክዝሕል እጃም ኔርዎ እዩ። እቲ ግን ጠጠው ኢሉ ኣምላኽ ይመስገን። እዚ ግን መዓስዩ ጠጠው ክብል፥ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ክከናከንዎ ዝኽእሉ ብቫክሲን ድዩ፥ ከምኡ ዝኣመሰለ መኣስ ከምዝኸውን ዝሕብሩኻ ነገር ስለዘየለ፡ ክትውስኖ ትኽእል ነገር የለን፡”
መሪነ ወሲኹ ከምዝገለጾ “ እቲ ዝኽእል ስራሕ እንተረኺቡ ኣብካል እ እንተዝኸይድ ኣነ ብወገነይ ከም ኡ ክገብር እቲ ዘይክእል ከኣ ተወጢሩ በቃ ምርጫ ስለዘየለ ምጽናሕያ። እቲ መንግስቲ ኣፉ መሊኡ ደሓንዩ ክሳብ ዘይበለካ ግዜ ክሳብ ዘይረኸብካስ ክትገብሮ ትኽእል ነገር ስለዘየለ፡ ግን ከኣ ኣብ ፍርሓትን ስግ ኣትን ከኣ ኣለና።”
ኣማን መሓመድ ብርሃን ግና ብሃፈሻ ብምልኡ ቁጠባ ስለዝትምከፍ ካልእ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልውን ጸቢብ ምዃኑ የብርህ፥
“ኣብ መጻኢ ዘሰክፍ ነገር ሓደ በቲ ጥዕናዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ዓለማዊ ደረጃ ቁተባዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ጸቕጢ ክፈጥር እዩ። ብክልቲኡ ሕማቕ ሳዕቤን ከምጽእ እዩ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተቐጺሉ እቲ ስራሕ ብመሰረቱ ክቕጽል ስለዘይክእል ተጸባዪ ናይ ምዃን ወይውን ካልእ ስራሕ ናይ ምድላይ እዩ። ግና እቲ ካልእ ስራሕከ ክርከብ ድዩ? በዚ ንርእዮ ዘለና ኣዚዩ ኣሰካፊ እናኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።”
ዳዊት ካብ ሲድኒ፡ እቲ ጸገም ምስህዝብኻ ስለዝኾነን መንግስቲ ድማ ገለ ነገር ክገብር ይኽእልዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ፥
“እቲ ቐንዲ ዘተሓሳስብ ብኹሉ እንተተዓጽዩ እዩ፡ ኣብ ኣታዊና ብዙሕ ተጽዕኖ ክገብር እዩ ብዙሕ ቢላት ኣሎ ናይ ቆልዑ ቀለብ ኣሎ ሞርገጅ ኣሎ እዚዩ እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ። ክንር እዮ ኢና ፡ ምስ ህዝቢኻ መዓት ዳርጋ ገዓት ይብሉ ወለዲ፡ ናይ ሓፈሻዊ ነገር ስለዝኾነ ምንግስቲኸኣ ናይ ሓፈጻዊ ምዃኑ ርእዩ ጠመተ ክገብረሉ ይኽእል ኢለ እየ ዝግምት።”