SKIP TO MAIN CONTENT

"እቲ ናይ ኔቶ ሕብረት ፈሪሑ' ዩ"'፡ ናይ ዩክረይን ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዝቐንዐ ዒላማ ይዛረብ ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ንነቶ ነቒፉ ፡ ሃገሩ ምስቲ ምትእኽኻብ ወተሃደራዊ ኪዳን ንኽትጽንበር ጸቕጢ ከም ዘይገብር ገሊጹ። እዚ እቲ ቀንዲ ናይ ሩስያ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ። ዛጊት ካብዝተራእየ መርገጺኡ ዝለወጠ እዩ።

Ukrain-Russia conflict
Ukrainian President Volodymyr Zelenskyy. Source: EPA, AAP / Ukrainian Presidential Press Service

3 min read

Published

Updated


Skip to article content

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሃገሩ ክትሓቶ ዝጸንሐት ኣባልነት ኔቶ፡ ድሕር ሕጂ ዩክረይን ከምዘይትደፍኣሉ ገሊጹ። እዚ ጕዳይ እዚ ፡ ሓደ ካብቲ ሩስያ ምስ ምዕራባውያን ጐረቤታን ዘሰሓሕብ ምኽንያታት እዩ ነይሩ ።

ኣብ ካልእ ንሩስያ ዝዓለመ ኣብዘስምዖ መደረ፡ ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ነቲ ብ24 ለካቲት ዘጋጠመ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ናጻ ሃገር ገይሩ ዝርእዮ ግዝ ኣታት' ዝምልከት ምስ ሩስያ ፡ "ንምድርዳር" ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚስተር ዘለንስኪ ብሰኑይ ምሸት ብ ኤቢሲ ኒውስ ኣመሪካ ብቐጥታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ፡ "ኔቶ ንዩክረይን ንምቕባል ድሉው ከም ዘይኰነ ምስ ተረዳእና ፡ ብዛዕባ እዛ ሕቶ ድሮ ኣዘሓሒለዮ ኢየ።" በለ ።

"እቲ ኪዳን ንኣከራኻሪ ነገራት ዝምልከት ፈሪሑ እዩ ፡ ምስ ሩስያ ድማ ከይገራጮ ፈሪሑ እዩ ።"

ሚስተር ዘለንስኪ ንኣባልነት ኔቶ ብዝምልከት ፡ "ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ብብርካ እትልምን ሃገር" ክኸውን ከም ዘይደሊ ብኣስተርጓሚ ኣቢሉ ገሊጹ ።

እቲ መግለጺ ፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያ ኣብ ዝነበረ ርክብ ቀንዲ ነጥቢ ኰይኑ ዝነበረ መትከል ከም እተቐየረ ዝሕብር እዩ ፣ ብሓደ ወገን ንራሻ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ፡ ኔቶን ዩክረይንን ዘቐመጠ መሰሓሓቢ ነጥቢ እዩ ነይሩ ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ዋላ እኳ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ማዕቀብ እንተ ጸንሖ ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እቲ ግጭት ፡ ሩስያ ካብ ኣርባዕተ ከተማታት ዩክረይን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ኮሪደራት ክትከፍት ተሰማሚዓ እያ ።

ብዝሒ ናይቶም ንዶባት ዩክረይን ሰጊሮምዘዕለቕለቑ ስደተኛታት ክልተ ሚልዮን ከምዝሓለፈን እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ቅልጡፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ይረአ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ።

ኣውቶቡሳት ካብ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ከተማ ሱሚ ተበጊሰን ካብቲ ከባቢ ክወጻ ወሓዙ፡ ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ከለዉ ፡ኣብ ሓደ ለይቲ 21 ሰባት ብነፈርቲ ተቐቲሎም ።

ካብቲ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ኢርፒን ብደብዳብ ነፈርቲ እተጐብአ ቦታ ፡ ብእግሮም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ፡ምሉእ ብምሉእ ከምልጡ ጀመሩ ።

ይኹን እምበር ፡ ዩክረይን ንሩስያ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ማሪዮፖል ዝርከብ ኮሪደር ኣጥቂዓ ከም ዘላ ኸሰሰታ ፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከኣ ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ "ዘይግቡእ" ኵነታት ከም ዝነብሩ ገለጹ ።

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ዩክረይን ንሞስኮ ብሰንኪ እቲ ወራር ንምቕጻዕ ፡ ነዳዲ ሩስያ ምእታው ስለ ዝኣገደ ፡ ሚስተር ፑቲን "ዓወት ከቶ ኣይዕወትን እዩ" ኢሉ ነይሩ ።

ሩስያ ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ እተገብረ እገዳ "ናይ ጥፍኣት ሳዕቤን" ከም ዘምጽእ ኣጠንቂቓ እያ ።

እንተኾነ ኣመሪካ ነቲ ናይ ጸዓት እገዳ ድፍኢት ትመርሓሉ ኣብዘላ - ኣመሪካ ካብ ተእትዎ ብዝሒ ነዳዲ 10 ሚኢታዊት ጥራይ ካብ ናይ ራሻ ዝሽፍን ብምዃኑ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዎ ኣመሪካ ጽልዋኡ ቀሊል እዩ ።

ሚስተር ባይደን ፡ እቲ እገዳ ምስ መሻርኽቱ ፡ ምናዳ ከኣ ምስቶምካብ ዘእትውዎ ነዳዲ 40 ሚእታዊት ኣብ ናይ ሩስያ ፍርያት ዝምርኰሱ ኤውሮጳውያን ፡ ፡ "ብቐረባ ከምዝተመኻኸረ" ገሊጹ ኣሎ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now