ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሃገሩ ክትሓቶ ዝጸንሐት ኣባልነት ኔቶ፡ ድሕር ሕጂ ዩክረይን ከምዘይትደፍኣሉ ገሊጹ። እዚ ጕዳይ እዚ ፡ ሓደ ካብቲ ሩስያ ምስ ምዕራባውያን ጐረቤታን ዘሰሓሕብ ምኽንያታት እዩ ነይሩ ።
ኣብ ካልእ ንሩስያ ዝዓለመ ኣብዘስምዖ መደረ፡ ሚስተር ዘለንስኪ ፡ ነቲ ብ24 ለካቲት ዘጋጠመ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ናጻ ሃገር ገይሩ ዝርእዮ ግዝ ኣታት' ዝምልከት ምስ ሩስያ ፡ "ንምድርዳር" ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ ።
ሚስተር ዘለንስኪ ብሰኑይ ምሸት ብ ኤቢሲ ኒውስ ኣመሪካ ብቐጥታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ፡ "ኔቶ ንዩክረይን ንምቕባል ድሉው ከም ዘይኰነ ምስ ተረዳእና ፡ ብዛዕባ እዛ ሕቶ ድሮ ኣዘሓሒለዮ ኢየ።" በለ ።
"እቲ ኪዳን ንኣከራኻሪ ነገራት ዝምልከት ፈሪሑ እዩ ፡ ምስ ሩስያ ድማ ከይገራጮ ፈሪሑ እዩ ።"
ሚስተር ዘለንስኪ ንኣባልነት ኔቶ ብዝምልከት ፡ "ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ብብርካ እትልምን ሃገር" ክኸውን ከም ዘይደሊ ብኣስተርጓሚ ኣቢሉ ገሊጹ ።
እቲ መግለጺ ፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያ ኣብ ዝነበረ ርክብ ቀንዲ ነጥቢ ኰይኑ ዝነበረ መትከል ከም እተቐየረ ዝሕብር እዩ ፣ ብሓደ ወገን ንራሻ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ፡ ኔቶን ዩክረይንን ዘቐመጠ መሰሓሓቢ ነጥቢ እዩ ነይሩ ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ዋላ እኳ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ማዕቀብ እንተ ጸንሖ ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እቲ ግጭት ፡ ሩስያ ካብ ኣርባዕተ ከተማታት ዩክረይን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ኮሪደራት ክትከፍት ተሰማሚዓ እያ ።
ብዝሒ ናይቶም ንዶባት ዩክረይን ሰጊሮምዘዕለቕለቑ ስደተኛታት ክልተ ሚልዮን ከምዝሓለፈን እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ቅልጡፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ይረአ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ።
ኣውቶቡሳት ካብ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ከተማ ሱሚ ተበጊሰን ካብቲ ከባቢ ክወጻ ወሓዙ፡ ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ከለዉ ፡ኣብ ሓደ ለይቲ 21 ሰባት ብነፈርቲ ተቐቲሎም ።
ካብቲ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ኢርፒን ብደብዳብ ነፈርቲ እተጐብአ ቦታ ፡ ብእግሮም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ፡ምሉእ ብምሉእ ከምልጡ ጀመሩ ።
ይኹን እምበር ፡ ዩክረይን ንሩስያ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ማሪዮፖል ዝርከብ ኮሪደር ኣጥቂዓ ከም ዘላ ኸሰሰታ ፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከኣ ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ "ዘይግቡእ" ኵነታት ከም ዝነብሩ ገለጹ ።
ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ዩክረይን ንሞስኮ ብሰንኪ እቲ ወራር ንምቕጻዕ ፡ ነዳዲ ሩስያ ምእታው ስለ ዝኣገደ ፡ ሚስተር ፑቲን "ዓወት ከቶ ኣይዕወትን እዩ" ኢሉ ነይሩ ።
ሩስያ ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ እተገብረ እገዳ "ናይ ጥፍኣት ሳዕቤን" ከም ዘምጽእ ኣጠንቂቓ እያ ።
እንተኾነ ኣመሪካ ነቲ ናይ ጸዓት እገዳ ድፍኢት ትመርሓሉ ኣብዘላ - ኣመሪካ ካብ ተእትዎ ብዝሒ ነዳዲ 10 ሚኢታዊት ጥራይ ካብ ናይ ራሻ ዝሽፍን ብምዃኑ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዎ ኣመሪካ ጽልዋኡ ቀሊል እዩ ።
ሚስተር ባይደን ፡ እቲ እገዳ ምስ መሻርኽቱ ፡ ምናዳ ከኣ ምስቶምካብ ዘእትውዎ ነዳዲ 40 ሚእታዊት ኣብ ናይ ሩስያ ፍርያት ዝምርኰሱ ኤውሮጳውያን ፡ ፡ "ብቐረባ ከምዝተመኻኸረ" ገሊጹ ኣሎ ።