Rural landscape, Western Australia, Australia
Rural landscape, Western Australia, Australia

ሃገራዊ መዝሙርን ቃል ማሕላ ዜግነትን ብቛንቋኹም፡

ሃገራዊ መዝሙርን ቃል ማሕላ ዜግነትን ናብ ብዙሕ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝዝረቡ ቋንቋታት ተርግኡኢምናዮም ኣለና።

Published

Updated

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS
SBS ን ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ኣይላንደራውያንን ልምዳውያን ወነንቲ ሃገርን ቀጻሊ ዝምድናኦም ምስ መሬት፡ ማያትን ማሕበረሰብን ምዃኖም ኣፍልጦ ይህብ።


ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራሊያ Advance Australia Fair’s ነቲ ግጥሚ ፈለማ ኣብ1878 ብ ኣውስትራሊያዊ ምሁርን ጸሓፊ መዝሙርን ፒተር ዶድስ ማክኮርሚክ እዩ ተጻሒፉ። እቲ መዝሙር ከም ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራሊያ ኣብ 19 ሚያዝያ 1984 እዩ ተረጋጊጹ።
ኣብ 2021 እቲ ኣብ ካልኣይ መስመር ዘሎ ቃላት ናይቲ መዝሙር ካብ ‘ሓዳስን ነጻን’ ናብ ‘ሓንትን ናጻን ’ ብምዕራይ ንብዙሕነት ከንጸባርቕ ተገይሩ።
እቲ መዝሙር ኣብ ወግዓዊ በዓላት፡ ስፖርታዊ ውድድራትን ኣብ ካልእ ናይ ማሕበረሰብ ፍጻመታትን ይዝመር።

ግጥሚ ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራሊያ

ኣውስትራሊያውያን ሓቢርና ንተሓጎስ፡
ኩላትና ሓንትን ነጻን ስለ ዝኾና፡
ንጥቀመሉ ወርቃዊ ሓመድን ሃብትን ኣለና፡
ዓድና ብባሕሪ ዝተኸበበ፡
መሬትና ብባህርያዊ ሃብቲ ዝዘቕበበ፡
ጽባቐን ሃብትን ከም ናትና የለን።
ኣብ ገጻት ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ገጽ፡
ፍትሓዊት ኣውስትራሊያ ክትግስግስ።
ኣብ ሓጎስ ኣጥለቕሊቕና ንዘምር፡
ፍትሓዊት ኣውስትራሊያ ክትግስግስ።
ትሕቲ’ቲ ዘንጸባርቕ ደቡባዊ መስቀል
ብልብናን ብኣእዳውናን ክንጽዕር ኢና፡
ሓባራዊ ሃብቲ ናትና ክኸውን።
እዛ ፍልጥቲ ን መላእ ዓለም፡
እቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዝኣትዉ፡
ንካፈሎ ኣሎና ገፊሕ ጎልጎል።
ብትብዓት ኩላትና ብምሕባር፡
ፍትሓዊት ኣውስትራሊያ ክትግስግስ።
ኣብ ሓጎስ ኣጥለቕሊቕና ንዘምር፡
ፍትሓዊት ኣውስትራሊያ ክትግስግስ።
Australians Celebrate Australia Day As Debate Continues Over Changing The Date
- Credit: Don Arnold/Getty Images

ቃል ማሕላ ኣውስትራሊያዊ ዜግነት

ናይ ኣውስትራሊያ ዜግነት ብ1949 ካብ ዝተኣታቶ ጀሚሩ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ሰባት ወግዓዊ ኣውስትራሊያዊያን ዜጋታት ኮይኖም ኣለው ።
ናይ ዜግነት ጽምብላት ኣብ 17 መስከረም ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ሓዊስካ ብናይ ከባቢ ባይቶታት ኣብዝዳለዉ መዓልታት ይወሃብ ።
ከም ኣካል እቲ ጽምብል ፡ ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራልያ ይጻወት ፡ ሰባት ከኣ ኣውስትራልያዊ ዜግነት ከም ዝቐበሉ ንዚሕተቱሉ መብጽዓ ይኣትዉ ።
ክልተ ዓይነት መብጽዓኣሎ ፣ ሓደ ካብዚ ድማ ንስም ኣምላኽ እዩ ዝጠቅስ ።

መብጽዓ 1 

ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ካብዚ ግዜ እዚ ኣትሒዘ,
ን ኣውስትራሊያን ህዝባን መብጽዓ እኣቱ,
ንደሞክራሲያዊ እምነታ እቕበል,
ንመሰላትን ሓርነታን አኽብር ከምኡውን
ንሕግታት እቕበልን እእዘዝን።

Pledge version 2 

ካብዚ ግዜ እዚ ኣትሒዘ,
ን ኣውስትራሊያን ህዝባን መብጽዓ እኣቱ,

ንደሞክራሲያዊ እምነታ እቕበል,

ንመሰላትን ሓርነታን አኽብር ከምኡውን

ንሕግታት እቕበልን እእዘዝን።

ብቛንቋኹም ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራሊያን መብጽዓ ዜግነትን ስምዑን ኣንብቡን።


Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service