Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ስምምዕ ሰላም ሕ/ሃ/ኣመሪካ፡- ረብሓ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ዓቢ ጸገም ንበንያሚን ናታንያሁ

ትራምፕ ፡ ነዚ ስምምዕ 'ዓወት "ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። ናታንያሁ ድማ ኣብ ቀጻሊ ጸቕጢ ኣትዩ ይርከብ ። ክኢላታት ከምዝብልዎ ፡ ንኣመሪካ ናብ ድሕሪት ዝመልስ ዉዕል'ዩ ክብሉ ይገልጽዎ ።

Two men in suits - one with his hand on the other's back - against the US, Israel and Iranian flags.
The new US-Iran peace deal will see the ceasefire extended by 60 days and the Strait of Hormuz reopened. But is it a win for the United States and Israel? Source: AAP, SBS / Alex Brandon

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 80 ዓመት ልደቱ ዓወት እዩ ኣዊጁ: ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል እተገብረ ስምምዕ ድሕሪ ምግላጸን: ነዳዲ ብመገዲ ሆርሙዝ ኣቢሉ ኽውሕዝ ጻውዒት ኣቕሪቡ ።

እቲ ስምምዕ ነቲ ን60 መዓልቲ ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ዘናውሕ እዩ ፣ መጻብቦ ሆርሙዝ ድማ ዓርቢ ክኽፈት ትጽቢት ይግበር ።

እንተዀነ ግን: ትራምፕ ነቲ ጕዳይ ከም ዓወት ገይሩ ይርእዮ እኳ እንተሎ: እቲ ስምምዕ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ውሳነ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ኣማራጺታት እዩ ዝያዳ ክኸውን ዝኽእል ፣ ኸመይሲ: እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ተጸጊዑ: እስራኤል ከኣ ኣብቲ ስምምዕ "ዝዓበየ ክሳራ" ሒዛ ትወጽእ ዘላ ።

ናይ ትራምፕ ጸቢብ 'ዕወት'

እዚ ስምምዕ ንትራምፕ ፡ ኣብ ናይ ማእከል ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣመሪካን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህቡብነቱ እናጠፍአ ዝኸደሉ ዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ ።

ዋጋታት ጸዓትን ነዳድን ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ - ኣዝዩ ከቢሩ እዩ ።

ትራምፕ እቲ ሓምሻይ ኣፍ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፎ መጻብቦ ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኽፈት" ቃል ኣትዩ ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሕዳር ናይ መፋርቕ ምርጫ ከም ዓወት ተቖጺሩ ክጉስጉሰሎ ክጠቕሞ ዝኽእል ዓወት እዩ ።

ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ናይ ሮይተርስ / ኢፕሶስ ፖል ናይ ትራምፕ ተቐባልነት ኣብ 36 ሚኢታዊት ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣብ ጥሪ 2025 ንኻልኣይ ግዜ ናይ ስራሕ ስልጣኑ ክጅምር ከሎ ካብ ዝነበረ 47 ሚኢታዊት ንታሕቲ እዩ ።

'እቲ ዝዓበየ ጌጋ'

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከል መጽናዕቲ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝዓዪ ዴቪድ ስሚዝ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ "ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ምምሕያሽ" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ: ከም ዓወት ጌሩ ግና ኣይሓስቦን ።

ስሚዝ ን SBS News "ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ ዝነበሮም ንላዕሊ ኣይትረክብን እያ ። "እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ህሉው ኵነታት ኣመሪካ ምምሕያሽ ክኸውን እዩ ፣ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ፡ ኣመሪካ ካብቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበራ ዝገደደ እያ ትረክብ ዘላ ።" ኢሉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኢራን ስግኣት ኣብ ዝስምዓ እዋን ነቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትዓጽዎ ከም እትኽእል ኣርእያ እያ ፡ ማለት ቅድሚ እቲ ግጭት ዘይነበረት ካርድ ክትጥቀም ከምትኽእል ኣመስኪራ፡ ስሚዝ እዚ"ንዘለኣለም" ከም እትጥቀመሉ ይገልጽ ።

ዋላ 'ውን ነዳዲ ዳግማይ ክውሕዝ እንተጀመረ ፡ እቲ ቊጠባዊ ሕውየት ኣዋርሕ ከምዝወስድ ስሚዝ ይገልጽ ። እቲ ናይ መፋርቕ ምርጫ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ስለ ዘሎ ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ምሕዋይ መስርሕ ኣብ ግዜኡ ንሪፓብሊካውያን ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ህዝባዊ ርእይቶ ፡ እዚ ውግእ ምኽፋቱ ዓቢ ጌጋ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ሒዙ ኣሎ" ኢሉ ስሚዝ ። "ቊጠባዊ ሳዕቤናት እዚ ውግእ እዚ ፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል እዛ ዓመት እዚኣ ዝጸሉ ኮይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ዝግበር ምርጫ ድማ ንሪፓብሊካውያን ዝጐድእ ከምዝኾነ እየ ዝርዳእ ።"

ኣብ ርእሲ እዚ ፡ ትራምፕን ናታንያሁን ነዚ ውግእ ክኸፍቱ ከለዉ ከም መመኽነይታ ዝተጠቕምሉ ፣ ንኑክልየሳዊ ምዕባለ ኢራን ንምግታእ ፡ ነቲ ሚሳይላታ ምዕናው ፡ ከምኡውን ንመንግስታ ምዕላው ዝብልዩ፡ እዚ ኹሉ ግና ኣይተፈጸመን ።

እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ናይ 60 መዓልቲ ውዕላት ድርድር ክግበረልካ እዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ ።

እታ 'ኣዚያ ዝኸሰረት'

እዚ ምስግጋር እዚ ንነታንያሁ ዓብዪ ጸገም ክዀኖ ይኽእል እዩ ።

ኣሚር ሃንድጃኒ ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኲንሲ ንAFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት "ዝዓበየ ክሳራ ዘጋጠማ" ኰይና ከም ዝወጸት ሓበረ ፣ ኸመይሲ ፡ እስራኤል ምስ ወሽመጥ ዝነበራ ርክብ ስለ ዝቋረጽን ኣብታ ቀንዲ መሻርኽታ ዝዀነት ዘለዋ ጽልዋ ስለዝጠፍአን እዩ ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እስራኤል እውን ንሮይተርስ ፡ "እቲ ስምምዕ ንእስራኤል ዘስካሕክሕ " ከም ዝዀነ ገይሮም ብምጽዋዕ ፡ ን ሮይተርስ መንነቶም ሓቢኦም ገሊጾሙሉ ።

"ካብ መሪሕነት እስራኤል ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ሓለቓ ስታፍ ፡ ካብዚ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎ ሰብ የለን" ድማ በሉ ።

ጆናታን ሪኖርድ ፡ ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ባር-ኢላን ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ፖለቲካ፡ ናታንያሁ ፡ "ነዚ እተኣትወ ስምምዕ ን ህዝቢ እስራኤል ክሸጦ ኣይክእልን እዩ" በለ ።

ንሮይተርስ ፡ "ኣብ ሓደ ስምምዕ ስለ ዘይበጽሑ ፡ እቲ ውግእ ከኣ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ 60 መዓልቲ ዝነበሮም ጥቕሚ ስለ ዘየማልኡሉ ፡ እቲ ዝበለጸ ተስፋ ክገብር ይኽእል እዩ" በለ ።

ናታንያሁ ፡ እቲ ክስዓር ምዃኑ ተተንብይሉ ዘሎ ምርጫ ፡ ዕላማ እቲ ውግእ ብዘይምርካቡ ፡ ከምኡውን ካብቲ "ኣዝዩ ጽንኩር ወዲ" ኢሉ ዝጸውዖ ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ግጭት እስራኤል ንምብዳህ ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎ መጥቃዕቲ ብምፍናዉ ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኲናት ኣትዩ እዩ ።

ከቢድ ፖሎቲካዊ ኩነታት

ስሚዝ፡ ኽልቲኦም መራሕቲ ህዝባዊ ጸቕጢ በርቲዕዎም ከምዘሎን: እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ዘሎ ዳይናሚካዊ ዕብየት "ስጊንጥር" ከምኡውን "ጽንኩር" ፖለቲካዊ ኵነታት ኰይኑ ከም ዘሎ ገለጸ ።

"ኣብ ኣመሪካ ፡ ትራምፕ ብነታንያሁ ከም እተቘጻጸረ ገይሮም ዝኸሱ ሰባት ኣለዉኻ ። ኣብ እስራኤል ግን ፡ ናታንያሁ ትራምፕ ዝደለዮ ከም ዝገበረ ዝኸሱ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ።

"ነፍሲ ወከፍ መራሒ ከም ኵርኩር ናይቲ ካልእ እዩ ዝቝጸር ዘሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ።"

ንሱ፡ እቲ ናይ ሰላም መደብ ነዊሕ ክጸንሕ እዩ ዝጽበ ።

እቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ዝገብሮ ዝነበረ ቀይዲ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሒደት ሰሙናት ጥራይ ከም ዝቐጸለ ዝገልጽ ስሚዝ ፡ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ ዘየላትሉ ስለዝኾነ ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሊባኖስ ውግእ እንተ ተላዒሉ "ኣይከሰምብድን'ዩ" ኢሉ ።

ናታንያሁ ብሰኑይ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝንገር ንነጀው ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶን ነቲ ንውግእ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ዝምልከት ተሪር ነቐፌታን ንምቅዋም ዝገበሮ ፈተነ ፡ ነቲ ኣብቲ ወፍሪ ዝረኸቦ ዓብዪ ዓወታት ዝበሎ ንምጕላሕ እዩ ጽዒሩ ።

ናታንያሁ ፡ "ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ካብ ስግኣት ኑክልየሳዊ ምጥፋእ ኣድሒንናያ ኢና" በለ ።

"ናይ ኑክልየሳዊ ተመራመርቶም ኣጥፊእናዮም ፡ ንመራሕቲ ስርዓት ሽበራ ኣመሽሚሽናዮም ፡ ንኑክልየሳዊ መሳለጥያታት ጨፍሊቕና ፡ ሚሳይላት ኣዕኒና ፡ ከምኡውን ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ፋብሪካታት ሚሳይላት ዘፍርያሉ ኣጥፊእናዮ ኢና ።"

ብዘይካዚ ፡ ሰራዊት እስራኤል "ኣድላዪ ኽሳዕ ዝዀነ" ኣብ ሊባኖስን ጋዛን ሶርያን ከም ዝጸንሕ ፡ እዚ ከኣ እስራኤል በቲ ውዕል ከም ዘይትምራሕ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ ።

— With additional reporting by Agence France-Presse and Reuters.


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


5 min read

Published

By Alexandra Koster

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now