ናይ ኣውስትራሊያ ግዝኣታት ብዛዕባ ናይ ናጻ ህዝባዊ መጓዓዚያ መትከለን ዝተመቓቐላ እየን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዘሎ ኩናት ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኹ ቪክቶሪያን ታዝማኒያን ንወርሒ ናይ ናጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክግበር ወሲነን ኣለዋ ።NSW፡ ወስት ኣውስትራሊያ ፣ ኲንስላንድን ሳውዝ ኣውስትራሊያ ነግና ነዚ ኣይተቐበላኦን ።
ታዝማኒያውያንን ቪክቶሪያውያንን ነዚ ዘሎ ጸቕጢ ዋጋ ነዳዲ ዕረፍቲ ንክረኽቡ ግዝያዊ ናይ ነጻ ምጉዕዓዝ ኣገልግሎት ክረኽቡ እዮም።
እንተኾነ ሚኒስተር ትራንስፖርት NSW ጆን ግርሃም ፡ እዚ ጸገም ክንዮ ወርሒ ስለዝጸንሕ ግዝኣቱትገብሮ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። ሳውዝ ኣውስትራሊያ ድማ ኣብ ካልእ ናይ መነባብሮ ስጒምቲታት ኣተኲራ ከምዘላ ገሊጻ ።
ኲንስላንድን ዌስት ኣውስትራልያን እውን ካብ ናይ ነጻ ዝኾነ ናይ ወርሒ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣይተቐበላኦን።
ቪክቶርያ ወርሒ ሚያዝያ ብናጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክህሉ ወሲና
ቪክቶሪያዊያን ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ናይ ሚኪ ካርድታቶም ምትንካፍ ኣየድልዮምን እዩ ፡ ኩሉ ናይ ህዝባዊ መጓዓዚያ ማዕጾታት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብባቡር ፡ ትራምን ናይ ኣውቶቡስ ኔትዎርክን ክፉት ክከውን እዩ ።
መንግስቲ እታ ግዝ ኣት ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ወሰኽ ጠለብ ጉዕዞ ንምምላእ ፡ ኣሽሓት ተወሳኺ ኣገልግሎታት ወሲኹ ኣሎ ።
ፕሪሜር ቪክቶሪያ ጃሲንታ ኣላን ፡ "እዚ ግዜያዊ ስጉምቲ እዩ ፡ ዋጋ መነባብሮ ንኽንኪ ዝሕግዝ እዩ ፣ ካብ ፓምፓ ጸቕጢ ወጺእካ፡ ኣብ ምድሓን ወጻኢ ክሕግዘ እዩ" በለት ።

እቲ ስጉምቲ ብፕረሲደንት ፌደሬሽን ሓረስቶት ቪክቶሪያ ብሪቲ ሆስኪንግ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ ።
"ነፍሲ ወከፍ ንማኪናኡ ኣብ ቤቱ ሓዲጉ ዝኸይድ ተጓዓዛይ ፡ነዳዲ ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ከውዕሎ እዩ ማለትዩ። እዚ እቲ ቪክቶርያውያን ዝምገቡሉ እዩ፡ " በለ ።
ታዝማኒያ ዝያዳ ናይ ነጻ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ግዜ ክህሉ'ያ ወሲና
ታዝማኒያውያን ካብ ዝተናውሐ እዋን ናጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኽጥቀሙ እዮም ፣ እዚ ድማ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 30 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኣውቶቡሳትን ኣብ ናይ ፌሪን ብናጻ ክጋዓዙ እዮም ።
ሚኒስተር መጓዓዝያ ኬሪ ቪንሰንት ፡ "ንሓደ መዓልታዊ ንስራሕ ኢሉ ካብ ዶድስ ፈሪ ናብ ሆባርት ብኣውቶቡስ ዝጓዓዝ ሰብ ፡ ካብቲ ምሉእ ዝኸፍሎ ዝነበረ ፡ ኣብ ሰሙን 88 ዶላር ከድሕን'ዩ" በለ ።
እቲ መደብ ነቲ እታ ግዝኣት ካብ 20 ሰነ24 ዝጀመረን ክሳዕ 20 ሰነ26 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝጸንሐ ናይ ብፍርቂ ጎዶሎ ክፍሊት ተበግሶ ዝትክእ እዩ ።
ቪክቶርያ ወይ ናይ ታዝማኒያ መንግስታት እዚ ስጒምቲ እዚ ነባሪ ከም ዝኸውን ኣይሓበሩን: ቪክቶርያ ኣብ ሚያዝያ ከምኡውን ታዝማኒያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዝውዳእ መደብ እየን ኣውጺኤን ዘለዋ ።
NSW, SA, Qld ከምኡ'ውን WA ነዚ ስጉምቲ ክወስዳ ኣይደለያን
ኣርባዕተ ክፍለ ግዝኣታት ነቲ ናይ ክፍልኢት መጓዓዝያ-ነጻ ኣዋርሕ ኣይተቐበላኦን፤
ግርሃም እቲ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ብናጻ ነጺግዎ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ንዘናውሕ ቅልውላው መማረጺታቱ ክፉት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ።
ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ "መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ንገለ መዓልታት ወይ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ናጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝብል ውሳነ ኣይወርድን እዩ: እዚ ኵነታት እዚ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝቕጽል እዩ" በለ ።
ናይ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ናይ መሰረተ ልምዓትን መጓዓዝያን ሚኒስትር ጆ ስካክስ ናይ ነጻ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክእውጅ ኣይደለየን። እንተኾነ መንግስቲ እታ ግዝኣት ነቲ ናይ መነባብሮ ጸቕጥታት ንምህዳእ ዝዓለመ "ሰፊሕ ናይ ፖሊሲ መደባት" ኣለዎ ኢሉ ።
"መንግስቲ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ንናይ ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ንዝኾኑ መናእሰይን ሕሱር ዝኾነ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ንዓበይቲ ድማ ብናጻ ክጓዓዙ ገይሩሎም እዩ" ክብል SBS ኒውስ ሓቢሩ ።
ACT ን NT እንታይ'የን ዝገብራ ዘለዋ?
ናይ ተሪቶሪ ዋና ከተማ ኣውስትራሊያ ስኔተር ዴቪድ ፖኮክን ሰልፊ ግሪንስን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ኣብ ሙሉእ ግዝኣት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነጻ ክኸውን ይጽውዑ ኣለው ።
ፖኮክ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ቪድዮ "ሕጂ ኣብ ከተማታትና ናይ 50 ሳንቲም ወይ ናጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘተኣታተወሉ ግዜ እዩ" ኢሉ ።
"ኣብ ናይ መገሻ ትሕተ-ቅርጺ ብዕጽፊታት ንኽውሕድ: ኣብ ከተማታት ዝነብሩን ህዝባዊ መጓዓዝያ ወይ ናብ ስራሕ ዝወፍሩን ሰባት ነቲ ዞባታት ነዳዲ ምእንቲ ኽንዕቅቡ ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።"

ኣብ ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካልእ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ብናጻ ትህብ ኣላ: -ኖርዘርን ተሪቶርይ ካብ 1 ሓምለ 2024 ጀሚሩ ኣብ ስግር ግሬት ዳርዊን ዞባን ኣሊስ ስፕሪንግስን ኣውቶቡሳት ብናጻ እየን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ።
ክፍሊት ንትራንስፖርት ኣብ መላእ ሃገር ክወዳደር'ከሎ፡
ኣብ መላእ ሃገር ዋጋ ነዳዲ ወሲኽሉ ኣብዘሎ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርዮታት ትጓዓዝቲ ዝኸፍልዎ ዘለዉ ዋጋታት፥
- Queensland: ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ትራንስሊንክ ኣገልግሎታት ፤ ማለት ኣውቶቡሳት ፣ ባቡራት ፣ ጀላቡን ትራምን ፤ ርሕቀት ብዘየገድስ ቀዋሚ 50 ሳንቲም እዩ ።
- NSW: ብ ርሕቐትን ግዜን ይፈላለዩ እዮም - ናይ 10-20 ኪ.ሜ ናይ ባቡር ጕዕዞ 5.38 ዶላር ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ መዓልቲ ግዜ ፡ 3.76 ዶላር ። ናይ ኣውቶቡስ ዝለዓለ ክፍሊት 5.77 ዶላር እዩ ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ንምሉእ መዓልቲ 19.30 ዶላር ፡ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት 9.65 ዶላር ይበጽሕ ።
- Victoria: ዞን 1 + 2 ዋጋ 5.70 ዶላር ንሓደ ጉዕዞ ፡ ንምሉእ መዓልቲ $11.40 ።
- Western Australia: ብ ስማርትራይደር ንዝግበር ናይ ሓንሳብ ጉዕዞ ዋጋ 2.80 ዶላር ይበጽሕ ። ናጻ ናይ ጉዕዞ ዞባታት ኣብ ሰ.ቢ.ዲን ኣብ ሰናብቲ ብዘይኽፍሊት ብናጻ ንምጕዓዝ ።
- ACT: $3.41 ኣብ ዝለዓለ ጠርዚክፍሊትን $2.70 ኣብ ዝሑል ግዜ። እቲ ክፍሊት ኣብ ርሕቀት ዘይኰነስ ፡ ኣብ ግዜ ጕዕዞ እዩ ዝምርኰስ ።
- South Australia: $4.55 ኣብ ዝለዓለ ናይ ጉዕዞ ግዜ ፡ $2.60 ኣብ ኣዝዩ ዝዘሓለ ግዜ ።
- Tasmania: ብርሕቀት ቦታ ዝምርኮስ ምኽፋል ኮይኑ ዝረሓቐ ኣብ ሓደ ጉዕዞ 3.60 ዶላር ።
- Northern Territory: Bኣብ ክሊ ዳርዊን ከምኡውን ኣብ ኣሊስ ስፕሪንግስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብናጻ እዩ ዝወሃብ ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.
