ኣብ ትግራይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርጫ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ብሰላም ይግበር እንተሎኳ፡ ኣብቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘዳውብ ከባቢታት ከም ኣብ ወረዳ ጸገዴ ከባቢ ከተማ ንጉስ ገለ ገለ ናይ ጸጥታ ጸገም ከምዝነበረ፡ ካብቲ ከባቢ ብቐጥታ ምስ ተለቪዥን ትግራይ ጸብጻብ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ ጸብጻብ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሎሚ ዝግበር ዘሎ መረጻ፡ ናብ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ተመዝጊቡ ዝመርጽ ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከምኡ’ውን ካልኦት ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ነቑጣታት ድምጾም ክህቡ ዊዒሎም ኣለዉ።
ትማሊ ድሮ ህዝቢ ትግራይ ናብ ምርጫ ምኻዱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ዉሽጢ ሃገር መዲያ ኣብዝሃቦ ቃለ መሕትት እዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምርጫ ናይ ቆልዑ ጸወታ እዩ ክብልን ኣብቲ ዝቕጽል ዝግበር ምርጫ ህወሓት እንተዘይተሳቲፉ፡ ሽዕኡ ክንራኸብ ኢና ክብል ፈኪሩ ኔሩ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ህዝቢ ትግራይ ትግራይ ብዙሕ ሽግር ኣሎ፡ ማይ የለን፡ ናይ ጥዕና ሽግር ኣሎ ኮሮና የስፋሕፍሕ ኣሎ፡ እቲ ህዝቢ ዝደልዮም ልምዓት ኣይረኸበን፡ ንሕና ነዚ ሽግር ሶፍት ፖወር ተጠቒምና ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ከነተኩር ዝግበኣና፡ ዓቕሚ ኣለና ኢልና ብምሕሳብ ናብ ኲናት ምኻድ፡ ንብዙሓት ክጎድእ ዝኽእል ነገር ስለዝኾነ፡ ናብ ዝገደደ ድኽነት ክንወስዶ ኣይንደልን ኢና።” ብምባል “ ብወገነይ ን ኢትዮጵያ ኲናት የድሊዩ ኢለ ኣይሓስብንየ። ብፍጹም ምስኲናት ዝደልዩ ወገናት ክምደብ ኣይደልንየ።” ብምባል ብሰንኪ እዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምርጫ ናብ ኲናት ከምዘይኣቱ ገሊጹ ኔሩ።

