ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዓብሊሎም ካብዘለዉ መዛረቢታት ሓደ፡ ሃለዋት ፕረሲደት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ካብ ጥሪ ክሳብ ፍርቂ ሚያዚያ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ዘሰንብድ ክስተት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንህዝቦም ከረጋግኡን ክመርሑን ኣብ ቅድሚት ተሰሊፎም መዓልታዊ ኣብዝረኣይሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣቶ ኢሳያስ ካብ ህዝቢ ብምስዋሩ ብዙሕ ሕቶታት ፈጢሩ ኔሩ። ገሊኦም ደፊሮም ‘ሕማም ወቕዒ ሓሚሙ፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝርከብ ሆስፒታል ይሕከም ኣሎ’ ኢሎም ክዛረቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ብህይወት ከምዘየለ ደምዲሞም። ኣብዚ ኩነታት እናሃለወ እዩ እምበኣር፡ ኣብ 18 ሚያዚያ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ ቐሪቡ "ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት እዩ" ብምባል ሓጺር ንኮሮና ቫይረስ፡ መደባት ልምዓት፡ በዓል ትንሳኤን ምጅማር ጾም ረመዳን ኣብ ሓደ እዋን ንዉሑድ ደቓይቕ ተዛሪቡ።
እቲ ናይቲ ፕረሲደንት ኣብ መሳኹቲ ተለቪዥን ምቕልቃል ንርእሱ ካልእ መዛረቢ ኣጀንዳ ገዲፉ እዩ ሓሊፉ። ገለ ሰባት “ናይ ተክኒክ ስናዕ እዩ” ክብሉ’ኸለዉ፡ ገለ ድማ ንኩነታት ትርኢቱ ተዓዚቦም፡ እቲ ፕረሲደንት ኣብ ሕማቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘሎን፡ መዓልታቱ እናተወደአ ይኸይድ ከምዘሎ ክዛረቡ ኣሕሊፎሞ።
ብስግኣት ኮሮና ቫይረስ፡ ምዕቡላት ሃገራት ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታተን ናብ ሃገሮም ይመልሳ እንተለዋ’ኳ ኣብዚ ቅነ ነቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘውጽኦ መልእኽቲ ማለት፡ ምኽንያት ከይሃበ ኣብ 18 ሚያዚያ 29 ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ኤርትራ ከምዝወጹ ድሕሪ ምግላጹን ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብታ ኤርትራ ንዝርከቡ ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ይስሕቦም ከምዘሎ ምሕባሩ፡ ክንዮ ኮሮና ቫይረስ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ደሓን ኩነታት ስለዘየለ ምስዚ ዝተሓሓዝ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን።

እቲ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ መግለጺ፡ ንሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ክስሕቦም ዝተገደደሉ፡ "ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት" ምኽንያት ብምግባር፡ ንግዚኡ ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ከምዝውጽኦም ምግላጹ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኤርትራዊያን ተፈጢሩ ዘሎ ጥርጣረ ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ወሲድዎ ኣሎ።
በቲ ኣብ ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ ጽኑዕ ናይ ምዕጻውን በቲ ንነዊሕ ዓመታት በቲ ስርዓት ዝግበር ጽኑዕ ምንቅስቓስ ዜጋታት፡ ጽጹይ ሓበሬታ ኣጸጋሚ ኣብዝኾነሉ እዋን። ኤርትራዊያን ዝረኸብዋ ንእሽቶ ሓበሬታ ናብ ይመስል እዩ ዝብልዎ መኣዝን ይወስድዎ ኣለዉ። ገለ ዜጋታት “ሕልፈት ናይ ኣቶ ኢሳያስ ክውን ኮይኑ እዩሞ ድሮ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሕ ይፍጸም ኣሎ።” ኢሎም ዝኣመኑ ወይውን እዚ ኩነታት ናይ ኣቶ ኢስያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ግዜኡ በጺሑ ኣሎ ኢሎም ብምግማት፡ ዝመጽእ ኩነታት እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ነናይ ባዕሎም ትንታኔታት ይህቡ ኣለዉ። ገለ ዉዱባት ናይ ሰልፊ ፖለቲካ መግለጺ ክሳብ ምሃብ ዝበጽሑ ኣለዉ። ንኣብነት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝተባህለ ኣብ ወጻኢ ዝነጥፍ ሰልፊ፡ ንፖለቲካዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ኣብትሕቲ “ዓወትና ከነቃላጥፍ ሓባራዊ ስራሓትና ነዕዝዝ!!” ዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡
“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ወዮ ከም ዑንቅን ኣልማዝን ከቢሩ ዝነበረ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ሎሚ መዓስ’ኮን ይሞተልና
ይኸውን ዝብል ጸሎትን ትጽቢትን ዝበዝሓሉ ህሞት በጺሕና ኣለና።” ኢሉ ብምጅማር “ሎሚ ብዘይካ ውሑዳትን
ውሱናትን ካድራት ህግደፍ፡ እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወርድ እቲ ዘይተርፍ ባህርያዊ ዕጫ ብሃንቀውታ
ይጽበ ኣሎ።” ክብል ብዛዕባ ዘይተርፍ ሞት እቲ ፕረሲደንትን ትጽቢት ብዙሓትን ዘርዚሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ ህዝቢ ብሓደ ሰሚሩ ንለውጢ ክጸባበ ድማ ምዒዱ።

ነጠፍቲ ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ስእሊ ናይቲ ሞተ ሰረረ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጁን ኢን ከምኡውን ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ስእሊ ብሓንሳብ ብምጥቃዕ ናይ ክልቲኦም “ዉልቀ-መለኽቲ ዓለምና መወዳእታኦም ብሓንሳብ ኮይኑ” እናበሉ ዝጽሕፉ ኣይተሳእኑን። ገለውን ክንዮ እቲ ምሕላፍ ህይወት ኣቶ ኢሳያስ ዝመጽእ ፖለቲካ ኤርትራ ዘተሓሳሰቦም ኣይተሳእነን። ብፍላይ፡ እታ ባይቶን ቅዋምን ዘይብላ፡ ምክትል ፕረሲደንትን መስርሕ ምትኽኻእ መሪሕነት ዘይፍለጠላ ኤርትራ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ዝጸንሐ ስልጣን መን እዩ ክርከቦ? ኢሎም ዝሓቱ ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ቅሩብ እዋናት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝቀላቐል ዘሎ ወዱ ንኣቶ ኢሳያስ ዝኾነ፡ ኣቶ ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቶም ዝህቡ ግና ብዙሓት እዮም። እቲ ሕቶ መን ይተክእ ዘይኮነስ፡ እቲ መስርሕ ምትኽኻእ ስልጣን ከመይ ከምዝኸውን ዝሓርበቶም ሰባት’ውን ኣለዉ።
በቲ ኢሉ በቲ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኣቶ ኢሳያስን መጻኢ ፖለቲካዊ ዕድል ኤርትራ ክሳብ ወግዓዊ መግለጺ ብመንግስቲ ኤርትራ ዘይተዋህበ፡ ሓበሬታታት ንምርካብ ኣጸጋሚ ኣብዝኾነሉ ኩነታት እቲ ባዕላዊ ትንታነታትን ሻቕሎትን እናዛየደ ከምዝኸይድ ዘማትእ ኣይኮነ።

