ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውስትራሊያ ዝተሰዱ መንእሰያት ኣብ ኣዚዩ ልዑል ሓደጋ ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

መንእሰያት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝውለዱ መዛንኦም ብ 10 ዕጽፊ ብጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ። ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

Mental health.

Source: Getty Images

መንእሰያት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝውለዱ መዛንኦም ብ 10 ዕጽፊ ብጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ።

ገለ ካብቶም ጠንቂታት ሕማም ኣእምሮ እዞም መንእሰያት፡ ኣብ ሓዲሽ ሃገር ምጥያስ፡ ዑቕባ ምሕታትን ኣድልዎን፡ ከምዝርከብዎም፡ ብተጣባቒ ጉጅለ  Orygen ዝወጸ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።

ካብ ኬንያ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጹ ስደተኛታት ብዝለዓለ ብሕማም ኣእምሮ ማለት ብ10 ዕጽፊ ከምዝጥቅዑ ተፈሊጡ ኣሎ፡፤

ካብ ሱዳን ዝመጹ ብ 7 ዕጽፊ ነዚኦም ስ ዒቦም ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ መንእሰያት ብ 5.5 ዕጽፊ ሓደጋ ናይ ኣእምሮ ሕማም ይስዕቦም።
"ካብዚ መጽናዕቲ ንርእዮ ነገር፤ ካብ ብኩናት ዝተሓመሱ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ዝያዳ ተጠቃዕቲ እዮም ዝኾኑ" ክብል  ኣሶሼት ፕሮፌሶር ብራይን O'Donoghue ገሊጹ።

"ኣብ እዋን ቁልዕነት ዝተርፍ ስምብራት ስቓይ፡ ምፍልላይን ገለ ካብ ጠንቅታት ሳይኮሲስ ወይ ሕማም ኣእምሮ እዮም"

እቲ መጽናዕቲ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዝኾኑን ኣብዝሓለፉ 6 ዓመታት ምልክታት ምስኣን ጥዕና ኣእምሮ ዘርኣዩን እዩ ተጌሩ።
Adapting to a new country is cited as one of the factors leading to mental illness in young African migrants.
Adapting to a new country is cited as one of the factors leading to mental illness in young African migrants. Source: AAP
እዚ ዉጽኢት ናይዚ መጽናዕቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ብተመራመርቲ UK ተጌሩ ዝነበረ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

እዚ ነቶም ኣብ ሓደጋ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዉ ኣብ ትሑት ናብራ ዝርከቡ ተወሳኺ ምወላ ክግበር ከምዝግባእ ዘጉልሕ ውጽኢት ምዃኑውን ተገሊጹ።
ፕሮፌሶር ብራያን ከምዘብርሆ ፡ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ስደተኛታት ሓገዝ ከይረኸቡን ክንክን ከይተገብረሎምን ንብዙሕ እዋን ከምዝጽበዩ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፤

“ስለዚ እቲ ብቕልጡፍ ክግበር ዝግብ ኦ ምስ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝራኸቡ ከም መምህራን፡ ኣማኸርቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ መን እሰያት ዝሰርሑ (ዩዝ ወርከርስ) ን  ብዛዕባዚ ሕማም ኣእምሮ ኣፍልጦኦም ምዕባይ እዩ።"

 

Readers seeking support with mental health can contact Lifeline on 13 11 14 or Beyond Blue on 1300 22 4636.


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service