መንእሰያት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝውለዱ መዛንኦም ብ 10 ዕጽፊ ብጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ።
ገለ ካብቶም ጠንቂታት ሕማም ኣእምሮ እዞም መንእሰያት፡ ኣብ ሓዲሽ ሃገር ምጥያስ፡ ዑቕባ ምሕታትን ኣድልዎን፡ ከምዝርከብዎም፡ ብተጣባቒ ጉጅለ Orygen ዝወጸ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ።
ካብ ኬንያ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጹ ስደተኛታት ብዝለዓለ ብሕማም ኣእምሮ ማለት ብ10 ዕጽፊ ከምዝጥቅዑ ተፈሊጡ ኣሎ፡፤
ካብ ሱዳን ዝመጹ ብ 7 ዕጽፊ ነዚኦም ስ ዒቦም ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ መንእሰያት ብ 5.5 ዕጽፊ ሓደጋ ናይ ኣእምሮ ሕማም ይስዕቦም።
"ካብዚ መጽናዕቲ ንርእዮ ነገር፤ ካብ ብኩናት ዝተሓመሱ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ዝያዳ ተጠቃዕቲ እዮም ዝኾኑ" ክብል ኣሶሼት ፕሮፌሶር ብራይን O'Donoghue ገሊጹ።
"ኣብ እዋን ቁልዕነት ዝተርፍ ስምብራት ስቓይ፡ ምፍልላይን ገለ ካብ ጠንቅታት ሳይኮሲስ ወይ ሕማም ኣእምሮ እዮም"
እቲ መጽናዕቲ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዝኾኑን ኣብዝሓለፉ 6 ዓመታት ምልክታት ምስኣን ጥዕና ኣእምሮ ዘርኣዩን እዩ ተጌሩ።
እዚ ዉጽኢት ናይዚ መጽናዕቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ብተመራመርቲ UK ተጌሩ ዝነበረ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

Adapting to a new country is cited as one of the factors leading to mental illness in young African migrants. Source: AAP
እዚ ነቶም ኣብ ሓደጋ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዉ ኣብ ትሑት ናብራ ዝርከቡ ተወሳኺ ምወላ ክግበር ከምዝግባእ ዘጉልሕ ውጽኢት ምዃኑውን ተገሊጹ።
ፕሮፌሶር ብራያን ከምዘብርሆ ፡ ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ስደተኛታት ሓገዝ ከይረኸቡን ክንክን ከይተገብረሎምን ንብዙሕ እዋን ከምዝጽበዩ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፤
“ስለዚ እቲ ብቕልጡፍ ክግበር ዝግብ ኦ ምስ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝራኸቡ ከም መምህራን፡ ኣማኸርቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ መን እሰያት ዝሰርሑ (ዩዝ ወርከርስ) ን ብዛዕባዚ ሕማም ኣእምሮ ኣፍልጦኦም ምዕባይ እዩ።"
Readers seeking support with mental health can contact Lifeline on 13 11 14 or Beyond Blue on 1300 22 4636.