Mulueberhan Gebrehiwet Source: Mulueberhan Gebrehiwetካብ ኤርትራ ብ 2008 እዩ ናብ ስደት ኣምሪሑ። ብ 2009 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ምስከደ ናብ እስራኤል ክኣቱ ናብ ሲናይ ከይዱ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ብኣሰጋገርቲን ኣዕራብን ኣብ ሲናይ ስቓዩ በሊዑ ብጥይት ተወጊኡ ኣብ ካይሮ ተኣሲሩ፡ ምስጥይቱ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ተገይሩ። ንቕሩብ ኣዋርሕ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግማይ ናብ ሱዳን ተመሊሱ፡ ብብዙሕ መከራ ብሲናይ ገይሩ ድማ ናብ እስራኤል ኣትዩ። ኣብ ዉሽጡ ጥይት ተሰኪሙ፡ ኣብ እስራኤል ንኣስታት 6 ዓመታት እናሰርሐ ስድርኡ ክሕግዝ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሆለት ተቐይዱ እናሃለወ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣብዚ ቕንያት ካብ እስራኤል ዝጥረዙ ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ታሪኽ ምሉእ ብርሃን ገብረህይወት ተስፋሃንስ ታሪኽ ናይ ብዙሓት ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ስለዝኾነ፡ ምስቲ ገጢምዎም ዘሎ ኩነታት፡ ናይ መከራ፡ ናይ ተስፋ ዘይምቑራጽን መጻኢኻ ዘይፍሉጥ ዝኾነ ታሪኽ ምሉእ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።
ካብ ኤርትራ ብ 2008 እዩ ናብ ስደት ኣምሪሑ። ብ 2009 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ምስከደ ናብ እስራኤል ክኣቱ ናብ ሲናይ ከይዱ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ብኣሰጋገርቲን ኣዕራብን ኣብ ሲናይ ስቓዩ በሊዑ ብጥይት ተወጊኡ ኣብ ካይሮ ተኣሲሩ፡ ምስጥይቱ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ተገይሩ። ንቕሩብ ኣዋርሕ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግማይ ናብ ሱዳን ተመሊሱ፡ ብብዙሕ መከራ ብሲናይ ገይሩ ድማ ናብ እስራኤል ኣትዩ። ኣብ ዉሽጡ ጥይት ተሰኪሙ፡ ኣብ እስራኤል ንኣስታት 6 ዓመታት እናሰርሐ ስድርኡ ክሕግዝ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሆለት ተቐይዱ እናሃለወ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣብዚ ቕንያት ካብ እስራኤል ዝጥረዙ ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ታሪኽ ምሉእ ብርሃን ገብረህይወት ተስፋሃንስ ታሪኽ ናይ ብዙሓት ኤርትራዊያን ኣብ እስራኤል ስለዝኾነ፡ ምስቲ ገጢምዎም ዘሎ ኩነታት፡ ናይ መከራ፡ ናይ ተስፋ ዘይምቑራጽን መጻኢኻ ዘይፍሉጥ ዝኾነ ታሪኽ ምሉእ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።