Key Points
- ሕግታት እንስሳ ገዛ
- ኣተሓሕዛ ናይ ገዛ እንስሳኹም: ምልምማድን ምክንኻንን
ብዙሓት ወነንቲ እንስሳ ገዛ ፡ ምውናን እንስሳ ገዛ ብዙሕ ዓስቢ ከም ዘለዎ ዝሰማምዑሉ ጉዳይ እዮ ፣ ብዛዕባኦም ክውሰድ ዘለዎ ሓላፍነታት ክመጽእ ከሎ ግና ፡ ልክዕ ምስ ምዕባይ ውሉድ ዝነጻጸር እዩ ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቪንድህያ ኒቩንሄልጌ ን መጻምዳ ጀምስ ን ፡ ንሓደ ከልቢ ኣብ ህይወቶም ክቕበልዎ ወሰኑ ።
ኣልጎት ከልቦም ናብ ገዛኦም ካብ ዘምጽእዋ ንደሓር ከልቦም ከም ፍትውቲ ብጸይቲ እንስሳ ዘለዎ ረብሓታት ከየድነቑላ ዝሓለፈት መዓልቲ ከምዘየላ እዮም ዝገልጹ ።
“ካብ ድቃስካ ምትንሳእ ፡ ውይ ካብ ደገ ናብ ገዛ ክት ኣቱ ከለኻ ብሩህ ገጽን ጭራኣ እናንቀሳቐሰት ትቕበለካ ኣፍቃሪት ካብ ምርኣይ ዘሐጉስ ነገር የለን ። ሕምቕ ዝስምዓካ መዓልትታት እንተ ኣልዩ ድማ ፡ ንኸልብካ ብእግርኻ ንምዝዋኣር ክትወስዶ ግዴታ ኣሎካ ፣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንላዕሊ ኽትሓስብ ስለ እትግደድ ከኣ ፡ ብዙሕ ሓጐስ የምጽኣልካ እዩ ። እንስሳ ብምውናነይ ድማ እየ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝረክብ.”
ይኹን እምበር ፡ ምስቲ እወታዊ ረብሓ ዝኸይድ ብዙሕ ሓላፍነት ኣለዎ ።
ካብቲ ብቐጻሊ ዝግበር ከም ኣብ ትጓዓዘሉ ዝሕዘልካ ሰብ ምርካብ ፡ ናብ መዓልታዊ ክትገብሮ ዝግባእ ችሓላፍነታት ፡ከም በይኑ ከልብኻ ከአይተርፍን ንንውሕ ዝበለ ክይተንቀሳቐሰ ከም ዘይትጸንሕ ምግባር ፡ ንእንስሳ ምክንኻን ውጥንን ተወፋይነትን ይሓትት ።
“ብዙሕ መደብ ምውጻእ ይሓትት ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት ህይወት ኣልጎት ፡ ንግሆን ምሸትን ናብ መናፈሻ ኸልቢ ንወስዶ ነበርና ። ስለዚ ፡ ንግሆ ሓደ ሰዓት ጕያ ፡ ምሸት ከኣ ሓደ ሰዓት ጕያ ነበረ ። ከምኡ ዝገበርናሉ ምኽንያት ድማ ናይ ድሕሪት ገዛ ስለዘይነበሮ እዩ ።”

ሕግታት እንስሳ ገዛ
ብጻይ ዝኾነካ እንስሳታት ካብ ማንቲለ ክሳብ ኣፍራስ ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ግና ፡ ኣኽላባትን ደማሙን ብብዝሒ እዮም ዝምረጹ ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ብዛዕባኦም ንጹር ሕግታት ዘለዎም ።
ታራ ዋርድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ተጣበቕቲ እንስሳታት ብወለንታ ትሰርሕ ጠበቓ ኰይና ፡ ቲ ትካል ናኣይ ኮማዊ ማእከል ክንክን ሕጊ እንስሳታት እዩ ።
ሕግታት እንስሳ ካብ ሕድሕድ መንግስትን ቤት ምኽርን ዝፈላለ እኳ እንተዀነ ፡ ገለ ሕጋዊ ብቕዓታት ናይ ድሙን ናይ ከልቢ ወነንቲን ግን ኣብ መላእ ሃገር ከም ዝውዕሉ ትገልጽ ።
“ንእሽቶ ቺፕ ክንዲ ፍረ ሩዝ እያ ፡ ኣብ ክሳድ ወይ መንኩብ ናይቲ ከልብን ድሙን ድማ ትኣቱ ። እቲ ሓኪም እንስሳ ቬት ነቲ ማይክሮቺፕ ኣብት እንስሳ ዘእቱ ሰብ ኣብቲ ማዕከን ሓበሬታ ብዛዕባ መንነት፡ ነዚ እንስሳ እዚ መን ከም ዝውንኖን፡ እቲ እንስሳ እንተጠፊኡ ነቲ እንስሳ ንመን ክርከብ ከም ዘለዎን ሃበሬታ ይ ኣትዎ ። ከምኡ እንተዘይጌርካ ፣ እንስሳኻ ብረንጀር ወይ ብ ሰራሕተኛ ካውንስል እንተተረኺቡ ፣ እሞ ንድሙኻ ወይ ንኸልብካ ማይክሮ እንተ ዘይጸኒሕዎ ብገንዘብ ክትቕጻዕ ትኽእል ኢኻ ።.”
ብተወሳኺ ኩሎም ወነንቲ ድሙን ከልብን ኣብ ናይ ኸባቢኦም ዘሎ ካውንስል ክምዝገቡ ግዴታ እዩ ።
ሚስ ኣዋርድ ከም ትበሎ ፡ ናይ ሓባር ግጉይ ርድኢት ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ማይክሮቺፕ ምእታውን ምዝገባን ሓደ እዩ ዝብልዩ ፡ እዚ ግን ከምኡ ኣይኮነን ።

“እዚ ክልተኡ ምሉእ ብምሉእ እተፈላለየ መስርሕ እዩ ። ማይክሮቺፕስ ንድሙኻ ወይ ንኸልብካ መልለዪ እዩ ። ምምዝጋብ ብዛዕባ ዝርዝር ናይ ኸልብካ ወይ ድሙኻ ኣብ ናይ መንግስቲ መዝገብ ዝርዝር ምእታው እዩ ። ስለዚ ፡ ንእንስሳኻ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ክትምዝግቦ ኣለካ ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንእሽቶ ክፍሊት ዝሓትት እዩ ። ኣብ ገለ ቦታታት ሓደ- ግዜ ዝኽፈል ጥራይ ክኸውን ይኽእል ፡ ኣብ ካልኦት ከም ኣብ ACT ዝበሉ ቦታታት በብዓመቱ ከተመሐድሾ ኣለካ.”
ብዛዕባ እንስሳኻ ክቕጥቀጡ (desexing) ምግብር ዝገልጽ ሕጊ ፡ ካብ ሓደ ግዝኣት ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ ።
“ገለ መምሕድዳር ግዝኣታትን ተሪቶርይታት ግዴታ ይገብርዎ እዮም ። ንኣብነት ፣ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ዕድመ ፣ ካብ ከልቢ ወይ ድሙ ክፈላለ ስለዝኽእል ፣ ከልቢ ወይ ድሙኻ ግብረስጋ ከይገብር (ክተቐጥቅጥ) ክትገብሮ ኣለካ ። ከምኡ ክትገብር ዘይትደሊ እንተኾይንካ ፣ ካልእ ሕጋዊ መስርሕ ክትሓልፍ ኣለካ ። ንኣብነት ፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ እታ ድሙ ክትቅጥቐጥ ኣየድልያን እዩ ፣ የግዳስ ፡ዋና ናይ ሓንቲ ዘይተቐጥቀጠት ድሙ እሞ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንላዕሊ እትዓብን ድሙ እንተ ኾይና ፡ ፍቓድ ኽትሓትት ኣሎካ ። ብኻልእ ኣበሃህላ ፡ እቲ እንስሳ ዘይተቐጥቀጠ እንተ ኰይኑ ፡ ብዙሕ ክሳራ እዩ ዘስዕብ.”
ሚስ ዋርድ ፡ ወነንቲ እንስሳ ገዛ ፡ ካውንስላት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ደማሙን ኣኽላባትን ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ስለ ዘለዎም ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ካውንስል ፡ ዝርዝር ሕግታት ከጻርዩ ከም ዘለዎም ምኽሪ ትህብ ።
“እቲ ብዛዕባ ኣኽላባትን ደማሙን ዝገልጽ ሕግታት ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ናይ ከባቢ ስለ ዝርከብ ፡ ናብ ከባብያዊ ካውንስል ክትውከስ ይግባእ ። ብዛዕባ እንስሳታትኩም ናብ ሕጋዊ ጕዳያት ከይትኣትዉ ስለ እትደልዩ ፡ ከተጻርዩ ፈትኑ.”

ብዛዕባ ምውናን እንስሳ ገዛ ዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝ ኣትን ተሪቶሪን ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ፡
- New South Wales
- Australian Capital Territory
- Victoria
- South Australia
- Western Australia
- Tasmania
- Queensland
- Northern Territory
ኣተሓሕዛ ናይ ገዛ እንስሳኹም: ምልምማድን ምክንኻንን
ሕጋዊ ግዴታ ዘይኮነ እኳ እንተኾነ ፡ ንወነንቲ ከልቢ ግቡእ ስልጠና ክወሃብ እዩ ዝምከር ።
ናድያ PEER – RIS ኣብ RSPCA ቪክቶርያ ላዕለወይቲ ተከናኻኒት ማእኸል ክንክን እንስሳታት ፡ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ትገልጽ።
“ስሩዕ ትምህርቲ ኣሎ ። እቶም ኣሰልጠንቲ ንባዕሎም ኣዝዩ ስሩዕ ዝኾነ ምደብ ስልጠና ይስዕቡ እዮም ፡ ስለዚ ቀጻልነት ኣለዎ ፡ ናይ ባህሪ ምትዕርራያት ይርደኦም እዩ ስለዚ ከከም እቲ ናይ እንስሳኻ ባህሪያት ዉሱን ጸገማት ክፈትሑ ይኽእሉ እዮም ። ምስ ዋናታቶም ዘለዎም ርክብ ከም ዝመሓየሽ የረጋጊጹ ። ኣብ ማሕበራዊ መዳይ 'ውን ዓቢ እዩ ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ነኣሽቱ ትምህርቲ ።”
ሚስ ፔሪስ ብዛዕባ ጥዕና ኣኽላባትን ደማሙን ብዚምልከት ክልተ ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያታት ከም ዘሎ ትገልጽ ።
“ሓደ ዓቢ ነገር ፡ እንስሳ ገዛ ሕክምና ስኒ ኣየድልዮምን እዩ ዝብል ዩ ፣ ሓደ ካብቲ ን ሓኻይም እንስሳታትና ስራሕ ዝበዝሖም ንደማሙን ኣኽላባትን ዝኸውን ክንክን ስኒ እዩ። ስለዚ ጽቡቕ ክንክን ናይ ስኒ እንስሳኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ካልእ ከኣ ፡ ሰባት ኣብ ደገ ክንዘውር ከለና ፡ ኣብ ጫማና ብዙሕ ጽግዕተኛ ተሃዋስያን ከነምጽእ ንኽእል ኢና ስለዚ ምሟቕን ምጽራይ ካብ ባልዓት የድሊ። ስለዚ ፡ ዋላ "ውን ናይ ገዛ ውሽጢ እንስሳ እንተሃለወካ ፡ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ምጽራይ ክትገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።”

ንኣኽላባትን ደማሙን እውን ስሩዕ ሕክምናዊ መርመራታት ክገብሩሎም ኣለዎም ፣ ብፍላይ ኵነታት ጥዕናኦም ደሓን ዘይኮኑ እንስሳታት ብተደጋጋሚ ናብ ሕክምና እንስሳ ምብጻሕ እዩ ።
ኣብቲ ኣብ ሎርት ስሚዝ ናይ እንስሳ ሆስፒታል ዝርከብ ናይ ካምፕበልፊልድ ዳይረክተር ዝዀነት ዶ/ር ኬት ጎላስዘውኪ ከምዚ ብምባል ትገልጽ ።
“ኣብ ፈለማ ፡ ንኣሽቱ እንከለዉ ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ወይ ሰለስተ ክታበታት ኣብ ወወርሒ ክንወስዶም ንኽእል ኢና ። ብድሕሪኡ ድማ በብዓመቱ ምርመራ ይግበረሎም ። ብሓፈሻኡ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተ ኰነ ፡ መደንፍዒ ክታበት ክንህቦም ኣለና ግን ኩሉ ሳዕ ኣይኮነን ። ኣብ እንስሳታትን እንታይ ዓይነት ክታበታትን እዩ ዝምርኰስ ። ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም እንስሳታት ፡ ሕማም ልቢ ወይ ናይ ቆርበት ጸገም ዘለዎም እንስሳታት ፡ ኣዘውቲርና ነርእዮም ንኸውን ። ብሓፈሽኡ ዝኾነ ሕዱር ሕማም ዘለዎ እንስሳ እንተወሓደ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ከነርእዮ ኢና ።”
ኣብ መወዳእታ ፡ ልክዕ ከም ደቂ ሰባት ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥዕና እንስሳኻ ዝርአ ለውጥታት እንተ ኣልዩ ፡ ናብ ሓኪም እንስሳ ብቕልጡፍ ክኽየድድ ከም ዘለዎ ፡ ዶክተር ጎላስዘውስኪ ገሊጻ ።

If uncertain about the local laws affecting your pet or dealing with a legal issue as a pet owner, you can reach out to the Animal Defenders Office for advice.
If you find yourself in need of help to provide treatment and care to your pet or thinking of surrendering your pet, check the RSPCA website in your state/territory for information and available assistance programs.
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au







