ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ዝስማዕ መደረን ቃለ መጠይቓትን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርሕ ዝበዝሐ ግዜ ኣዘራራቢ ኣርእስትታት ኣይሰኣኖን ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ብምኽንያት ጽንብል መበል 24 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንፖለቲካዊ ህንጸት ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ ብዙሕ ከዛርብ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ድማ ሕጂ ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ ካልእ ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ሑዙ ተቐልቂሉ - ምጅማር መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም!! እዚ ናይ ሕጂ ኣካታዒ ኣርእስቲ ግን ካብቶም ዝቐደሙ ፍልይ ዝበለን ንብዙሓት ዘስደመመን ኢዩ።
Share





