“እዚ ማዕርግ ዝያዳ ንኽሰርሕ ሓላፍነት ዘሰክመኒ እዩ።” ብፍሉይ ማዕርግ ዶክትረይት ዝትሸለመ ጸሓፍን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዳርን ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን

Dr. Kifleyohannes Teweldeberhan.JPG

Credit: Supplied

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም United Graduate College and Seminary Intl. ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ኣሎ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ስድራቤታትን ሓዳርን ከምኡ’ውን በዚ ሞያ ዘሰልጥን ዘሎ በዓል ሞያ እዩ። ነዚ ዝገበሮ ዓበይቲ ስራሓት ኣብ ግምት ኣእትዩ ብማዕርግ ዶክትረይት ዝተሸለመ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን ብዛዕባ ዝሰርሖም ዘሎን ብዝዕባ ስልማቱን ኣካፊሉና ኣሎ።


Check out our podcast collection here


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now