ኣብዚ ሳልስቲን ቅድሚኡን፡ ብነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ደቂ ዓፈር ኣብ ባሕራዊ ግዝኣት ኤርትራ ማያት ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ፡ ተጣባቒ መሰላት ኤርትራዊያን ዓፈር ኢብራሂም ዓፋረሲስ ካብቲ ከባቢ ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ዛጊት ልዕሊ 6 መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡ 15 ጀላቡ ዓንየን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ህይወቶም ሲኢኖም፡ 80 ድማ ተጎዲኦም ክብል ድማ ገሊጹ።
Share






