Berhan Ahmed (SBS) Source: SBSካብ ትምህርቲ ቦዂሮምን ስራሕ ሲኢኖምን ኣብ ስርቅን ዕግርግርን ባእስን ዝሳተፉ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንፖለቲከኛታት ኣውስትራሊያ የጣርዕዎም ኣለዉ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል መልበርን ኣብ ሓደ ናይ ስድራ መዘናግዒ ስፍራ ዝተፈጸመ ገበን ምስ ኣፍሪቃዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዓዋሉ መንእሰያት ብምትሕሓዙ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ወዲቖም፡ ነቲ መዘናግዒ ቦታ ክጥቀምሉ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ። መራሕቲ ማሕበረ ሰባት እቲ ከባቢ ጸገም ከምዘሎ እንተኣመኑ’ኳ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ዉሑዳት ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ገሊጾም።
ካብ ትምህርቲ ቦዂሮምን ስራሕ ሲኢኖምን ኣብ ስርቅን ዕግርግርን ባእስን ዝሳተፉ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንፖለቲከኛታት ኣውስትራሊያ የጣርዕዎም ኣለዉ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል መልበርን ኣብ ሓደ ናይ ስድራ መዘናግዒ ስፍራ ዝተፈጸመ ገበን ምስ ኣፍሪቃዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ዓዋሉ መንእሰያት ብምትሕሓዙ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ወዲቖም፡ ነቲ መዘናግዒ ቦታ ክጥቀምሉ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ። መራሕቲ ማሕበረ ሰባት እቲ ከባቢ ጸገም ከምዘሎ እንተኣመኑ’ኳ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ዉሑዳት ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ገሊጾም።