ሓጸርቲ ጸብጻባት ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ንዝበሉዎ ምጽናት ዓሌት ኮይኖም። ጉዳይ ትግራይ ዝረኣየሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎምዓንቲ ክሳለጥ እዩ። ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማርያም ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት ዓሌት ንምቅዋም መዝነቶም ከም ዝራሕርሑ ገሊጾም። መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ዝዓደሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝማኽሎም ዲፕሎማስያሰኛታት ህዝቢ መቐለ ንክልተ መዓልታት ኣብ ገዛ ኮፍ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ተቓውሞን ዝወረዶ ማህሰይትን ገሊጹሎም።
Share






