SKIP TO MAIN CONTENT

ባእሲ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ንግዲ እተንጸባረቐሉ ዋዕላ APEC

Feature
: Australia's Prime Minister Scott Morrison shakes hands with other world leaders at a signing ceremony (AAP) Source: AAP

ኣብ ፓፓ ኒው ጊኒ ዝህነጽ ሓዲሽ ናቫል ቤዝ ኣመሪካ ምስ ሓይልታት ኣውስትራሊያ ከምትሓብር ተፈሊጡ። እዚ መግለጺ ዝወጸ ኣብ ኣኼባ ኤሽያ ፓሲፊክ ቁተባዊ ምትሕብባር ( the Asia-Pacific Economic Cooperation summit ) ኣብ ዝተገብረሉ እዋን’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ዞባ መን ይቆጻጸሮ ቻይናን ኣመሪካ ኣብ ንሕንሕ ከምዝኣተዋ ዝተንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እዩ ኮይኑ። ገለ መራሕቲ ኣድላይነት ግሎባዊን ነጻ ንግዲን ክጸቕጥሉ ተራእዮም፣ እንተኾነ ኣብቲ ኣኼባ ምስ ንግዲ ዝተኣሳሰር ወጥሪ ሰፊኑ ኢዩ ቀንዩ። እዚ ድማ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት፡ ሃገራት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓ ክግደሳ ኣለወን ዝብል ኣቕዋም ብምሓዙ እዩ።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣብ ፓፓ ኒው ጊኒ ዝህነጽ ሓዲሽ ናቫል ቤዝ ኣመሪካ ምስ ሓይልታት ኣውስትራሊያ ከምትሓብር ተፈሊጡ። እዚ መግለጺ ዝወጸ ኣብ ኣኼባ ኤሽያ ፓሲፊክ ቁተባዊ ምትሕብባር ( the Asia-Pacific Economic Cooperation summit ) ኣብ ዝተገብረሉ እዋን’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ዞባ መን ይቆጻጸሮ ቻይናን ኣመሪካ ኣብ ንሕንሕ ከምዝኣተዋ ዝተንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እዩ ኮይኑ። ገለ መራሕቲ ኣድላይነት ግሎባዊን ነጻ ንግዲን ክጸቕጥሉ ተራእዮም፣ እንተኾነ ኣብቲ ኣኼባ ምስ ንግዲ ዝተኣሳሰር ወጥሪ ሰፊኑ ኢዩ ቀንዩ። እዚ ድማ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት፡ ሃገራት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓ ክግደሳ ኣለወን ዝብል ኣቕዋም ብምሓዙ እዩ።


 ኣብ ፓፓ ኒው ጊኒ ዝህነጽ ሓዲሽ ናቫል ቤዝ ኣመሪካ ምስ ሓይልታት ኣውስትራሊያ ከምትሓብር ተፈሊጡ።

 እዚ መግለጺ ዝወጸ ኣብ ኣኼባ ኤሽያ ፓሲፊክ ቁተባዊ ምትሕብባር ( the Asia-Pacific Economic Cooperation summit ) ኣብ ዝተገብረሉ እዋን’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ዞባ መን ይቆጻጸሮ ቻይናን ኣመሪካ ኣብ ንሕንሕ ከምዝኣተዋ ዝተንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እዩ ኮይኑ።

 ገለ መራሕቲ ኣድላይነት ግሎባዊን ነጻ ንግዲን ክጸቕጥሉ ተራእዮም፣ እንተኾነ ኣብቲ ኣኼባ ምስ ንግዲ ዝተኣሳሰር ወጥሪ ሰፊኑ ኢዩ ቀንዩ። እዚ ድማ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት፡ ሃገራት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓ ክግደሳ ኣለወን ዝብል ኣቕዋም ብምሓዙ እዩ።

  ኣብ Papua New Guinea ዝርከብ ንሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ቦታ ክህልዎ ምእንታን ናይ  Lombrum ወተሃደራዊ መዓስከር ንምስፋሕ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ምስ ኣውስትራሊያ ሓቢራ ከምትሰርሕ  ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት Mike Pence ኣፍሊጡ።

ቻይና ኣብ P-N-G መዓስከር ንኸይህልዋ ንምግታእ፡ ኣውስትራሊያ ነቲ ኣብ ደሴት ማኑስ ዘሎ መዓስከር ንምስፋሕ  ትሰርሕ እያ ዘላ።

 ኣመሪካ ኣብዚ ስራሕ ዝህልዋ ዝርዝር ግደ ኣይተገልጸን ዘሎ።

Mr Pence ከምዝገለጾ፡ እቲ ዉሳነ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘሎ ነጻነት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።

  [["ሏኣውነትን ማያዊ ናጽነት ደሴታት ፓሲፊክ ንምሕላው ምስዘን ሃገራት ክንሰርሕ ኢና። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይዚ ባሕሪታትን ሰማያትን  ናጽነት ንምዕባሌና ኣገዳሲ ስለዝኾነ ክሕሎ ኣለዎ።

 እዚ ዉሳነ ኣብ PNG ካብ ቀዳም  ((ሕዳር 17)).ኣኼባ ኤሽያ ፓሲፊክ ቁጠባዊ ምትሕብባር ( the Asia-Pacific Economic Cooperation summit ((APEC)) ኣብዝግበረሉ ኣብዘሎ እዋን እዩ ተገሊጹ።

 ኣብቲ ኣኼባ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንትን ናይ ቻይና ፕረሲደንትን ብዛዕባ ንግዲ ኣብዝተገብረ ርሱን ክትዕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጂኦ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዓብዩ ከምዘሎ ብግሉህ ዝተንጸባረቐሉ እዩ ኔሩ።

 ናይ, China' President Xi Jinping [[SHE jin-ping]] ኣብዘረባኡ ጸቒጡ ዝተዛረበሉ ኣብ ዝግበር ናይ ንግዲ ኩናት ወይ ካብ ሓዲሽ ዝሑል ኲናት ዝዕወት ኣካል የለን።

  [[ኣየናይ ኣንፈት ክንምርጽ ይሓይሽ? ምትሕብባር ወይስ ምጉንፋጥ? ክፉትነት ወይስ ማዕጾ ምዕጻው? ናይ ተዓዊትካ ኣዐውት ወይስ ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ ? እዚ ንሕና ሎሚ ንመርጾ ምርጫ ንድልየታት ናይ ኩለን ሃገራትን መጻኢ ደቂ ሰባትን ዝውስን እዩ።

 President Trump ኣብ 2016 ን ኣመሪካ ክመርሕ ስልጣን ካብዝሕዝ ንደሓር ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ናይ ንግዲ ኲናት ተሸሚመን እየን ጸኒሐን።

እተን ሃገራት ንግዲ ዝዓግት ናይ ነንሕድሕድ ቢሊዮናት ዶላራት ዝውድእ ኣቑሑ ብታሪፍ ኣዳኺመናኦ እየን ዘለዋ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ነንሕድሕድ የፈራርሑ ስለዘለዉ፣ እዚ ወጥሪ ኣብ ቅሩብ እዋን ክፈኲስ ዘመላኽት ነገራትውን ኣይተራእየን ዘሎ።  

 President Xi Jinping ዓለማዊ ናይ ነጻ ንግድ ስርዓት ክህሉ እዩ ዝደሊ። እዚ ስርዓት እዚ’ዩ ንቻይና ኣብ ዓለም ብቑጠባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንክትስራዕ ሓጊዝዋ ዘሎ።

ንሱ ወሲኹ ከምዝገልጾ፡ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ምትሕብባር ይጽበ።

  [[ ( ንሕና ኣባላት ቁጠባ APEC ብፓሲፊካዊ ዉቅያኖስ ኢና ተኣኻኺብና ዘለና።  ኣብ መርከብ ክስቀል ከለኹ ነቲ ሰፊሕ ዉቅያኖስ ጠሚተዮ።  ኩላትና ኣብ ሓደ ጃልባ ንጎዓዝ ዘለና ተጓዓዝቲ ምዃና ኣስተብሂለ።  ነቲ ተሽከርካሪ  በቲ ቅኑዕ ኣንፈቱ ክሽክርከር ነቐጽሎ  በዚ ድማ እታ ናይ ዓለም ናይ ቁጠባ መርከብ  ማዕበላትን ንፋሳትን ፈንጢሳ ጐዕዞኣ ትቐጽል።

 ናይ Australia' ቀዳማይ Minister Scott Morrison ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣውስትራሊያ ኣብ ናይ ነጻ ንግድን ትካል ንግዲ ዓለምን ጠቢቓ ክትቅጽል እያ።

ሃገራት ንግዲ ካብ ምኽልካል ክቑጠባ ድማ ጸዊዑ።

  (("ኣውስትራሊያ ንናጻ ንግዲ ዘለዋ መብጽዓ ኣብ ቦቱኡ ጸኒዑ ኣሎ ከምኡ ድማ ንሓዋሩ ክቕጽል እዩ።. ብዙሕ ብዱሆታት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና፡ እንተኾነ  ንግዲ ብምግታእ ዝመጽእ ፍታሕ የለን። ኣብ ክንዲ ሕማቕ  ሕማቕ ብምግባር ኣብ ኩናት ንግዲ ምእታው ንዝኾነ ይኹን ብቑጠባ ኣየርብሕን እዩ።

እንተኾነ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት Mike Pence ከምዝበሎ ካብቲ ‘ዘይርትዓዊ ንግዲ ምስ ቻይና’ ዝበሎ ንሱ ኣመሪካ ንምግታኡ ፖሊሲ ክህልዋ ዝገትኣ የሎን።

 ምክትል ፕረሲደንት ፐንስ ብተወሳኺ እቲ ቻይና ቅናትን መገዲን ('Belt and Road Initiative') ዝብል  ናይ ዓለማዊ ምህናጽ  ትሕተ-ቕርጺ ተበግሶኣ  ብጽኑዕ ወቒስዎ። ነቲ ፕሮጀክትታት ትሑት ጽርየት ዘለዎ፣ ንኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ልቓሕ ከምዝእሰራ ዝገብር እዩ ኢሉ።

 እቲ ኣብ 2013, ዝተገልጸ ተበግሶ ቻይና፡ ብመሬትን ባሕሪን ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ፡ ማእከላይ ኤሽያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘራኽብ ሰፊሕ ትሕተ ቅርጻዊ መርበብ ምህናጽ እዩ።

 ብዙሓት ሃገራት ነቲ ዘለወን ልቓሕ ክኸፍላኦ ከምዘይክእላ እንተገለጻ እኳ፡ ናይ ቻይና ፕረሲደንት፡ ነቲ ናይ ቅናትን መገዲን ሓሳብ 'Belt and Road Initiative' ይከላኸለሉ።

ብንጹር መልእኽቲ ሚስተር ፐንስ ሃገራት ኣንጻር እቲ ፕሮጀክት ደው ኢለን ሃገራዊ ረብሓአን ከቐድማ እዩ ጸዊዑ።

  [["ሉ ኣላውነትኩም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ኣይትቀበሉ። ረብሓኹም ሓልዉ። ልክዕ ከም ኣመሪካ ወትሩ ሃገርኩም ቀዳምነት ሃቡ። ኣመሪካ ዝበለጸ ኣማራጺ ከምትህብ ኣስተውዕሉ።  ንመሓዙትና ኣብ ባሕሪ ዕዳ ኣይነጥልቐንን ኢና፡ ንነጻነትኩምን ሉኣላውነትኩምን  ኣብ ዋጋ እዳጋ ኣይነእቱን ኢና። ኣመሪካ ብኹፉትን ርትዓውን መገዲያ ትቐርብ። ቅናት ምህናጽን ሓደ ዝ ኣንፈቱ መገዲን ክስራሕ ኣይንሓትትን ኢና። ምሳና እንተተመሓዚኹም ንሕና ድማ ምሳኹም ንመሓዞ ኢና።

 ብዛዕባዚ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ስኮት ሞሪሶንውን ስግኣቱ ገሊጹ እዩ፡ “ሃገራት ፓሲፊክ ቀጻልነት ብዘይብሉ ዕዳ ክጸዓና የብለንን” ብምባል ኣጠንቂቑ።

 

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now