Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ንወቕቲ ጉንፋዕ (ፍሉ) ኣውስትራሊያ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም?

Australia Explained - Flu

Most people recover from influenza by themselves, but the flu virus is responsible for hundreds of lives lost and thousands hospitalised annually in Australia. Credit: Authentic Source/Getty Images

ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ እዩ ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር እንከሎ ፣ ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቀሪቡ ኣሎ።


ኢንፍሉዌንዛ ወይ ጉንፋዕ ፡ ንምሉእ ዓመት ዝጸንሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ቫይረስ እዩ ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትተሓዝ ትኽእል ኢኻ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ እዋን ቀውዒ ምልባዕ ሰዓል ይውስኽ ከምኡ "ውን ኣብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ መልከፍቲ ይውስኽ ።

ምልክታት ጉንፋዕ ካብቲ ልሙድ ሰዓል ንላዕሊ ኣዝዩ ሓደገኛን ነዊሕ ዝጸንሕን እዩ ።

ልዑል ረስኒ ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ቃንዛ መላግቦን ፡ ቃንዛ ርእስን ቃንዛ ጎሮሮን ከጠቓልል ይኽእል ።

Australia Explained - Flu
ጉንፋዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝኽሰቱ ሕማማት እቲ ብብዝሒ ዝኽሰት ሕማምን ብክታበት ክትከላከሎ ትኽእል ሕማም እዩ ። Source: Moment RF / Halfpoint Images/Getty Images

ኣብ ኣውስትራልያ ፡ 2025 ዓመተ ምህረት ልዕሊ 1,700 ሞት ዝተመዝገበሉ ብምንባሩ እቲ ዝኸፍአ ናይ ኢንፍሉወንዛ ዓመት እዩ ነይሩ

"መብዛሕትና ከም ተራ ሰዓል ኢና እንሓስቦ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ግን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣውስትራልያውያን ዝቐትል እዩ።" ይብል ዶክተር ማይክል ራይት ፡ ናይ ሲድኒ ሓፈሻዊ ሕክምናን ፕረዚደንት ኮሌጅ ሓፈሻዊ ሕክምና ኣውስትራልያን ።

"ብዙሓት ኣሽሓት ኣውስትራሊያዊያን ኢንፍሉዌንዛ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ይኣትዉ ፡ምኽንያቱ ድማ ከቢድ ናይ ምትንፋስ ረኽሲ እዩ ።"

ጥዑያት ሰባት እውን ከይተረፉ በቲ ሰዓል ኣዝዮም ክሓሙ ይኽእሉ እዮም ።

ከቢድ ሕማምን ክንክን ሆስፒታል ዘድልዮምን ልዑል ሓደጋ ዘንጸላልዎም ጉጅለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ፡ ኣቦርጂንን / ወይ ቶረስ ስትሬት ኣይላንደርን ውልቀሰባትን ፡ ሕዱር ኩነታትን ጥንስን ዘለዎም ሰባትን ።

ዶክተር ራይት ከምዝብሎ: - "እዞም ሰባት እዚኣቶም ረኽሲ ሳንቡእ: ኒሞንያ ናይ ምሕማም ዕድሎም ዝሰፍሐ እዩ: ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ድማ ኣለዎም ።"

ኢንፍሉዌንዛ ብነጠብጣብ ካብ ናይ ዝተለኽፈ ሰብ ጎሮሮ ወይ ኣፍንጫ ይመሓላለፍ ።

Flu tips
Credit: Healthdirect

ጽሬት ምዝውታር ፣ ከም ብቀጻሊ ኢድካ ምሕጻብ፡ ኣብ እትስዕለሉ ወይ ኣብ እዋን ምህንጣስ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ምሽፋንን ፣ ነቲ ሰዓል ናይ ምትሓዝን ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎኻ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ይሕግዝ ።

ካብ ኢንፍሉወንዛን ዘስዕቦ ከቢድ ሕልኽላኻትን ንምክልኻል ዝሕግዝ ዝበለጸ ኣገባብ ግና ፡ ዓመታዊ ክታበት ጉንፋዕ ምውሳድ እዩ ።

ዶክተር ራይት ከምዚ ብምባል ይገልጽ: - "ክታበት ምውሳድ ብልጫኡ: ንኽትሓምም ዘሎካ ኣጋጣሚ ስለ ዝንኪ: ከቢድ ረኽሲ ናይ ምሓዝ ተኽእሎኻ ከም ዝንኪ ስለዝገብር እዩ ።

ዝኽተቡ ውልቀ-ሰባት 'ውን ንኻልኦት ናይ ምትሕልላፍ ዕድሎም ዝተሓተ እዩ ።

ክታበት ምውሳድ እቲ ዝበለጸ ነገር ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካ ከምኡ "ውን ንማሕበረሰብክ ንምክልኻል ክትገብሮ እትኽእል ስጉምቲ እዩ ።
Dr Michael Wright

ናይ ሕማም ጉንፋዕ መከላኸሊ ክታበት ንኹሉ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ብፍላይ ግን ኣብ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ተጠቃዕቲ ዝያዳ ጠቓሚ እዩ ።

ዶክተር ስተፋኒ ዊልያምስ ፡ "ነፍሲ ወከፍ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ዕድመ ዘሎ ሰብ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ሰዓል ክታበት ክረክብ ኢና እንመክር" በለት ።

ዶ/ር ዊልያምስ ኣብ ጨንፈር ማእከል ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣውስትራልያ ተሓጋጋዚት ዳይረክተር እያ ። ኣብ ትሕቲ ኣውስትራሊያ National Immunisation Program ክታበት ብናጻ ዝወሃቦም ገለ ጉጅለ ሰባት ኣለዉ ።

  • ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት
  • 65 ዓመት ዝዕድሚኦምን ልዕሊኡን ዓበይቲ
  • ጥኑሳት ኣንስቲ
  • ዕድሚኦም ሽዱሽተ ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኑ ህዝብታት ኣቦርጂንን / ቶረስ ስትራት ኣይስላንደርን
  • ፍሉይ ናይ ሕክምና ኩነታት ዘለዎም ሰባት ። "
Senior man receiving prescription
ኣብ ናይ ጉንፋዕ ቆጸራኻ ቅድሚ ክረምቲ ካልእ ምኽሪ ዘድልዮ ሕማም ክትሓትት ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ። Credit: Joos Mind/Getty Images

ናጻ ናይ ጉንፋዕ ክታበት ክትወስድ ዘይግባኣካ እንተኾይኑ ፡ ነቲ ክታበት ካብ ናይ ሕማም መከላኸሊ ክታበት ወሃቢ ክትዕድጎ ትኽእል ኢኻ ።

ዶክተር ዊልያምስ "ኣብ ብዙሓት ናይ ክንክን ጥዕና ቦታታት ናይ ሰዓል ክታበት ክትወስድ ትኽእል ፤ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሓኪም ፣ ናይ ከባቢኻ ናይ ምክልኻል ክሊኒክ ፣ ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ሓለዋ ጥዕና ማእከላት ፣ ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ናይ ኣቦርጂን ሓለዋ ጥዕናን ገለ ፋርማሲታትን ዘጠቓለለ እዩ ።

መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ናይ ተሪቶሪ መንግስቲ ወይ ኣስራሒኻ ብዘይኽፍሊት ናይ ክታበት ፕሮግራማት ከካይዱ'ውን ይኽእሉ እዮም ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 2026 ብዘይመርፍእ ብ ኣፍንጫ ዝኣቱ ፈሳሲ ክታበት ተዳልዩ ኣሎ ።

ካብ ክልተ ኽሳእ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ውሑስን ውጽኢታውን ብዝዀነ መገዲ ንኺጥቀሙ ምምሕዳር ሕክምና ብዝእዝዞ መገዲ ጸዲቑ ኣሎ ።

Australia Explained - Flu
እቲ ናይ ብ ኣፍንጫ ዝውሰድ ናይ ሰዓል ክታበት ካብ ኣውስትራሊያ ወጻእ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ ። Source: Moment RF / Paul Biris/Getty Images

እዚ ኣብ ሙሉእ ኣውስትራሊያ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ብናጻ ኣብ ዝተወሰነ ግዝኣታት ይቐርብ እዩ ።

ፕረዚደንት RACGP ራይት : - "ኣብቲ ዕድመ እቲ ዘለዉ ቘልዑ ብመርፍእ ምውጋእ ከም ዘይፈትዉን ወለዶም ከም ዘየምጽእዎምን ንፈልጥ ኢና ።

ኣብ ትነብሩሉ ከባቢ ብመንግስቲ ዝተመወለ ናይ ብ ኣፍንጫ ዝውሰድ ክታበት ኣብ ከባቢኹም እንተሃልዩ ንሓኪም ስድራኹም ሕተትዎ ።

ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቐዲምካ ቅድሚ ዝለዓለ ወቕቲ ምእታዉ ክታበት ምውሳድ ፡ ንምክልኻል እቲ ሕማም ዉሑስ ከም ዝገብረልካ ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፕሮፌሰር ናይ ተመሓላላፊ ሕማማትን ዓለምለኻዊ ጥዕናን ዝዀነ ዶክተር ሜሩ ሸል ትገልጽ ።

"ስለዚ ከኣ ኢና ሰባት ናይ ኢንፍሉዌንዛ ክታበት ፡ ኣብ ምጅማር ቀውዒ ክወስዱ እንመክር ።

"ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ፡ ግንቦት ናብ ዕዳጋ ኣብዝመጽሉ፡ ኣብ ዝጥዕሞም እዋን ፡ ክኽተቡ እቲ ዝበለጸ ግዜ እዩ ።"

Australia Explained - Flu
Get your flu vaccine at least two to three weeks before your trip. Source: Moment RF / Oscar Wong/Getty Images

ገለ ሰባት ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ን ቁሩብ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ልኡም ኩነታት ምልክታት ይሓልፉ ።

"ኩሎም ክታበታት ከም ቃንዛን ሕበጥን ፡ ምቕያሕ ወይ ፍኹስ ዝበለ ረስኒ ዝኣመሰሉ ልሙዳት ጎድናዊ ሳዕቤናት የኸትሉ እዮም" ትብል ዶክተር ሸል ።

"እቲ ናይ ሰዓል ክታበት ውሑስን ውጽኢታውን ከምኡውን መብዛሕትኡ ኣሉታዊ መልሰ-ግብሪ ባዕልኻ መፍትሒ ክትረኽበሎም ትኽእል ኢኻ ።"

ናይ ቁጥዐ ግብረ መልስሲ ኣዝዩ ትሑት ዘጋጥም እዩ ።

ምስ ተኸተብካ ፣ ገለ ግብረ መልሲ ከይህሉ እቲ ሓኪም ወይ እቲ ፋርማሲስት ካብ 15 ክሳብ 20 ደቓይቕ ክትጽበ ይሓትተካ እዩ።
Dr Meru Sheel

ዶክተር ራይት ኣብ መደምደምታ ፡ "ምስ ዕድመኻን ኵነታት ጥዕናኻን ዝጥዕም ክታበት ጉንፋዕ ንኽትረኽብን ንዝዀነ ይኹን ሕቶታት ንኽምልስን ዶክተርካ ክሕግዘካ እዩ ።

"ስለምንታይ ክታበት ክትወስድ ከም ዘይትደሊ ዘሻቕል ወይ ዘሰክፍ ነገር ምስ ዝህልወካ ፡ ሓፈሻዊ ሓኪምኻ (GP) እቲ ክታበት ክትወስዶ ዘድልየካ እንተኾይኑ ክገልጸልካ እዩ ።"

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now