ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ከባቢታትን ኣውስትራልያ ካብ መመርመሪታት ኮቪድ-19 ፒሲኣር ናብ’ቲ ቅልጡፍ መርመራ ኣንቲጀን ዝኾነ ራፒድ ኣንቲጀን ቴስትስ (ራት) ኣብ ዝሰገራሉ እዋን ፈደራል መንግስቲ ናብ’ቲ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ዝተገደዱ ሰባት ዝወሃብ ክፍሊት ቅልውላው ብኩራት ብሰንኪ ለበዳ (Pandemic Leave Disaster Payment) ምትዕርራይ ይገብር ኣሎ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣውስትራልያ ሕጂ ልዕሊ 100000 መልከፍታት ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓልታዊ ኣሃዛታ ትምዝግብ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።
Share






