Key Points
- A Year 12 graduate credits teacher support and connection with culture through school for her academic milestone.
ቅድሚ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናብ ኣውስትራሊያ ምእታዉ፡ ባህሊ ቀዳሞት ህዝቢ ምስ መሬትን ፍልጠትን ማሕበረሰብን ኣዝዩ እተተሓሓዘ ፡ ሃብታም ስርዓተ ትምህርቲ ነይርዎ እዩ ። እዚ ልምድታት እዚ ፡ ሎሚ እውን ጠቓሚ ሓበሬታ ይህብ እዩ ።
ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቲ ዘይማዕርነት ይርአ ኣሎ ። እቶም ደቀባት ተመሃሮ ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝተሓተ ተሳትፎ ፡ መጠን ምንባብን ኣሃዝ ምውሳኽን ፡ ከምኡ እውን ትሑት ተሳትፎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣለዎም ። እዚ ብሰንኪ ታሪኻውን ቀጻልን ረቛሒታት ከም ኣድልዎ ፡ ኣብ ባህሊ ንኹሉ ዘካትት ትምህርቲ ዘይምሃብ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ጸገም ምውዳቕ እዩ ።

Sharon Davis, CEO of NATSIEC Source: Supplied / Sharon Davis
ከም ኣካል ናይዚ ይቕረታ እዚ ኣብ መንጎ ደቀባትን ደቀባት ዘይኮኑ ኣውስትራሊያዊያን ዘሎ ጋግ ንምዕጻው ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ሂወት እንክላይ ኣብ ትምህርቲን ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ተሰሪሑ እዩ ።
ሻሮን ደቪስ ካብ ባርዲን ኪጃን ሰብ ኮይን: ናይ ኮርፖረሽን ሃገራዊ ናይ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትረንቲን ትምህርቲ NATSIEC) ቀንዲ ኣካያዲት እያ ።
ንሳቶም ከምዝብልዎ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህጻናት ፡ ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ጋግ ብኸመይ ክዓጽዎ ከምዘለዎ ክመያየጡ ከለው ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ተወለድቲ ኣደታት ዝወርድ ኣድልዎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ።
“ሓገግትን ፖሊሲታትን ንኣቦርጂናውያን ህጻናት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ንምግባሮም ብንጹር ተሰሪሕሉ እዩ ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ NIECT ሪፖርት ኣሎ : ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ሰባት ላዕሊን ታሕቲን ክብሉን ኣብ ጉግል ክምርኮሱን ትራዮም ። ከምኡ "ውን ጐሊሑ ዝርአ ፖሊሲታት ከም መእለዪ ጠለባት ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘመን ዝተኣታተወ ኣሎ ። ከም ሓቂ እቶም ፖሊሲታት ፖ ፡ ደቀባት ንዝኮኑ ስድራቤታት ፡ ኣቦርጂናውያን ህጻናት ካብ መምሃሪ ክፍሊታት ክውገዱ ዝጠልቡ እዮም ።.”
ይኹን እምበር ፡ እቲ ቀንዲ ክፋል ሃገራዊ ስምምዕ ብዛዕባ ምዕጻው ጋግ ፡ መንግስታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ደሴት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትረዝን ዘሎ ዘይማዕርነት ንምስዓር ምስ ቀዳሞት ህዝብታትን ማሕበረሰባትን ዝስርሓሉ ዘሎ መገዲ ዘዐሪ እዩ ።
ሳሮን ዴቪስ ከም ሓባራዊ ውሳነ ምግባርን ንማሕበረሰብ ዝቈጻጸር ጽላት ኢንዱስቱሪ ምህናጽን ዝኣመሰለ ለውጥታት ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ ።
“ኣቦርጂናውያን ማሕበረሰብ ዝቈጻጸዎ ትካላት ፡ ንድሌታት ሕብረተሰባት ብዝያዳ ዘላቒ መፍትሒ ከም ዝዀኑ ንፈልጥ ኢና ። ህዝብና ትምህርቲ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ከኣ ፡ ዝሓሸ ጽምዶን ዝሓሸ ውጽኢትን ንመንእሰያትና ድማ ዝሓየለ መንገድታትን ኢና እንርኢ ። ልክእ ከምቲ ናይ ሓቂ ሽርክነት ኣገዳሲ ዝዀነ ፡ ምናልባት እውን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ክትነብር ትኽእል ኢኻ ። ስለዚ ፡ ትካላትና ነዚ ናይ ውሳነ ስልጣን ምስ ዝህልወን ፡ ንስራሕና ኣብ ናይ ሂወት ተሞክሮን ግምታትን መሰረት ስለ እንገብሮ ፡ ናይ ሓቂ ለውጢ ምስ እትርኢ እዩ ።”))
ብህላዊ ትምህርቲ ናይ መጻኢ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል ዶ?
ዶ/ር ኣንቶኒ ማክናቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎንግ ማእከል ደቀባት ካብ Awabakal, Gameroi ን Yuin man እዩ ።
ናይ ኣቦርጅናዊ ስርዓተ-ትምህርትን ፖሊሲን ልምድን ብኸመይ ከም ዝቕመጥ ንሓያሎ ዓመታት ምሂሩን ምርምር ገይሩን እዩ ።
ብእምነት ዶ/ር ማክክኬን ትርጕም ምዕጻው ኣብ ትምህርቲ ለውጢ ምግባር እዩ ።
“ነዚ ጋግ እዚ ምዕጻው ማለት ፡ እቲ ኣቦርጅናዊ ሰብ ነቲ ጋግ ብምዕራባውያን ንዚግበር ትምህርቲ ይዓጽዎ ኣኣሎ ማለት እዩ ። እንተኾነ ግን ዓቢ ጋግ ገዲፉ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ትምህርቲ ይምለስ ። ንዓይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ኣቦርጂናዊ ህጻን ክኸውን ኣለዎ ፡ ድሕሪኡ እቶም ክልተ ፍልጠታት ናብቲ ማእከላይ ቦታ ምርኻብ ዩ ። ተመሃሮና ብኽልቲኡ ስርዓተ-ፍልጠት ክስልጥኑ ኣለዎም።.”

Dr McKnight has spent years teaching and researching how to embed Aboriginal pedagogy in curriculum, policy, and practice. Source: Supplied / MichaelDavidGray
ዉጽ ኢት ማዕርነት ኣብ ትምህርቲ— ምርሃ ጎደና ኣብ ምዕባለ፡
ሳሮን ደቪስ ፡ ንዓወት ትምህርቲ ብኸም ምጥፋእ መሃይምነት ወይ ናይ ትምህርቲ ተሳትፎ ብዝኣመሰሉ መሐበሪታት ብምዕቃን ፡ እቲ ዝዓበየ ስእሊ ክርከብ ከምዝከኣል ትገልጽ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቲ ዘሎ ጋግ ሕጂ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ዘጕልሑ ።
ዴቪስ ካብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብደረጃ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ሓደ ኣብነት የብርህ ።
“ንኣብነት ፡ናይ ካልኣይ ደረጃ ደቀባት ተማሃሮ ዓቐን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከባቢ 59 ሚእታዊት ዝቕመጥ ኮይኑ ፡ እዚ ምስ ደቀባት ዘይኮኑ ተመሃሮ ክወዳደር ከሎ 85 ሚኢታዊ እዩ ። እዚ ምንጽጻር እዚ ፡ ኣብቲ ስርዓት ገለ ነገር ከም ዘይሰርሕ ዘሎ እዩ ዝነግረና ። እዚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና ስርዓተ ትምህርቲ ፡ ንቀዳሞት ህዝብታት ተባሒሉ ኣይተዳለወን ። ኣብ ውጺኢታት ሃጓፋት ምስ እንርኢ ፡ ትምህርቲ ንተማሃሮ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትረዝን ፡ ተመሃሮን መንእሰያትን ፡ መማህራን ፡ ዘይሰርሕ ምዃኑ እዩ።.”

Retori Lane (L) with her mother, Jenadel Lane. Source: Supplied / Retori Lane
ንሳ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ 12 ዓመት ዝዛዘማ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀኑ ተመሃሮ ደቀባት እያ ።
ሚስ ላይን ከም ዝገለጸቶ ፡ ንተምሃሮ ዝድግፍ ሃዋህው ንዅሉ ለውጢ ከም ዘምጽአ እዩ ።
“ናይ ምድጋፍ ምትእትታው ፡ ኣብ መንጎ ምምራቕን ዘይምምራቕን ዘሎ ፍልልይ እዩ፡ ናይ 12 ዓመት ትምህርቲ ምውዳእን ዘይምውዳእን ፍልልይ እዩ ። ንዓይ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ደገፍ ዓቢ ነገር እዩ ፡.”
እቲ ናታ ናይ ደገፍ መርበብ ፡ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ፡ ደቀባት መምህራንን ሰራሕተኛታትን ካብ ሃገራዊ ትካል ኣቦርጅናል ስፖርት ኣውስትራልያ (NASCA) ፡ ኣብ መላእ NSW ከምኡ "ውን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኢንገል ንተማሃሮ ምስ ባህሊ ርክብ ዘለዎምን ኣብ ትምህርቶም ዕዉታት ዝኾኑን ናይ ማሕበራት ፕሮግራማት ዘጠቓለለ እዩ ።
“ብፍላይ ካብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ብዙሕ ደገፍ ከም ዝነበረኒ ኣየጠራጥርን እዩ ። ብዘይካዚ ፡ ሰራሕተኛታት NASCA ልክእ ከምቲ ንሳቶም ዝመጽዎ ፡ ኣብ ምሉእ መገዲ ኽሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም ። ድሕሪኡ ፡ እቶም መምህራን ገለ ነገር ክሕግዙ ኣብኡ ዝጸንሑኻ እዮም።.”
ኣደኣ ን ረቶሪ ጄንደል ኣብቲ ጓላ ዝተመረቐትሉ ዱቦ ሲንየር ኮለጅ ምክትል ዋና ዳይረክተር እያ ።
ንሳ ካብ ስድራ ቤታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኸደት ናይ መጀመርታ እያ ነይራ ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ትምህርቲ ደቀባት ዝርአ ዘሎ ትውልደኣዊ ለውጥታት ትዛረብ ።
“ሕጂ 'ውን ቆልዑት ይመጹኒ እዮም ፡ ንሶም ድማ' ሚስ ፡ ኣብ ስድራይ ክምረቕ ኣነ ናይ መጀመርያ እየ 'ይብሉኒ ። እዚ ንባዕሉ እውን ንህዝብና ዓብዪ ዕማም እዩ ። ከም ጓለባት መጠን ፡ ብዛዕባ ኵሉ እቲ ኣብዛ ሃገር ዝሰገርናዮ ነገራት ድማ እሓስብ እየ ፣ እዚ ከኣ ሓደ ፍረ እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ከም ደቂ ዓዲ መጠን ዘጓነፈና ኵሉ ፀገማት ፡ ንምዕራባዊ መገዲ ክንስዕሮ ክኢልና ኢና ፣ እዚ ከኣ ትምህርቲ እዩ ።.”
ሬቶሪ ብ ባችልር ኦፍ ኣርት ብፍሉይ ብናይ ደቀባት ትምህርታት ቀዳማይ ዲግሪ ከተጽንዕ እያ ።
ካልኦት መንእሰያት ኣብ ትምህርቶም ሓይሊ ንኽረኽቡን ምስ ባህሊ ንኽራኸቡን ከምዘለዎም ትዛረብ ።“ንገዛእ-ርእሰይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ከእትዋ ብምፍታን ፡ ነዚ ዝሰኣኑ ካልኦት ተወለድቲ ደቀባት ፡ ብዛዕባ እዚ ዘይፈልጡ ፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይጠፍእ ኣሎ ። ስለዚ ፡ እቲ ባህሊ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ኣካል እቲ መስርሕ ክኾኑ ምድጋፍ እዩ።.”
ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ ፡ ብ ኣጠማምታ ደቀባት ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ጋግ ምዕጻው ማለት፡ ካብ ምምሕያሽ ውጽኢት ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል ኸነስተብህለሉ ዘሎና ጕዳይ እዩ ፣ እዚ ከኣ ፡ ነቲ ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ፍልጠት ዋጋ ክወሃቦን ማሕበረሰባት ባዕሎም ንብዕሎም ክመርሑ ስልጣን ምሃብ፡ ዉሑስ ባህላዊ ኩነታት ምፍጣርን እዩ። ብተወሳኺ መንነት ፣ ሓበን ፣ መጻኢ ወለዶታት ብናይ ገዛእ ርእሶምኣካይዳ ክዕወቱ ምግባርን ምስ ባህሊ ምትሕሓዝ ከምዝህልዎም ምግባር እዩ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au.