- ናይ ኣውስትራሊያ እንስሳ ዘገዳምን ኣከባቢን ፍሉይ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ?
- ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራልያ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ ?
- ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምጽናት ቅልውላው እንታይ እዩ?
- ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ ሓደጋ ዘስዕቡ ስግኣታት እንታይ እዮም?
- ኣውስትራሊያ ንዘለዋ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣብ ምክልኻል ብኸመይ ክሕግዝ እኽእል?
ናይ ኣውስትራሊያ እንስሳ ዘገዳምን ኣከባቢን ፍሉይ ዝኾነ ስለምንታይ እዩ?
ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝኾነ ክፍለ ዓለም ፍልይ ዝበለ ዘርኢ እንስሳን ኣትክልትን (ፍሎራን ፋኡናን) ኣለዋ። ብምባል ፕሮፈሰር ሁ ፖሲንግሃም ይገልጽ፡ ንሱ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ብዝሃነትን ናይ በርድላይፍ ኣውስትራሊያ ምክትል ፕረዚደንትን እዩ።
"ኣውስትራሊያ ቅድሚ 50 ሚልዮን ዓመታት ካብ ካልኦት ክፍለ-ዓለማት ተፈላልያ ፡ ንነዊኅ እዋን ድማ ካብኩሉ ክፍለ-ዓለም ተገሊላ ዝጸንሐት ኣህጉር እያ ።"
"ኣብ ከብዶም ንዉሉዶም ዝሓዝሉ ከም ኮዋላስ ፡ ካንጋሮስ ፡ ዎምባትን ግላይደርን ዝኣመሰሉ ዓሌታት ዱር እንስሳ፡ ከምኡውን ከም እንቋቝሖ ዝጸፍዩ መጥበውቲ እንስሳታት ፡ ፕላቲፑስን ኢቺዲናን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዘገዳም ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ዘይርከቡ እዮም ።"
ናይ ዪልካ / ንጋናትጃራ / ናራንጉንጋ ሰበይቲ ዝኾነት ጃድ ብሮምሎው ፡ካብ Indigenous Desert Alliance ኮይና ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ቀዳሞት ህዝብታት ፡ ሃገር ካብ መሬት ንላዕሊ ከም ዝዀነት ፡ ማለት ስድራ ቤትን ክፋል መንነቶምን ከም ዝዀነት ትገልጽ ።
ሃገር ዛንታታትናን ሕልምታትና ፡ ዘርእናን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሓላፍነታት ንምቕጻሉ ኣገዳሲ እዩ። ንኣትክልትን እንስሳታትን ብግቡእ ክንከናኸኖም ግዴታ ኣሎና ።Jade Bromilow
ሚስ ብሮምሎው ፡ "እዚኦም ኣካል ስርዓተ ምግብና እዮም። ብዛዕባ ዛንታታት ጁኩርባን እንሓልሞ ታሪኽን ምህሮታትን ድሕሪኡ ንዚቕጽል ወለዶ እንምህሮ ትምህርትታትን እዮም ።
"ምስዞም ጅር እዚኦም ንኣሽሓት ዓመታት ኢና ንነብር ኔርና ፣ ክንቀሳቐሱ ከለዉ ፡ ክራብሑ ከለዉ ፡ ክዕምብቡ ከለዉ ፡ ገለ ነገር ድማ ቅኑዕ ክኸውን ከሎ ፡ ከመይ ይመስል እውን ንርዳእ ኢና ። ስለዚ ፡ ብዛዕባ እንስሳ ዘገዳምን ፍሎራን ፋኡናን ክንዛረብ ከለና ፡ ፍሉይነት ስለ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰኑስ ፡ ከም ሓደ ኣካል መንነትናን ደቀባት ህዝብታት እዮም ። "
ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራልያ ኣገዳሲ ዝኸውን ንምታይ እዩ ?
ኣብ ኣውስትራሊያ ፍሉይ ዝኾነ ህይወታዊ ብዙሑነት ምዕቃብ ነቶም ኣብ ምሳና ዝነብሩ ዓሌታት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ንጥዕናን ብልጽግናን ኩሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ እዩ ።
"ናይ ጥዕና ስርዓተ ኣከባቢ ፡ ማለት ጫካታት ፡ ቀላያት ፡ ምድረ-ሳዕሪ ፡ ንደቂ ሰብ ኣገልግሎት ዝህቡ እዮም ። እዚኣቶም ጽሩይ ኣየር ይህቡ ፡ ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ድማ ይሰርሑ ፡ ከም ቱሪዝምን ሕርሻን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታትና ድማ ይሃንጹ "ብምባል ፕሮፌሰር ፖሲንግሃም ይገልጽ ።
"ዘርእታት እንተ ኣጥፊእና ፡ ዕዮ ናይቶም ስርዒታት ኢኮሲስተም እናነከየ እዩ ዝኸይድ ። ስለዚ ፡ እቲ ንሰባት ዚህቡና ጥቕምን ኣገልግሎትን እናጐደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ "።
ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውስትራልያ ስግኣት ኣንጸላልይዎም ዘሎ እንስሳታት ዘገዳም ፡ እቲ ዓብዪ ናይ ምድረ-በዳ ስኪንክ (The Great Desert Skink) ዝበሃል እዩ ፣ እዚ ንደቀባት ኣገዳሲ ባህላዊ ዘለዎ እዩ ።
" The Great Desert Skink ወይ ትጃኩራ ኣብ ትሕቲ መሬት እትነብር ንእሽቶ ኣራንሻዊት ጠበቕ እያ ። ዓሌት ትጃኩራ ምስ ብዙሓት ወለዶታት ብሓደ ብምንባር ፣ ሓደ ዓይነት ጾር ብምክፋልን ንሓድሕዶም ብምክንኻንን ዝነብሩ ፍጥረት እዮም። እዚ ከኣ ነቲ ማሕበረሰብ ደቀባትን ንስድራቤትና ፡ ንማሕበረሰብናን ንሃገርናን ዘሎ ናይ ሕድሕድ ኣኽብሮት ዘንጸባርቕ እዩ "ትብል ሚስ ብሮምሎው ።

ዓሌት ዘርኢ ምስ ዝጠፍእ ፡ ኣከባብያዊ ዕንወት ጥራይ ዘይኮነ ፡ ባህላዊ ክሳራ እውን እዩ ።
"እቲ ምስቶም ዘርኢ እተተሓሓዘ ፍልጠት ክሃስስ እዩ ። ዛንታታት ፡ ተግባራትን ዝምድናታትን ይደክም ። ኣብ ምድረ በዳ ፡ 'ሃገር ጥዕይቲ እንተ ኰይና ፡ ሰባት ጥዑያት እዮም' ዝብል ብሂል ኣሎ ። ብዙሓት ኣትክልትን እንስሳታትን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይፍላጥ ይነብሩ ኣለዉ: እዚ ሚዛኑ ኽሳእ ክንደይ ተነቃፊ ምዃኑ ድማ ንርዳእ ኢና "በለ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምጽናት ቅልውላው እንታይ እዩ?
ኣውስትራሊያ ብጽልዋ ናይ ወራራት ሃደንቲ ከም ወኻርያን ግዳም ሓደር ደማሙን ፡ ዕንወት ኣከባቢን ለውጢ ክሊማን ከቢድ ናይ ህይወታዊ ብዙሕነት ቅልውላው የጋጥማ ኣሎ ።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ብምጽናት መጥበውቲ ዝለዓለ መጠን ኣለዋ ።
"ኣውስትራሊያ ምናልባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝተፈላለዩ ጅር/ዓሌት ኣለዋ ፡ መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ዛጊት ኣይተገልጹን ። ይኹን እምበር ፡ ካብቶም ኣጸቢቕና እንፈልጦም ጅር ፡ 2,000 ከይጸንቱ ተሰጊኦም እዮም "በለ ።
"እቲ ዘሕዝን ድማ ካብ ዝሓለፈ 250 ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራሊያ ጅር ናይ ምስኣን መስርሕ ልዕሊ 100 ዕጽፊ ካብቲ ንቡር ዝኾነ ይጠፍእ ኣሎ ። ናይ ምጽናት ተግባራት ደው እንተ ዘየቢልናዮ: ኣብ ዝቕጽል 200 ወይ 300 ዓመት ዳርጋ ፍርቂ ዓሌታትና ኽንከስር ንኽእል ኢና "በለ ።
ኬት ብራድቢ ሓላፊት ናይ ሳውዝ ኣውስትራሊያ ናይ ኣከባቢ ማሕበር ትካል Gondwana Link Ltd ኮይና ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ግዝኣት ልዕሊ 1,000 ኪ.ሜ ርሕቐት ዘለዎ መንበሪ ቦታ ንምትሕሓዝ ዝሰርሕ ትካል እዩ ።
"ደቀይ ከምቲ ናይ ቀደም ሰባት ካምፕ ክገብሩ ዘይምኽኣሎም ዘሕዝን እዩ ፣ ካብቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝነበረና ብዝሒ እንስሳ ዘገዳም ከኣ ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝነብሩሉ ሰፈር ቀለቤት ኣዒንቲ ኣለዎም" ትብል ።
"ምጥፋእ መጥበውቲ ዓብዪ ጕዳይ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና ፣ ሕጂ ግና ፡ እቲ ኣብ ምጽናት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ፡ ነቶም ፈጺምና ዘይረኣናዮም እተደምሰሱ ሓያሎ ኣትክልቲ ኽሳእ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ክንግንዘብ ጀሚርና ኣለና ።"

ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ ሓደጋ ዘስዕቡ ስግኣታት እንታይ እዮም?
ኣብ ኣውስትራሊያ ንምጥፋእ ወይ ምጽናት ብዝሃ ህይወት ዝጸልዉ ሰለስተ ኣገደስቲ ስግኣታት ኣለው ።
እቲ ቀዳማይ ፡ ንልምዓትን ንሕርሻን ተባሂሉ ዝግበር ንጥፈታት ምድምሳስ መንበሪ እዞም ህይወታውያን እዩ ።
እታ ካልአይቲ ከኣ ፡ ብወረርቲ ዘርኢ ዝመጽእ ስግኣት እዩ ፣ ከም ወኻርያ ፡ ደማሙ ፡ ወረርቲ ዓሌት ጻህያይን ገለ ሕማማትን ይርከብዎም ።
ለውጢ ኩነታት ኣየር ካልእ ንናይ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ንምጥፋእ ስግኣት እዩ ።
ፕሮፌሰር ፖሲንግሃም ፡ "ክሊማዊ ለውጢ ንኣህጉር ኣውስትራልያ ብሓንቲ ሰዓትን ፈረቓን ዲግሪ ፡ ኣሙቑዋ እዩ" በለ ።
ብዙሓት ጅር ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሙቐትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከም ባርዕ ፡ ምዕልቕላቕን ብርቱዕ ህቦብላን ዝኣመሰለ ሓደጋታት ክለማመዱ ኣይክእሉን እዮም ።Professor Hugh Possingham
ምብትታን መንበሪታት ህይወታውያን ምስ ጽልዋ ናይ ካልኦት ኣስጋእቲ መስርሓት ተደሚሩ ንብዙሓት ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣብ ሓደጋ የእትዎም ኣሎ ።
"ብዛዕባ ስግኣት እንስሳታት ዘገዳምን ኣትክልትን ንዛረብ ኢና ። እንተዀነ ግን: እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ነገራት ካብ ብዙሕ ለውጥታት ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ዝወርደና ዘሎ እዩ ። ነዚ ኣብ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ስርዓተ ኣከባቢ ወይ ኢኮ ስይስተም ሒዝና ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ኢልና እንጽውዖ ንኣሽቱ ስጉምትታት ኣእቲና ፡ ብሓፈሻ ነቲ ዘድሊ ምሕደራ ኣየቕርብን እዩ "ይብል ።
"እቲ ቀንዲ መጥቃዕቲ ፡ መብዛሕትኦም እንስሳ ዘገዳምን ልምድታትን ኣብ ነንሕድሕዶም ርክብ ንኸይገብሩ ምግባሮም እዩ ። እዚ ከኣ ነቲ ዓለምን ክሊማን ኣብ ዝቕየረሉ ዘሎ እዋን ንኺልወጡ ዘለዎም ተጻዋርነት ዓቕሞም የጥፍኦ ። ብመሰረቱ ግና ፡ ነዚ ስርዓት እዚ ኣፍሪስናዮ ኢና ፣ናብ ሒደት ነገራት ኣውሪድናዮ "በለ ።

ኣውስትራሊያ ንዘለዋ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣብ ምክልኻል ብኸመይ ክሕግዝ እኽእል?
ኣውስትራሊያ ንዘለዋ እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ንምክልኻል ኩላትና ሓገዝ ክንገብር ንኽእል ኢና ።
"እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥ ምዕጣቕ ኰይኑ ይስምዓኒ ፣ ኣብ ጕጅለ ምዕቃብ ኣከባቢ ፡ ወይ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ጕጅለ ባህርያዊ ታሪኽ ኽትሳተፍ ትውስን ትኸውን ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልትኻ ወይ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ መናፈሻታት ፡ መበቈላዊ ኣግራብን ቈጥቋጥን ኽትተክል ትኽእል ኢኻ "ክትብል ፕሮፌሶር ፖሲንግሃም ትገልጽ ።
"እዚ ተግባራት ንባህልን ጥዕናን ኣውስትራሊያዊያን ከመይ ከምዝኸውን ንገዛእ ርእስኻ ምስ ፈለጥካ ፡ ብዛዕባ ምጥፋእ ናይ ኣውስትራሊያ ፍላራን ፋኡናን ዝምልከት ዘተሓሳስበኻ ነገር ምስ ፖለቲከኛታት ተዘራረብ ።"
ምስ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ጉጅለታት ይኹን ብናይ ከባቢኻ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ብምዃን ኣብ ምዕቃብ ብዙሕነት ንምስታፍ ዕድላት ኣሎ ።
"ብመሰረቱ ፡ ኣብ ኢኮሎጅያዊ ጥዕና ዓብዪ ምምሕያሽ ንምምጻእ እዩ መደብና ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ለውጥታት ግን ብሓባርን ብዝፍጠር ንኣሽቱ ለውጥታት ጥራይ እዩ ዝግበር ። ነፍሲ ወከፍ እዚ ንኣሽቱ ለውጥታት እዚ ከኣ ብውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት ክድፋእ ኣለዎ "በለት ።
"እንስሳ ዘገዳም ናብ ንቤቶም ክምለሱ ምሕጋዝ፡ ወይ ከኣ ደረጃ ብደረጃ ለውጢ ንምግባር ትርጉም ዘለዎ ገንዘብ ዝህቡ ኣውፈርቲ ክኾኑ ይኽእሉ ። ነፍሲ ወከፍና ለውጢ ዝገብር ነገር ክንረክብ ንኽእል ኢና "በለት ።

ኣብ ናይ መን ሃገር ከም ዘለኻ ኽትመሃርን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፍልጠት ክትሰምዖን ከተኽብሮን ከም እትኽእል ፡ክትጅምር ትኽእል ምዃንካ ሚስ ብሮምሎው ትገልጽ ።
ብደቀባት ዝምራሕ ናይ ምዕቃብ ዕዮ ከምኡውን ናይ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም (ሬንጀር) ፕሮግራማት ክትድግፍ ትኽእል ኢኻ ።
"ማሕበረሰባት ተኣኪቦም ክሰምዑ ፡ ክማሃሩን ሓላፍነት ክወስዱን ከለው ፡ ነቲ ፍሉይ ኮይኑ ዝስምዓና ቦታ ኢና ንከላኸለሉ ዘለና ። ንህዝቢታት ደቀባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝነብሩ ኩሎም ሰባት እውን ኣድላይ እዩ ። ሃገር እንተኣልያ፡ ባዕላ'ያ ንዓና እትከናኸነና ። "
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au





