SBS Source: SBSኤርትራ ትርከበን ብሕቡራት መንግስታት ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘፍርያ 10 ሃገራት ምዃነን ኣብ ዝተገልጻ ሃገራት ንጠንቂ ስደት ኣመልኪቱ ብInternational Crisis Group (ICG) ዝተባህለ ዉድብ መጽናዕቲ ተሰላሲሉ። ኣብዚ እዋን እዚ ብደርጃ ዓለም 65 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ብሰሪ ኲናት ካብ መረበቱ ምዝንባሉ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ምዃኑ ይግለጽ። International Crisis Group ምንጪ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብምዃነን ዘተኮረለን 10 ሃገራት ብቕደም ስዓብ ምስእንምልከት፥ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊ ረፓፕሊክ ኮንጎ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፓፕሊክ፡ ማይንማር፡ ኤርትራን ኮሎምብያን ኮይነን ንረኽበን። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ካብተን ሰለስተ ብኲናት ዝሕመሳ ዘሎዋ ሃገራት ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶማልን ዝወጹ እዮም። ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ኣብ ግንባር ቀደም ዝተሰርዓ ከም ቱርኪ፡ ፓኪስታን፡ ሊባኖስ፡ ኬንያን ዲሞክራስያዊ ረፓፕሊክ ኮንጎን ዝበላ ሃገራት እቲ ጠገለ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ጽቕጠት ፈጢርለን ከምዘሎ የተሓሳስባ ኣለዋ። ኣብ 2015 ካብዝተሰዱ እቶም ፍርቂ ዝኾኑ ቈልዑ ብምንባሮም ኣብ መጻኢ ወሎዶታት ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ይጥቀስ ኣሎ። ንቅልውላዉ ፍልሰት ብኣግኡ ፍታሕ ዘይምንዳይ ካልእ ግጭት ኣኸቲሊ ተወሳኺ ዋሕዚ ስደት ከየስዕብ ስግኣት ከምዘሎዎ እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዉሑዱ 10% ንዝኾኑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ዳግመ ጥየሳ ዕድል ንኽህብ ድማ International Crisis Group ተላብዩ። እቲ ዉድብ ኤርትራ ንእትርከበን 10 ሃገራት ኣመልኪቱ ንጠንቂ ስደትን ህልው ኩነታትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ዝስዕብ ድማ ይቐርብ።
ኤርትራ ትርከበን ብሕቡራት መንግስታት ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘፍርያ 10 ሃገራት ምዃነን ኣብ ዝተገልጻ ሃገራት ንጠንቂ ስደት ኣመልኪቱ ብInternational Crisis Group (ICG) ዝተባህለ ዉድብ መጽናዕቲ ተሰላሲሉ። ኣብዚ እዋን እዚ ብደርጃ ዓለም 65 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ብሰሪ ኲናት ካብ መረበቱ ምዝንባሉ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ምዃኑ ይግለጽ። International Crisis Group ምንጪ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብምዃነን ዘተኮረለን 10 ሃገራት ብቕደም ስዓብ ምስእንምልከት፥ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊ ረፓፕሊክ ኮንጎ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፓፕሊክ፡ ማይንማር፡ ኤርትራን ኮሎምብያን ኮይነን ንረኽበን። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ካብተን ሰለስተ ብኲናት ዝሕመሳ ዘሎዋ ሃገራት ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ሶማልን ዝወጹ እዮም። ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ኣብ ግንባር ቀደም ዝተሰርዓ ከም ቱርኪ፡ ፓኪስታን፡ ሊባኖስ፡ ኬንያን ዲሞክራስያዊ ረፓፕሊክ ኮንጎን ዝበላ ሃገራት እቲ ጠገለ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ጽቕጠት ፈጢርለን ከምዘሎ የተሓሳስባ ኣለዋ። ኣብ 2015 ካብዝተሰዱ እቶም ፍርቂ ዝኾኑ ቈልዑ ብምንባሮም ኣብ መጻኢ ወሎዶታት ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ይጥቀስ ኣሎ። ንቅልውላዉ ፍልሰት ብኣግኡ ፍታሕ ዘይምንዳይ ካልእ ግጭት ኣኸቲሊ ተወሳኺ ዋሕዚ ስደት ከየስዕብ ስግኣት ከምዘሎዎ እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዉሑዱ 10% ንዝኾኑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ዳግመ ጥየሳ ዕድል ንኽህብ ድማ International Crisis Group ተላብዩ። እቲ ዉድብ ኤርትራ ንእትርከበን 10 ሃገራት ኣመልኪቱ ንጠንቂ ስደትን ህልው ኩነታትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ዝስዕብ ድማ ይቐርብ።