- ስራሓት ስነ ጥበብ ደቀባት ብሕጊ ሓለዋ ኣለዎም ዶ?
- ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ብሓላፍነት ብኸመይ ክዕድግ እኽእል ?
- ሓቀኛ፡ ብስነ ምግባኣር ዝሽየት ስነ ጥበባዊ ስራሓት ደቀባት ኣበይ ከይደ ክገዝእ እኽእል?
- ነቶም ስራሓት ስነጥበብ ደቀባት ዝሸጡ ክገዝእ ከለኹ እንታይ ኢለ ክሓቶም ይግባእ?
- ኩሎም ናይ ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራት ስራሓት ስነጥበብ ሓደ ድዮም?
ሓቀኛ ናይ ድቀባት ጥበባዊ ስርሓት ዓቢ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ክብሪ ከም ዘለዎ'ዩ ዝሓሰብ ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኣካል ናይ "ቲ ንልዕሊ 60,000 ዓመታት ብ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ባህላዊ ውርሻ ስለ ዝዀኑ እዩ ።
ፍቓድ ዋንነት ደቀባት ባህላዊን ኣእምሮኣዊን (ICIP) ንኹሉ መዳያት ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደራት ህዝብታት ባህላዊ ፍልጠትን ባህላዊ መግለጺታትን ዝሽፍን እዩ ።
ምልክታትን ንድፊታትን ገለ ካብቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ዓይነት ኣይ.ሲ.ኣይ.ፒ እዩ ።

ኣብ Quandamooka IP ጠበቓ ዝዀነት ስቴፋኒ ፓርኪን "ICIP ግን ልዕሊ ስነ-ጥበብ ስርሓት እዩ" ብምባል ትገልጽ ።
"ICIP (ፍቓድ ዋንነት ደቀባት ባህላዊን ኣእምሮኣዊን) ንዅሉ እቲ ክትርእዮ ዘይትኽእል ነገራት ፡ ብድሕሪ ስእሊ ዘሎ ዛንታ ፡ ኵሉ እቲ ነዚ ስራሕ እዚ ንኺፈጥርን ንስነ-ጥበበኛ ጸልይዎ ዝነበረ ነገራትን ፡ ታሪኾም ንኺነግርን የጠቃልል ።"
ኣሰራርሓታትን ትርጕማትን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብዙሕ ፍልልይ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሓሳባት ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ።
መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንICIP ንምክልኻል ፍሉይ ሕጊታት ንምትእትታው ይሰርሕ እዩ ፡ "እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብሓሶት ስራሕ ጥበባት ንምቅላዕን ሸቐጥን ንዝስዕብ ጉድኣት ንምምካት እዩ ። "እዚ ሓለዋታት ሕጂውን ኣብ ምምዕባል ዘሎ እዩ ።
ስተፋኒ ፓርኪን ኣደ መንበር ናይ ደቀባት ሕጊ ጥበብ (Indigenous Art Code) እያ ፣ እዚ ሃገራዊ ትካል "ዚ ፡ ኣብ 2007 ን ስነ-ጥበባውያንን ንስራሓት ስነ-ጥበባውያንን ብወለንታኦም ብናይ ኢንዱስትሪ ፍቓድ ንዝሰርሑ ትካላትን ነጋዶ ስነ-ጥበብን ብሕጊ ንምክልኻል ፡ ድሕሪ ናይ ሰነት መርመራ ዝቖመ እዩ ።
ናይ ሓሶት ስነ-ጥበብ ጕዳይ ን ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ እዩ ። እዚ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበበኛታት ገንዘባዊ ጽልዋ ምግባር ጥራይ ኣይኮነን ፡ ንማሕበረሰብ 'ውን ባህላዊ ጉድኣትን ጽልዋታትን ኣለዎ ።Stephanie Parkin
ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደራትን ብሓላፍነት ብኸመይ ክዕድግ እኽእል ?
ሳሬታ ፊልዲንግ ስነ-ጥበበኛ ፡ ነዳፊትን ነጋዲትን ካብ ህዝቢ ወናሩኣ እያ ፣ ኣብ ቦርድ ዳይረክተራት ሕግታት ስነጥበብ ደቀባት ኣገልጊላ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ደቀባት፡ ሓደ ስነጥበባዊ ስራሕ ክትዕድግ ከሎኻ ናይ ብሓቂ ስነምግባራዊን ባህላዊ ጉዕዞን እዩ" ትብል ።
ሚስ ፊልዲንግ ንዓደግቲ ሰለስተ ኣገደስቲ ስጕምትታት ዘርዚራ ኣላ ፦
- ሓቅነት እቲ ስራሕ ኣረጋግጽ
- ምስ ስነ ምግባር ዘለዎ ንግዲ ከምዝተሓሓዝ ኣረጋግጽ
- ግቡእ ሕቶ ሕተት።

ሓቀኛ ፈጠራታት ደቀባትን ሸቐጥን ብደቀባት ስነ-ጥበበኛታት እዩ ዝስራሕ ፣ ምስ ሃገር እተተሓሓዘ ወይ ምስ ፍቓድ ስነ-ጥበበኛ ዝተሓሓዝ ድማ እዩ ።
ብስነ ምግባራዊ መገዲ ምዕዳግ ፡ ቊጠባዊ ውሕስነት ንፈጠራትን ንማሕበረሰቦምን ከም ዝጠቕሞም የረጋግጽ ።
ብዛዕባዚ ክንፈልጠሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ ፣ እዚ ድማ ብቐጥታ ካብቶም ስነ-ጥበባውያን ፡ ካብ ምርኢት ናይ ደቀባት ስነጥበብ ፡ ወይ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከባ ልዕሊ 100 ማእከላት ስነ ጥበብ ደቀባት ምዕዳግ የጠቓልል ።
ከምኡ "ውን ኣብ ዕዳጋ፡ ጋላሪ ወይ ኣብ ወብ ሳይት ናይ እንዳ ደቀባት ኮድ ናይ ኣርት ጸሊምን ቀይሕን ኣርማ ዘንጸባርቕ ናይ ንግዲ ፡ ጋለሪ ወይ ናይ ኢደ-ጥበብ ሸያጢ ከተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም ። እዚ ከኣ ምስ ስነ-ጥበባውያን ብፍታው ዝግበር ናይ ስነ-ምግባር ንግዲ ዘመልክት እዩ ፣ እዚ ድማ ነቲ ሸማታይ ውሕስነት ዝህብ እዩ ።
![Aboriginal Art Co 02[36] copy.jpg](https://assets.sbs.com.au/09/d0/1a3f2ed542e6af286b779ea5658a/aboriginal-art-co-0236-copy.jpg?imwidth=1280)
መበቆላዊ ስነ-ጥበብ ክትዕድግ ከለኻ ይኹን ፍቓድ ዘለዎ ናይ ምፍራይ ንድፊ ክትዕድግ ከለኻ: ብዛዕባ እቲ ስነ-ጥበባዊ: ምስ ሃገር ዘለዎ ምትእስሳር ከምኡውን ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘሎ ነገራት ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ ።
ስነ-ጥበባዊት ሳሬታ ፊልዲንግ "ነዚ ሓበሬታ እዚ ሒዝካ ግቡእ ሕቶታት ምሕታት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እዩ" ትብል ።
ኣብቲ Indigenous Art Code’s website ዝርከብ ምኽሪ ክትስዕብ ሓሳብ ኣቕረበት ።
በዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ ፦
- እቲ ስነ ጥበባዊ መን'ዩ?
- እቲ ስነ ጥበባዊ ካበይ እዩ?
- እቲ ስነ ጥበባዊ ብኸመይ ይኽፈል?

ስነ-ምግባራዊ ምዕዳግ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይስላንደርን ንስነ-ጥበብን ስነ-ጥበበኛታት ማሕበረሰባት ዕምቆትን ብዙሕነትን ናይ ውርሻታቶም ከም ዝሰፍሐ ከረጋግጹ ይኽእሉ ።
መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ክትዕድግ ከለኻ: እዚ ንሕብረተሰቦም እውን ዝጠቅም እዩ ።Saretta Fielding
ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ስነ-ጥበብ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኣሸሓት ዓመታት ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን እዩ።
ብእተፈላለየ መልክዕን ቅድን እዩ ዝርከብ ፣ እዚ ከኣ ዳርጋ ብማዕረ ነቲ ብኣማእታት ዝቝጸር እተፈላለየ ቛንቋታትን ባህልን ዘንጸባርቕ እዩ ።
ኣብ መደምደምታ ሚስ ፊልድንግ ፡ ብዛዕባ እቶም "ስነ ጥበበኛታት ኣቦርጅን ሓደ እዮም" ዝብል ግጉይ ኣረኣእያታት ተጠንቀቕ ።
"ካብ ዞባ ናብ ዞባ ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ከተማታት ብዙሑነት ኣለና ። ንመበቆላዊ ስራሓት ስነ-ጥበብ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ንሰርሕ ኣለና "ኢላ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au




