Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

መጽናዕቲ ህዝቢ (Census) 2026 : ከም ተቖጸርኩም ንምርግጋጽ ክትገብርዎ ዝግባእ ነገራት፡

Census other dwelling visits_credit ABS.jpg
The Census is compulsory to complete for everyone in Australia. Credit: ABS

ናይ 2026 ቆጸራ ህዝቢ ሰሉስ 11 ነሓሰ እዩ ፡ ኣብዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቝጸር ኣለዎ ። ሓበሬታ ቘጸራ ህዝቢ ኣበይ ከም እንነብር ፡ ኣብ ቤትና እንጥቀመሉ ቛንቋታት ፡ ዘድልየና ሓገዝን ኣወስትራልያ ከም ህዝቢ ብኸመይ ትልወጥ ከም ዘላን ንምርዳእ ዘገልግል እዩ ። ምቝጻር ማሕበረሰብካ ፣ ባህሊኻን እምነትካን ከም ዝውከል ይገብር ። ነቲ ዝግበር ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ቤትኩም ብኸመይ ከም እትምልእዎ ኣብዚ ክግለጽ እዩ ።


Published

By Melissa Compagnoni

Source: SBS



Share this with family and friends


ናይ 2026 ቆጸራ ህዝቢ ሰሉስ 11 ነሓሰ እዩ ፡ ኣብዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቝጸር ኣለዎ ። ሓበሬታ ቘጸራ ህዝቢ ኣበይ ከም እንነብር ፡ ኣብ ቤትና እንጥቀመሉ ቛንቋታት ፡ ዘድልየና ሓገዝን ኣወስትራልያ ከም ህዝቢ ብኸመይ ትልወጥ ከም ዘላን ንምርዳእ ዘገልግል እዩ ። ምቝጻር ማሕበረሰብካ ፣ ባህሊኻን እምነትካን ከም ዝውከል ይገብር ። ነቲ ዝግበር ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ቤትኩም ብኸመይ ከም እትምልእዎ ኣብዚ ክግለጽ እዩ ።


እዚ መናዕቲ ብዛዕባ ቆጸራ ህዝቢ ጥራይ ድዩ?

ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ (ABS) ናይ ኣውስትራሊያ ኣብ ውሽጢ ኣውስትራሊያ ንዝነብሩ ሰባትን ቤተሰብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ይቖጽር ። እዚ ከኣ ቈጸራ ህዝቢን ኣባይትን ተባሉ ወይ መጽናዕቲ ወይ ሰንሰስ ተባሂሉ ይፍለጥ ።

እቲ ዝእከብ ሓበሬታ ነቲ ከባቢኻ ወይ ማሕበረሰብካ ዝረኽቦ ኣገልግሎት ቅርጺ ንኽህልዎ ይሕግዝ ።

ናይ ABS Census ሃገራዊ ወሃቢ-ቃል ኤሚሊ ዋልተር እቲ ምቑጻር ህዝቢ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝዓበየ ምእካብ ሓበሬታ ከምዝኾነን ገለ ኣዚዩ ጠቓሚ ዝኾነ ኣሃዛዊ ትሕዝቶ እታ ሃገር ከምዝህብ ትገልጽ ።

"መን ምዃንና ዝሕብር መስርሕ እዩ: ምስ ግዜ ብኸመይ ንለዋወጥ ከም ዘለና'ውን ዘርኢ እዩ" በለት ። እቲ ቆጸራ ህዝቢ ብዛዕባ ጥዕና ፡ ትምህርቲ ፡ ባህላዊ ድሕረ ባይታ፡ ስራሕን ዝምልከት ሕቶታት ይሓትት ፡ በዚ ድማ ብዛዕባ ቊጠባዊ ፡ ማሕበራውን ባህላውን ኩነታት ኣውስትራልያ ሰፊሕ ስእሊ ይህብ ።"

ሓበሬታ ቆጸራ ህዝቢ ፡ ንውልቀ-ሰባት ፡ ንስድራ-ቤታትን ንማሕበረሰብን ፡ ኣበይን መዓስን ከም ዘድሊ ፡ ግቡእ ኣገልግሎትን ትሕተ ቅርጽን ከም ዝረኽቡ ይገብር ። እዚ ናይ ቛንቛ ኣገልግሎታት ፣ ቤት ትምህርቲ ፣ ሓለዋ ጥዕና ፣ ናይ ማሕበረሰብ ፕሮግራማት ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያን ናይ ሰፈራ ደገፍ ዘካተተ እዩ ።

Census form delivery_credit ABS.jpg
Census Field Officers will help ensure everyone is counted by following up with households that haven’t completed their Census. Credit: ABS

መን'ዩ ነዚ ቆጸራ ክመልኦ ዘለዎ?

፡ ኣብ ናይ ቈጸራ ህዝቢ ምሸት ፡ ማለት ኣብ 11 ነሓሰ 2026 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ሰብ ክቝጸር ኣለዎ ።

ነቲ ቘጸራ ህዝቢ ምምላእ ናይ ግድን እዩ ። እዚ ማለት ከኣ ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ክትሳተፍ ኣለዋ ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ክቑጸር ኣለዎ ማለት እዩ ።

"እዚ ንኣህጉራውያን ተመሃሮ ፡ በጻሕቲ ፡ ቪዛ ንዝሓዙን ንህጻናትን ዘጠቓልል እዩ ። ገሊኣቶም ሰባት ኣብቲ ቘጸራ ህዝቢ ዝግበረሉ ንህጻናት ኣይሓስብዎምን እዮም! " ትብል ሚስ ዋልተር ።

ናይ ቤተ ሰብኩም ምምላእ ቘጸራ ህዝቢ ኽትውድኡ ከለኹም ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤትኩም ዝህልዉ ሰባት ከተካትትዎም ኣለውኩም ።

ኣብቲ ቆጸራ ዝግበረሉ ለይቲ ኣብ ገዛ እንተ ዘየለኹ'ኸ?

ኣብ 11 ነሓሰ 2026 ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ኣሊኻ ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኽትመልእ ኣየድልየካን እዩ ።

እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ኣውስትራሊያ ትጉዓዝ እንተለኻ ፤ ንኣብነት ምስ መሓዙት ኣብ ካሚንግ እንተለኻ ወይ ኣብ እንዳ ብጻይካ እንተሓዲርካ ነቲ ቆጸራ ህዝቢ ፎርም ( complete the Census wherever you are. ) ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ክትመልኦ ኣለካ ። እቲ ቘጸራ ህዝቢ ፡ ኣበይ ከም እትነብር ንዚሕተት ሕቶ እውን ዘጠቓልል እዩ ።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ ክትውድኦ ኣየድልየካን እዩ ፣ መልስታትካ ግና ፡ ኣብ 11 ነሓሰ 2026 ኣበይ ከም ዘለኻ ዝሕብር ክኸውን ኣለዎ ። ነቲ መምርሒ ምስ ተዋህበካ ቀልጢፍካ ኽትመልኦ ትኽእል ኢኻ ።

እንታይ ዓይነት ሕቶታት እዩ ክሕተት?

ኣብቲ ቘጸራ ህዝቢ ዝካየደሉ ምሸት ፡ መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኣገባብ ቈጸራ ህዝቢ ብኸመይ ከም ዝውድኦ ዝገልጽ ደብዳበ ኺበጽሐን እዩ ። ገለ ስድራቤታት ዝምላእ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ክረኽባ እየን።

Completing a paper Census form_credit ABS.jpg
You can complete the Census online, on paper, or with help from Census staff. Credit: ABS

ሚስ ዋልተር ከምትገልጾ፡ እቲ ቘጸራ ህዝቢ ብዛዕባ ጥዕና: ትምህርቲ: ስራሕ: ከምኡውን ብዛዕባ ካልእ ጕዳያት ዝምልከት ሕቶታት ዝሓዘ ኰይኑ: ብዛዕባ ሓንቲ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ሰፊሕ ስእሊ ይህብ ።

"ሓደ ሰብ መበቆሉ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሪት ኣይላንደር ምዃኑን ፣ ኣብ ገዛ ዝዛረቦ ዕይነት ቋንቋ ፣ ትውልዲ ዓድን ናይ ወለዲ ትውልዲ ዓዲ፡ መበቆልን ሃይማኖትን ፣ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተውሉ ዓመት ፣ ከምዚ ዓይነት ኣርእስትታት ዝሓዘ እዩ ።"

ብዛዕባ እቲ ዝህቦ ናይ ዉልቀይ ሓበረታታት ምክፋል ዘሰክፈኒ እንተኾነ'ኸ?

ምስጢራውነትካ ንምሕላው መኸልከሊ ዝኸውን ኣብ ቦትኡ ሓለዋታት ኣለዉ ።

እቲ ቘጸራ ህዝቢ ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ዘይኰነስ ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ መላእ ህዝቢ ዝርከብ ሓበሬታ እዩ ።

እቲ ቆጸራ ፡ ስምካን ኣድራሻኻን ነቲ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝርከብ ልክእ ሓበሬታ ንምድጋፍ ይሓትት ። ኣስማት ኣብ መጀመርታ እቲ መስርሕ ካብ ካልእ ዝርዝራት ሓብሬታ ይፍለ እዩ ።

ሓበሬታ ቘጸራ ህዝቢ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ፡ ንዝዀነ መንግስታዊ ትካል ወይ ንኻልእ ሰብ ኸነካፍል ብሕጊ ኣይፍቀደናን እዩ ።
Emily Walter

እዚ ማለት እቲ እትህቦ ሓበሬታ ምስጢራዊ ኮይኑ ፡ ብጽኑዕ ዝሕሎ ከምኡ "ውን መንነትካ ንምፍላጥ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል ማለት እዩ ። ብዘይካ ABS ካልእ ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ዝርከቦም ውድባት ፡ ብዛዕባ ናይ ቆጸራ ህዝቢ ቅጥዒ ዝሓዝካዮ ውልቃዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይክእሉን ።

ሕቡእ መንነት ዘለዎ ሓበሬታ ቆጸራ ህዝቢ ፡ ብማሕበረሰብ ፡ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ፡ ናይ ንግዲ ትካላትን መንግስታትን ይጥቀሙሉ እዮም።

Welcoming Australia ሓደ ካብዞም ትካላት እዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ምስ ዝርከቡ መንግስታት: ምስ ስፖርት ክለባት: ምስ ዩኒቨርሲቲታት: ከምኡውን ምስ ናይ ስራሕ ቦታታት ይሰርሑ ።

ናይ Welcoming Australia ሓላፊ ኣሊም ዓሊ ፡ እቲ ብቕንዕና እትህቦ ምላሽ ስለምንታይ ከም ዘገድስ ይገልጽ ።

"ቋንቋኻ ፡ እምነትካ ፡ ባህልኻ ብንጹር እንተ ዘየመዝጊብካ ፡ እቶም ዚምውሉልካ ሰባት ኣይርእዩኻን እዮም ።"

Census follow-up visits_credit ABS.jpg
Census Field Officers can follow up with households that haven’t completed the Census. Credit: ABS

ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ?

ንኹሉ ሕቶታት ቆጸራ ህዝቢ ብትኽክል ምምላስ ድምጽኻ የረጋግጽን ማሕበረሰብካ ይጠቓለልን ፡ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ናይ ማሕበረሰብ ማእከላት ፡ ናይ ቋንቋ ሓገዝን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ውጥን ከውጽኡ እንከለዉ ነዚ ኣብ ግምት የእትዉ ።

ሚስተር ዓሊ ፡ ኵሎም ሰባት ነቲ ሕቶታት ብቕንዕናን ብልክዕን ክምልሱ ተማሕጺኑ ኣሎ ።

እቲ ተሳትፎ ብዛዕባ ክትረአን ክብርኻ ምሕላው ምርግጋጽ እዩ: በዚ ድማ ሕብረተሰብካ ዝግብኦ ጸጋታት ይምደበሉ።
Aleem Ali

ፒተር ዱካስ ኣቦ መንበር ፈደረሽን ኤትኒክ ኮሚኒቲ ካውንስ ኣውስትራሊያ (FECCA) እዩ ።

ንሱ ፡ ከም FECCA ዝኣመሰሉ ማሕበረሰባዊ ትካላት ፡ ሓበሬታ ቘጸራ ህዝቢ ብቛንቋ ንምድላው ምስ ABS ይተሓባበሩ እዮም ይብል፡

"ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ስቪክ ናብራ ምዃኑ ንኽርድኡ ምሕጋዝን እዩ" ።

አለም ዓሊ ናይ ቆጸራ ህዝቢ ሓበሬታ ንWelcoming Australia ዓቢ ግደ ኣለዎ.. "ምኽንያቱ ነቶም እንሰርሓሎም ትካላት ዝያዳ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎምን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንሰርሕን ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብዝበለፀ ክንሰርሕ ስለዝሕግዘና እዩ" ይብል ።

AU21-P00001379-07_Census_IngerGen_Family_HowTo_RGB.jpg
Credit: ABS/CHRIS BUDGEON PHOTO

ሓበሬታታት መጽናዕቲ ህዝቢ ንማሕበረሰብ ሕብረ ብዙሕ ባህሊ እንታይ ረብሓ እዩ ዘለዎ?

እቲ ቘጸራ ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ናይ ሓቂ ጽልዋ ኣለዎ ።

እቲ ትህቦ ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ጕጅለታት ፣ ናይ ንግዲ ትካላትን መንግስታትን ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብኻ ዝረኽቦ ዓይነት ግልጋሎትን ደገፍን ኣብ ሓበሬታ ተሞርኩሶም ንክውስኑ ይሕግዞም ።

አሊም ዓሊ ናይ ቆጸራ ህዝቢ ሓበሬታ ከም ህዝቢ መን ምዃንና ዘርኢ ካርታ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ።

"ንኣብነት ፡ እቲ ሓበሬታ ትሑት ናይ እንግሊዝኛ ክእለት ኣብ ዘለዎ ውሱን ቦታ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ምስ ዘርኢ ፡ እዚ መርትዖ እዚ ኣብ" ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ፡ ከም ናይ ቋንቋ፡ ክንክን ጥዕናን ናይ ትርጉም ኣገልግሎትን ንዝኣመሰሉ ነገራት ንምድጋፍ የገልግል ። ብዘይካዚ ፡ ባህላዊ ምኽርን ምወላን ዕሽሽ ዘይንብሎ ል ሕቡእ ማሕበረ ሰብ ከም ዘሎ ንኸነለሊ ይሕግዘና እዩ "።

እቲ ዓቢ ስእሊ ክትሪኢ እንከሎኻ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ብዙሕ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ ነዚ ንምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ።

"ንኣብነት: ዝያዳ ዝደልደሉ ማሕበረሰባት ኣብ ከም ደገፍ ንኣረጋውያን ዝ ኣመሰሉ ፍሉይ ድሌት ክህልዎም ይኽእል እዩ: ሓደስቲ መጻእቲ ግን ናይ ቋንቋ ሓገዝ ኸድልዮም ይኽእል እዩ ወይ ውን ከም መንበርን ቤት ትምህርትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ከድልዮም ይኽእል እዩ" ይብል ሚስተር ዱካስ ።

Census engagement staff 2_credit ABS (1).jpg
You can receive in-person help at Census pop-up hubs.

ምስ'ዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝ ሓገዝ ይርከብ ዶ?

ዕለት ቆጸራ ህዝቢ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ABS . ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ምስ ዝርከባ ውድባት ፡ ናይ ንግዲ ትካላትን ማሕበረሰብ ጉጅለታትን ይሰርሕ ኣሎ ፡ በዚ ድማ ሰባት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይኖም ቆጸራ ህዝቢ ክመልኡ ከምዝኽእሉ ምርግጋጽ እዩ ። እዚ ንከተማታት ፣ ንክልላትን ንርሑቕ ከባቢታትን ዝሽፍን ኮይኑ ካብ ገዛኦም ንዝርሕቁ ሰባት እውን ኣብቲ ቆጸራ ከምዝ ኣትዉ ንምርግጋፅ እዩ ፡ ንኣብነት ኣብ ሆቴላት ፣ ሆስፒታላት ፣ መዓስከራትን መናፈሻታት ኣብ ጉዕዞ ንዝርከቡ ደገፍ ይግበረሎም እዩ ።

ሚስተር ዓሊ ከምዝብሎ ፡ ABS. በረርቲ ፅሑፋት ፡ ናይ ኣውድዮ መምርሒታት ከምኡ 'ውን ናይ ቪዲዮ ሓገዝ ብዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ከርብ እዩ ።

"ናብ ወግዓዊ ናይ ህዝቢ ቘጸራ ህዝቢ ቦታታት ብ ኣካል ብምኻድ ፣ ብመገዲ ናይ ቈጸራ ህዝቢ ማእከል ኣቢሉ እውን ናይ ቴሌፎን ሓገዝ ኣሎ ። ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ ድማ ናይ TIS National ኣገልግሎት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ። "

ስለዚ ፡ እታ ቘጸራ ህዝቢ ዝግበረላ ምሸት ሰሉስ 11 ነሓሰ ምዃና ኣይትረስዑ ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ እንተኾይንካ ፣ ከምዝተቖጸርካ ኣረጋግጽ ።

ንኽትመልኦ ሓጺር ግዜ ጥራይ እዩ ዝወስድ ፡ እቲ እትህቦ ሓበሬታ ግን ንዝመጽእ ዓመታት ንማሕበረሰብካ ዝህቦ ኣገልግሎትን ደገፍን ኣብ ምቕራጽ ዝሕግዝ እዩ።

For more information about the Census, visit the Census website. For in-language information or support, visit the Language support page.

This content was produced in partnership with the Australian Bureau of Statistics.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now