ንኩልኹም በዓል ልደት ተብዕሉ ኣመንቲ ክርስትና ካብ’ዚ ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። እዚ ንትርጉም፣ ኣገባብ ኣበዓዕላን መልእኽትን ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን በዓል ልደትን ዝምልከት ትሕዝቶ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ካብ ኣደላይድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን መምህር ብሩክ ገብረሊባኖስ ካብ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርንን ካብ ዝሃቡና ሰፊሕ ትሕዝቶ ተጾሚቑ ዝቐርብ ዘሎ'ዩ።
Share





