SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (27 ነሃሰ 2026)

SBS Tigrinya News
Source: Getty / Getty Images

ንሎሚ 27 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 27 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


በሃር ድምጻዊት 'ካንትሪ ሙዚክ" ዶሊ ፓርትን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ ።

ንሳ ብናይ ነዊሕ ዕድመ ከም ደራሲት ሙዚቃ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገባር ሰናይ: ብምምዕባል ቤተ-መጻሕፍቲ'ውን ተዘኪራ ትነብር እያ። ታሪኽን ሓድግን ዶሊ ፓርተን ምልስ ኢልና ክንርእዮ ኢና።

ፍሉጥ ብጊታር ናይ ትግርኛ ዘያማይ ዮሱፍ ስዒድ’ውን ኣብዚ ሰሙን ማለት ዕለት 24 ነሓሰ 2026 ካብዚ ዓለም ድኻም ኣዕሪፉ ኣሎ። ንዝኽሩ ቅድሚ ሕጂ ምሳና ኣብዚ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መሊስና ናባኹም ከነብሎ ኢና።

ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና’ውን ኣለና።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ : ደገፍ ኣውስትራልያ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝጭበጥ ውጽኢት የምጽእ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 25 ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ኣብ ትግራይ ድጋፈን ገሊፀን።

ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ፅባቐ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ዓለማዊ ውድድር ብህዝቢ ብዝወሃብ ድምጺ ትመርሕ ኣላ። ኢትዮጵያዊት ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ድማ ብካልኣይ ደረጃ ትስዕብ ኣላ።

ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

ኣርእስታት ዜና፥

 ኢራን በቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መጻብቦ ሆርሙዝ ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ፡ ምስ ዖማን ኣብ ግዝያዊ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ ።

ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርከብዎም 500 ሰባት ድማ ጠፊኦም ኣለዉ።

ብሪጣንያዊ ማቲው ብርናን ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ቮሉታ ኣ ስጳኛ ንፈለማ እዋን ናይ ግራንድ ቱር ተዓዊቱ።

 

Check out our podcast collection here


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now