SBS News Podcasts ጠዊቕኩም ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑን ዝለዓለ ቆላሕታ ዝሰሓቡ ኣርእስታት ተኸታተሉን
ቅዳሕ (TRANSCRIPT):
ኣብ 1980ታት ፓብሎ ኤስኮባር ኣብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ኮሎምቢያ ዘይምሕር ጎይታ ምስግጋር ሓሽሽ/ዕጺ ተባሂሉ ህቡብነት ፈጢሩ’ዩ።
ኣብ መወዳእትኡ ኣብ 1993 ተቐቲሉ።
ጸብጻብ ዜና: "ሓደ ንጉስ ዕጺታት ንዓመታት ሓደ ካብ ዓለም ኣዝዩ ዝድለ ሰብ ሎሚ ኣብ ኮሎምቢያዊት ከተማ መደይን ብፖሊስ ኮሎምቢያ ብተዂሲ ተቐቲሉ።"
ሎሚ’ውን እንተኾነ ኮሎምቢያ ነቲ ናቱ ታሪኻዊ ኣሰርን ሓድግን ትቃለሶ ኣላ።
ብፖለቲካዊ ጎነጽ ወይ ዕግርግር ጥራይ’ውን ኣይኮነን - ግን ብኸባቢ።
ኤስኮባር ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ ሓያልነቱ ኣርባዕተ ጉማሬታት ናብ ኮሎምቢያ ብምእታውን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ዝውንኖም ኣባይቲ ድማ ንዕኦም ዝኸውን ንእሽቶ መካነ እንስሳ ብምግባርን ዕሉል’ዩ።
ኮሎምቢያዊ ትሮፒካዊ ሓኪም እንስሳታት ካርሎስ ቫልዴራማ እቲ ብዝሖም ካብ ሽዕኡ ንደሓር ብዘይምቁጽጻር ዓቢዩ - ዓበይቲ ከባብያዊ ጸገማት ድማ ይፈጥሩ’ለዉ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ኣብ’ቲ ዘለውዎ ከባቢ ነቲ ደቂቕ ሑጻ ኣብ’ቶም ቀላያትን ሓጽብታትን ይውስኽዎ። ስለ’ዚ ብመሰረቱ፣ ንብዙሓት ዝተፈላለዩ ስርዓተ ህይወታት ይጸልውዎምን እቶም ኣብ’ቶም ማያት ዝርከቡ እንስሳታት ድማ ብምኽንያት’ዚ ኩነታት እናተጸልዉ ይርከቡ።"
ኮሎምቢያ ኣዋርሕ ይገብር ምስ ሸሞንተ መንግስታት ዝርርብ ጀሚራ - ንህንዲ፣ ሜክሲኮ፣ ፊሊፒንስ፣ ኢኳዶር፣ ፔሩን ደቡብ ኣፍሪቃን ዘካተተ ማለት’ዩ - ንገለ ካብ’ቶም እንስሳታት ከም ተኽእሎ ናብ መካነ እንስታት ወይ መዕቆቢታት’ቶም ሃገራት ክሰጋገሩ።
እንተኾነ ግን እቶም ዘድልዩ ፈቓዳት ክርከቡ ኣይከኣሉን፣ ገለ ትካላት ድማ ምርባሕ ነንሓድሕድካ ኣብ’ቶም ጉማሬታት ኮሎምቢያ ጉድለታት ዘርኢ ወይ ጀነቲክ ዲፈክትስ ስለዝፈጠሩ ኢለን ምግዳስ ገዲፈንኦ።
ሚኒስተር ከባቢ ኣይሪን ቨለዝ እቲ መንግስታ ዝያዳ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ተሃንጢዩ’ሎ ትብል።
"መስርሕ ምሃብ መደንዘዚ ንእዝዝ ኣለና እቶም ሰብ መዚ ከባቢ፣ ንከምዚኦም ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ቀጥታዊ ሓላፍነት ዘለዎም፣ ካብ ስነፍልጠታዊ መኣዝን ዝምልከትዎ መጽናዕታዊ ትካላት ተሓጊዞም፣ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዝሖም ክቕንስ ናይ ምግባር ተግባር፣ ከተግብርዎ መታን ክኽእሉ። ብዘይ’ዚ ተግባር፣ ብዝሖም ክትቆጻጸሮ ዘይከኣል’ዩ፣ ኣብ’ቶም ግምታት ከምዝረኣናዮም ድማ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ብውሑዱ ንስርዓተ ህይወትና ዝጸልውዎን ንከም በዓል ማናቲስ ዝተባህሉ ኣብ’ትቲማይ ዝሕንብሱ እንስሳታትን ጎብየ ሩባታትን ዝኣመሰሉ መበቆላውያን ዓሌታት ከይጎድእዎምን፣ ብውሑዱ 500 ጉማሬታት ክህልዉና’ዮም።"
እቲ ውሳነ ምቕታል እንስሳታት ብምውጋእ ነታ ሃገር መቓቒልዋ’ሎ፣ ገለ ዘይልሙዳት ጠለባት’ውን ስሒቦም ኣለዉ።
እቲ መግለጺ ካብ ዝወሃብ ንደሓር፣ ወዱ ንሓደ ህንዳዊ ቢልዮነር ክሳብ 80 ዝኾኑ ጉማሬታት ካብ ኮሎምቢያ ናብ ናይ ውልቁ ኣባይቲ ኣብ ጉጃራት፣ ህንዲ፣ ከግዕዞም ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣናንት ኣምባኒ - ወዱ ነቲ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ዝሃብተመ ሰብ ሙከሽ ኣምባኒ - መታን ክድሕኑ ነቶም እንስሳታት ኣብ’ቲ ናይ ውልቂ መካነ እንስሳታቱ ክቕበሎምን ክከናኸኖምን ፈቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ኮሎምቢያ ግን፣ ሰነተር ኣንድሪያ ፓዲያ ነዚ ናይ ምቕታል መስርሕ ተቓዊማቶ።
"እቲ ብሓደ መሰጋገሪ ዕጺ፣ ጨዋይን ቀታልን ሰብ ዝተገድፈልና ሓድጊ’ዩ፣ ስለ’ዚ ከመይ ኢልና ደኣ ኢና ነዚ ምዕራፍ ብተመሳሳሊ ኣገባብ (ማለት ነቶም ጉማሬታት ተኲስካ ብምቕታል) ክንዓጽዎ፧”]]
እንተኾነ ግን ብዓይኒ’ቲ ንዓመታት ነዚ ማህሰይቲ ክቆጻጸሮ ክቃለስ ዝጸንሐ መንግስቲ ኮሎምቢያ፣ ቀለልቲ ዝበሃሉ መልስታት የለዉን።
ንተራ ኮሎምቢያውያን ጉዳይ ቁጠባዊ ህላወ’ዩ።
ገሊኦም ህላወ ናይ’ቶም ጉማሬታት ምስ’ቲ ናብርኦም ክምእርሩ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከሰናኽልዎም ጸኒሖም፣ ዋላ’ኳ ገለ ውሑዳት ንረብሓኦም ከውዕልዎ እንተፈተኑ።
ሓያለ ድሕሪ ቀትሪታት ኣብ ሓደ ሰሙን፣ ኮሎምቢያውያንን ወጻእተኛታት በጻሕን ዝመልኣ ጀላቡ ነቲ ገማግም ባሕሪ ክቓንይኦ ይመጻ፣ ኣብ’ቲ ጨፈቃ ዝመልኦ ማይ ምልክታት ክርእዩ ይጽበዩ - ግን እዚኦም ምንፋሳት/ምዝዋራት ሓደ ሓደ ግዜ ብኣውያት ዝዛዘሙ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም፣ እቶም እንስሳታት ነቲ ርሕቀት ብዘፍርሕ ናህሪ ስለዝሽፍንዎ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ጉማሬታት ሓውሲ ኣብ ማይ ዝነብሩ እንስሳታት ኮይኖም ክሳብ 8 ኪሜ ኣብ ሰዓት ኣብ ማይን 30 ኪሜ ኣብ ሰዓት ኣብ ደረቕ መሬትን ክሕንበቡ ዓቕሚ ዘለዎም’ዮም።
ንገፋፊ ዓሳ ኣብ ሩባ ማግዳሌና ሪቨር ዊሊንተን ሳንቸዝ ከምኡ ምግባር ምስ’ቲ ዘስዕቦ ሓደጋ ብምንጽጻር ዘዋጽእ ኣይኮነን።
"ነቶም ጉማሬታት ክትርእዮም’ንከለኻ ብሓቂ ዘፍርሕ’ዩ፣ ምኽንያቱ ቀዳም ኣብኡ ኔርና፣ ሓደ ካባኦም ኣፉ ከፊቱ ገፊሕ መንጋግኡ ምስ ከፈቶ - እንተጎቢጡካስ ምትርትር ከብለካ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ እንስሳ ሓደገኛ ምዃኑ ይርደኣካ’ዩ። ስለዝረኣናዮ ዓሳ ምግፋፍና ኣቋሪጽና።"





