ፈስቲቫላትን ህዝባዊ በዓላትን ኤርትራ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራውያን ፈስቲቫላት፣ መዘናግዒን መዕረፍን፣ መራኸቢን መላለዪን ህዝብታት፣ መምሃሪን መደልደልን ባህልታት፣ ልምድታት፣ ሃይማኖታት፣ ታሪኻትን ዛንታታትን፣ ከምኡ’ውን መሰጋገሪ ውርሻታትን ኮይኖም ይርኣዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ግን ምንጪ ኣታዊታትን መኻዕበትን መደልደልን ደገፋት ንመንግስቲ ኮይኖም’ውን ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ለዉን። እዋናዊ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ከባቢኣን ዓለምን እናጸለዎም ከኣ ኣድማዕነቶም፣ ብዝሖምን ዕቤቶምን ክብን ለጠቕን ይብል። እዚኦም ተቐያየርቲ ኩነታት በቲ ሓደ ወገን ንንጥፈታትን መደባትን መንግስቲ ብምጽላዉ መዓስ፣ ከመይ ዓይነት፣ መጠኑ፧ መነ መን ይመርሕዎን ይሳተፍዎን ከም’ኡ’ውን ብኸመይ ይካየዱን ንዝብሉ ክጸልውዎም እንከለዉ ቆላሕታን ተሳታፍነትን ዳያስፖራ ኤርትራውያን ከኣ ክሳብ ክንደይ ይስሕቡ ይውስኑ ወይ ይድርቱ። እቲ ኣትኩሮ ብፍሉይ ነቶም ካልኣይ ወለዶ ኤርትራውያን ኣብ ደገ ብዝበለጸ ንምስሓብ ይኸውን። ብኣንጽሩ ግን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ግብረመልሲታት ካብ’ቶም ንዕላማ’ዞም ፌስቲቫላት ዝቃወሙ ይስሕቡ። በዚ ምኽንያት’ዩ ኸኣ ብፍላይ ‘ኣብ መንጎ ዳያስፖራ ኤርትራውያን ምትሕልላውን ጸወታታት ኣንጭዋን ድሙን ዝፈጥሩ’ ክብል ጋዜጠኛ ማርቲን ፕሎውት ዝገልጾም። ኣብ ገለ እዋናት ፈስቲቫላት ይኹኑ ህዝባዊ በዓላት ነጻነት ብሰላም፣ ምናልባት ብሕጋዊ ፈቓድ፣ ብሓለውቲ ጸጥታ ተሰንዮም ጸገም ዘይብሉ ወይ ብውሑድ ጸገምን ተቓውሞን ክካየዱ እንከለዉ ኣብ ካልእ እዋን ግን ምስ ህሉው ኩነታት ተዛሚዶም ብሰንኪ ምሒር ተቓውሞን ስግኣትን ኣበይን መዓስን ይካየዱ ዝርዝራቶም ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝሕብእሉን ብጥንቃቐ ተታሒዞም ንተሳተፍትን ደገፍትን ጥራይ ዝወሃቡሉ ኩነታት ይፈጥሩ።
ተመራማሪት ኒኮል ሀርት ከም ትገልጾ ነዊሕ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ዘይደሞክራሲያውያን ሃገራት ዝነብሩ፣ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ተባሂሎም ዝቁጸሩን ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘይሓተቱን ዝያዳ የድምዕ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ስዑዲዓረብያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቐጠርን፣ ምኽንያቱ ቆንስላትን ኤምባሲታትን ኤርትራ ኣብ'ተን ሃገራት ፈቓድ ስራሕ ንኽረኽቡ ግቡእ ፓስፖርት ኣብ ምሓዝ ዘድልዮም ኣገልግሎት ስለዝህብኦም። ኣምሳያኡ ኸኣ 2%ን ካልእ ዝዋጻእ ገንዘባዊ ይኹን ንዋታዊ ኣበርክቶን ይኸፍሉ፡ ከም’ቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ከኣ ኣብ ንጥፈታትን ኣኼባታትን መንግስቲ ይሳተፉ። እንተኾነ ግን ስግረ ሃገራዊ ኤርትራውያን ትካላት፣ ንከም በዓል ጀርመን ወሲኽካ፣ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት’ውን ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ። ኤምባሲታትን ቆንስላትን፣ ከምኡ’ውን ማሕበረ ኮማትን መንእሰያት ህግደፍን ኩሎም ንነዊሕ እዋን ካብ ዳያስፖራ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ተራኦም ተጻዊቶም’ዮም። እቶም ካብ ጭቆናን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዑቕባ ዝረኸቡን መንእሰያት ብወኪላት’ቲ ስርዓት ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂብዎም ኣብ ዒላማ ኣትዮም’ዮም። ንኣብነት ደገፍቲ መንግስቲ 2% ክኸፍሉ ከተባብዕዎም ነቶም ስደተኛታት ናብ መዕቆቢኦም ከይዶሞም። ኣብ ገሊኡ’ውን ክሳብ ኣብ ውልቃዊ መስርሕ ቃለመሕትቶም ንዑቕባ ምስ መንግስቲ ዝደናገጹ ተሓጋገዝትን ተርጎምትን ክምዝምዝዎም ወይ ክጸልውዎም ፈቲኖም’ዮም ክትብል ኒኮል ትጠቅስ። ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባትን ገለ ሃይማኖታዊ መሪሕነታትን ኣብ ኤውሮጳ’ውን ከምዝኣተዉ ኒኮል መረጋገጺ ከተቕርብ እንከላ ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት፣ ንኣብነት ጥምቀትን መርዓን፣ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ካዝና መንግስቲ ይኣትዉ ኢላ። ምምላእ ናይ ጣዕሳ ፎርም ከኣ እቲ ቅድመ ኩነት ንዝኾነ ስደተኛን ሓታቲ ዑቕባን ዝኾነ ኣገልግሎት ክረኽቡ ካብ’ቶም ቆንስላትን ኤምባሲታትን ምዃኑ ትውስኽ።
ምትዕጽጻፍ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቕጻል በዓላት ነጻነትን ፌስቲቫላትን ብብዙሕ መንገድታት ተገሊጹ'ዩ። ማርቲን ፕሎውት ክገልጽ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት መሰናኽላት የጋጥምዎ እንተኾኑ'ኳ ዝተፈላለዩ ሜላታት እናተጠቕመ ክሰግሮም ይፍትን ወይ ሰጊርዎም'ዩ። ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እቶም ናይ ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ከተማታት ቦሎኛን ሚላንን ዝከየዱ ዝነበሩ ፌስቲቫላት ሓለፍቲ ውድባት፡ ሰበስልጣናትን መራሕቲ ሰራዊትን ከም ዕዱማት ወይ ክቡራት ኣጋይሽ ይርከብዎም ኔሮም። እዚ ግን ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝዓለሙ እገዳታትን ቆላሕታታትን ምስ መጹ በቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝብገሱ ፍሉጣት ወይ ዝረኣዩ ወይ ዝተመርጹ ስነጥበባውያንን ሙዚቀኛታትን ክምርሑ ተገይሮም። ነዚኦም'ውን ጸገማት ቪዛ፡ ተኣማንነትን ምህዳምን ምስ በዝሖም እቶም ምርኢታት፡ በዓላትን ፌስቲቫላትን በቶም ኣብ ደገ ካብ ቀደሞም ዝነብሩ ግን ከኣ ተኣመንቲ ዝኾኑ ወይ በቶም ብፈቓድ መንግስቲ ኣብ ደገን ኣብ ሃገርን ዝነብሩ ስነጥበበኛታት ከምዝትክኡ ብምግባር ክቕጽሉ ተገይሩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ምናልባት እቶም ካብ ሃገር ንድሕነቶም ሰጊኦም ድዮም ወይስ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ንምርኢት ኢሎም ምስ ገሹ ይኹን ወይስ ከም ሰቦም ብስግረዶብ ናብ ስደት ዘምርሑ፡ ጸኒሖም ግን ናብ'ቶም መንግስቲ ዝውድቦም ውራያት ክሳተፉ ዝጀመሩ ክትክኡ ወይ ክሕገዙ ተገይሩ። እዚ ኹሉ ብመደብ ድዩ ወይስ ጸገም ዝፈጠሮ ምትዕጽፃፍ ብዘየገድስ እቲ መንግስቲ ናይ ፕሮፓጋንዳ ባህላዊን ፖለቲካዊን መደባት ምክያዱ ይቕጽሎ'ሎ። ጎድኒ ጎድኒ’ዚ ዝግለጽ ርእይቶ ኸኣ እቲ ተጓሕጊሑ ዝወጸ መንእሰይን ካልእ ክፋል ሕብረተሰብን ካብ ማዕዶ ሃገር ከይትጠፍእ ተባሂሉ ስግኣት ከም ዝሓድሮ ብምግባር ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ወይ ከኣ ተቓውሞኡ ክመክን፡ ክቕንስ ወይ ከደክም ተደልዩ በዚኦም ኣገባባት ዝተሃዘሉ ዝብል'ዩ።
ሙዚቃ ሓያል መሳርሒ ናይ’ዚ ጎስጓስ ስለዝኾነ እቶም ናይ ቀደም ሃገራዊ ደርፍታት ኣብ’ዞም ኣጋጣሚታት ተደጋጊሞም ይድረፉ። ሓደስቲ ደርፍታትን ግጥምታትን ከኣ ብፍሉይ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ዝዕልሙ’ውን ፈርዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድረኻት ብጻዕቂ ይጽወቱ። ከም በዓል ክረይግ ሮበርትሰን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ከምዝገልጽዎ ሙዚቃ ምስ ለውጢ ኣብ ሕብረተሰብ ወይ ሶሻል ቸንጅ ካብ ፈለምኡ ተጣሚሩ’ዩ ዝኸይድ። ኣብ በዓል ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሊብያን ኣብ ፈለማ እዋናት ነውጽታት 2011/12 ከም መግለጺ ናይ ሓባር መንነትን ህሞታት ተቓውሞን ኣድማን ንምግላጽ፣ ከም’ኡ’ውን ናብ መላእ ዓለም ቃልሲ ንምቅላሕን ደገፍ ንምርካብን ኣገልጊሎም። መንግስታት ግን ብኣንጻሩ ነዚ ሕብረተሰብ ዝቆጻጽርሉ ንዕኦም ዘወድስ ወይ ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ሙዚቃ ብምስራሕን ብምትብባዕን ነቲ ኣንጻሮም ዝስራሕ ከምክንዎ ይጓየዩ። ስለ’ዚ ‘ናይ መን ሙዚቃ፣ ናይ መን ሃገር’ ኢሉ እዚ ተመራማሪ ዝተጠቕመሉ ኣርእስቲ ኣብ’ዚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ምናልባት መልሱ እንታይ’ዩ ንዝብል ካብ’ቶም ዝቐርቡ ዓይነታት ሙዚቃ፣ ተሳተፍቲ ስነጥበባውያንን ኣባላት መሪሕነትን ምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይከውንን።
ብዝሒ ተሳተፍቲ ኣብ'ቶም ብመንግስቲ ዝውደቡ ወይ ዝድገፉ ፌስቲቫላት ይኹን ምርኢታት በዓል ነጻነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከከምኩነታት ውሽጢ ሃገርን፡ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓለምን ክፈላለዩ ተራእዮም'ዮም። ንኣብነት ኣብ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ምስ ኩነታት ቤት ትምህርቲ ኣ'ዲያእን ሓጅ ሙሳን ከምኡ'ውን ማእሰርቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ተኣሳሲሮም ኣብ ደገ ዝተኻየዱ ተቓውሞታትን ንዕኦም ዝድግፉ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ምናልባት እቲ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ዛዕባታት ዓብሊሉ ስምዒታዊ ደገፍ ፈጢሩ ክኸውን ይኽእል፡ እቲ ናህሪን ብዝሕን ተሳተፍቲ ኣንጻር መንግስቲ ወይ ተግባራት መንግስቲ ዝዓበየ ይመስል ኔሩ። ማርቲን ፕሎውት ‘እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዳርጋ ኣድማሳዊ ዝመስል ደገፍ ዳያስፖራ ንመንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ደጊም ሕሉፍ ወይ ነበረ ኮይኑ'ዩ’ ክብል ገሊጽዎ ኔሩ። እንተኾነ ግን እቲ ህሞት ምስ ሓለፈ እዚ ብዝሒ ናብ ካልእ ተመሳሳሊ ወይ ሓድሽ መንኮርኮር ተቓውሞ ክቕየር ኣይተራእየን ዝብሉ ኣለዉ።
ርዱእ’ዩ ኩሉ ግዜ ንዝኾነ ስርዓት እቶም ኣብ ዝኾነ እዋንን ኩነታትን ኣብ ምድጋፉ ዝጸንዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣለዉ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቶም ብሰንኪ ኣተሓሕዝኡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይኹን በቲ ዝኽተሎ ዕላማ ነቲ መንግስቲ ኣብ ምቅዋሙ ጸኒዖም ዘትክሉን ዕላምኦም ክሳብ ዝወቅዕ ዝቃለሱን ክፋላት ከኣ ኣለዉ። እቶም ዝበዝሑ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝግለጹ እቶም ኣብ ማእከል ዘለዉ እዮም። እዚኦም እቶም ኣብ ዝበዝሐ ወይ ንቡር እዋን ስቕታ ዝመረጹ ወይ ሳይለንት ማጆሪቲ ተባሂሎም ዝግለጹ እዮም። ገለ ዘይግደሱ ወይ ንዓይ ኣይምልከተንን ዝብሉ ይኾኑ፡ ካልኦት እንታይ ይኹን ብዘየገድስ ካብ ፖለቲካ ነጻ ክንከውን ኢና ኢሎም ምርጭኦም ዘፍለጡ ወይ’ውን ኣብ'ቲ ፖለቲካዊ መልክዕ ዘይሓዘ ንጥፈታት ወይ ውራያት ጥራይ ክሳተፉ ዝመርጹ፡ ገለ ኣብ ነብሶም ወይ ኣብ መቕርቦም ክሳብ ዝመጽእ ዝጽበዩ ወይ ምስ ኣጋጠም ዝፍለጦም ይኾኑ፡ ገለ ከኣ ንኻልእ ዕላማ ወይ ረብሓ ክብሉ ስቕታ ወይ ልኡማት ክኾኑ ዝመረጹ፡ ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ። እዚኦም ክፋላት ሕብረተሰብ'ዮም እምበኣር ብዝተፈላለዩ ውልቃዊ፣ ሕብረተሰባዊ፣ ውሽጣዊ ወይ ደገኣዊ ኩነታት ሃገር ተጸልዮም ኣብ ጎድኒ መንግስቶም ወይ ኣንጻሩ ብምዃን ቁጽሪን ዓይነትን ደገፍትን ተቓወምትን ዝውስኑ። ነዚኦም ንምርዳእ፡ ንምሕቋፍን ንምሓዝን’ዩ እምበኣር ንጥፈታትን ጎስጓሳትን መንግስቲ በቲ ሓደ ወገን ተቓወምቲ ኸኣ በቲ ካልእ ቃልሶምን ጻዕሮምን ዘካይዱ።
ገሊኦም ነዚ ናይ ሕጂ ኣበዓዕላ ነጻነት ወይ ተርእዮ ምስ ተዓዘቡ፣ ምናልባት ኣብ'ቲ ንካልኣይ ወለዶ ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ መንነቶም፡ ሃይማኖቶምን መበቆሎምን ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምቕባልን፡ መንግስቲ በቶም ስግረሃገራዊ መሓውራት ጌሩ ኣብ ዘካይዶም መደባት ምልላይን ኣስተምህሮን ወይ ምሕጻብ ኣእምሮ ይዕወት ስለዘሎ'ዩ ዝብል ግምታት የቐምጡ። ብመሰረት ሰብኣውያን ትካላት ዓለም፣ ሎሚ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዮም ውልቀምልካውያን ዝኮኑ ሃገራት ኮይና ከባቢ ፍርቂ ናይ’ቲ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝባ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዕቑዳት ፍልሰት ህዝቢ ዘኸተለ ዝኸፍአ ኩነታት ናብራ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝወጹ’ዮም። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ሓያላት ኣብ ወጻኢ ዝነጥፉ ስግረሃገራውያን ማሕበራት መስሪቱ’ዩ። እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ከኣ ኣብ ደገ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ምቁጽጻር፣ ብፖለቲካ ምውዳብን ክልተ ካብ ሚእትን ካልእን ወፈያታት ካብ’ኦም ንምርካብን’ዩ። ኣብ ገሊኡ መበቆሎም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ህቡባት ኣሜሪካዊያን ከም በዓል ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽን መወትቲ ደረፍቲ ቅዲ ራፕ ሳንድማን ንጉስን ኤርምያስ ኣስገዶም ወይ ኒፕሲ ሃስልን፣ ነቶም ካልኣይ ወለዶ መንእሰያት ዳያስፖራ ናይ ማዕዶ ሃገራውነት ክሓድሮምን መንግስቲ ክድግፉን ይጥቀሙሎም። እዞም ስነጥበባውያን ንዝኽርታት ብረታዊ ቃልስን ኤርትራዊ ሃገርነትን ኣብ ሙዚቃኦምን ባህላዊ ምርኢቶምን ደጊሞም የቕርብዎ። መበቆሎምን ድሕረባይትኦምን ንምፍላጥ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ተጓዒዞም፣ ብፍቶቶም ድዩ ብግዲ ኸኣ መንግስቲ ከርእዮ ዝደሊ ዝተዛብዐ ክውንነት ኣብ ባይታ ንምፍጣርን ምስሉ ንምምሕያሽን ተጠቒምሎም።
ብኸም’ዚኦም ጎስጓሳትን ፍሉያት ኩነታት ሃገርን ዓለምን ተደሪኾም ኣብ ናይ’ዚ ዓመት በዓላት ነጻነት ድሙቓት ጽንብላትን ምርኢታትን ቀሪቦም። እዚ ኣብ ዳያስፖራ ቀጻሊ ወይ ወሰኽ ደገፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘመልክት ድዩ ኣይኮነን ግን ንጹር ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ዝበዝሑ ሰባት ክሕተቱ እንከለዉ ኣብ’ቶም በዓላትን ውራያትን ዝሳተፉ ሃገራዊ ስምዒቶም ይገልጹ እምበር ግድን ደገፍ ንመንግስቲ ምግላጾም ከምዘይኮነ የነጽሩ። ብኣንጻሩ ግን ገሊኦም እቶም ብገለ መልክዑ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ነቐፌታ ወይ’ውን ተቓውሞ ዝጸንሖም ወይ ከርእዩ ዝጸንሑ’ሞ ግን ኣብ’ዞም ንጥፈታት ክዋስኡ ወይ ክሳተፉ ዝመረጹ ተጻብኦታቶምን ንጥፈታት ተቓውሞኦም ኣብ ልዕሊ መንግስቲን ክንክዩ ምዃኖም ባዕሎም ዝገልጹሉ ኩነታት ወይ ከኣ ከምዝቐነሱ ዘመላኽቱ ተርእዮታት ይርኣዩ'ዮም። ከም'ቲ ኣብ ግብጺ ኣብ 2011 ዝተፈጥረ ኩነታት ተገዳስነት ዳያስፖራ መንእሰያት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝፈጠሮ ወይ ዘዕዘዞ ኲናት ትግራይ ኣብ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ግብረመልሲ/ተርእዮ ፈጢሩ ክኸውን ይኽእል ዶ፧ ኩነታት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ዳያስፖራ ኤርትራውያን ብዙሕ ምክፍፋል ተራእዩ’ዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ዝተንጸባረቑ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን መርገጺታትን መርኣያ ፈተነታት ኣብ ህላወን ቀጻልነትን ኣድማዕነትን’ቲ ደንበ ኔሮም ወይ እዮም ክበሃል ይከኣል። ነቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ብምፍንጫል ከዳኽሞ ክኢሉ’ዩ ዝብሉ ሰባት ኣይተሳእኑን። እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ህላወ ይኹን ካልኦት ንሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቓልቦን ተሳታፍነትን ዳያስፖራ ክብ ከምዝብል ገይርዎ’ዩ። ኣብ መወዳእትኡ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተዛዘመ ኩነታት ናይ ገዛእ ርእሱ ሰዓርን ተሰዓርን ፈጢሩ መርገጺታት ከምዝቀያየሩ ገይሩ። ናይ’ዚ ውጽኢት ከኣ መጠኑ ብዘየገድስ ገለ ነባር ምንቅስቓሳት ተበቲኖም፣ ሓደስቲ ተፈጢሮምን ሰባትን ጉጅለታትን ካብ’ቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሓደ ጽንፊ ናብ ካልእ ጽንፊ ሰጊሮምን። ንስኹም ከ ነዚ ከመይ ትርእይዎ፧