"ህዝብና ኣብ መንጎ ጥይትን ጥምየትን'ዩ ተቐርቂሩ ዘሎ።" ኣማኑኤል ካብ ኻርቱም

Heavy smoke billows above buildings in the vicinity of the Khartoum airport. Source: AFP / -/AFP via Getty Images
ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ን 24 ሰዓታት ደው ኢሉ፡ ህዝቢ ትንፋስ ረኺቡ ዘድልዮ ክገብር ዕድል ንምሃብ ስምምዕ እንተ ተገብረ'ኳ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ነቲ ዉዕል ኣፍሪሶም ኣብ ከቢድ ኲናት ተሸሚሞም ኣለዉ። ኣብዚ ኩነታት ተቐርቂሮም ዘለዉ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ። እቲ ዘለዉዎ ኩነታት ከብርሃልና ንነባሪ ኻርቱም ን ኣቶ ኣማኒኤል ሓቲትናዮ ነቲ ኩነታት ገሊጹልና ኣሎ።
Share