ኣብ ኢራን ብ ኣመሪካን እስራኤልን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾሚኒ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲ ይወሃብ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኢንሹራንስ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ ሰባት ናይ ጉዕዞ ውሕስና ኢንሹራንስ ከምዘይሽፍን ኣጠንቂቑ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ሞት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንምጽምባል ፡ ኣብ ፍደገ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ዕጹው ኤምባሲ ኢራን ተኣኪቦም ሓጎሶም ገሊጾም።
Share






