ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025)

Source: SBS
ኣርእስታት ዜና፥ ቊጠባ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ሰነ ብ 1.8 ሚኢታዊት ዓብዩ ፡ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ መዘናኡ ፕረሲደንት ቻይና ሺ ጂንግፒንግን ብሕክምናዊ መገዲ ክፋላት ኣካል ሰብ ብምስግጋር ካብ ሞት ምምላጥ ዝከኣለሉ ዛዕባ ብቐጥታ እናተዛረቡ ተሰሚዑ። ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣለክስ ዲ ሚኑር ኣብ ርብዒ ፍጻመ U-S Open ተሳዒሩ ኣብቲ ዉድድር ዝጸንሖ ጉዕዞ ኣኽቲሙ።
Share