ኣብዚ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግም ንምኽፋት ኣብዝግበር ጸቕጢ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ኣውስትራሊያ ንተጠቅምነት ነዳዲ ኣጉዲላቶ።
ቴህራን ነቲ ቀንዲ መስመር መጓዓዚ ክፉት ንምግባር ዝኣተወቶ መብጽዓ ቀይራቶ ኣላ ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣመሪካ ኣብ ወደባታ ዕግታ ብምግባራን ነተን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ዝፍትና መራኽብ ክትኵሰለን ብምጅማራ ኢዩ ኢላ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሪቻርድ ማርለስ ፡ ሕጂ ክግበር ዝኽእል ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ምንዋሕን ነቲ መጻብቦ ዳግም ምኽፋትን ዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ናብ ንቡር ምምላስን ዘተኮረ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ግጭት ኢራን ሻሙናይ ሰሙኑ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ንናይ ውሽጢ ሃገር ቅልውላው ቁጠባ ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
ኢራን ን10 መዓልቲ ምስ እስራኤል ስምምዕ ንምግባር ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ከም ዝኽፈት ድሕሪ ምግላጻ ፡ ዋጋታት ነዳዲ ንሓጺር እዋን ዋጋ ንሓደ በርሚል ትሕቲ $90] ዶላር ኣመሪካ ንታሕቲ ጎዲሉ ቀንዩ ።
ኰይኑ ግና ፡ እቲ ምጉዳል ንነዊኅ እዋን ኣይቀጸለን ። ብሰንበት ፡ ኢራን ነቲ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ብ ኣመሪካ ዝግበር ምዕጋት መልሲ ንምሃብ ነቲ ኣገዳሲ መስመር ብምዕጻው ፡ ውሳነኣ ቀየረት ብኣማእታት ዝቝጸራ መራኽብ ድማ ተዓጊተን ይርከባ ።
ረቡዕ 22 ሚያዝያ [ኣቈጻጽራ ኣውሮጳ] ዝዛዘም እቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብዝቐረበሉ እዋን፡ ኩሉ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝርርብ ተአንግድ ኢስላማባድ'ዩ ኣቓልቦ ተገይሩ ዘሎ ።
ኣብ ኪየቭ ፡ ሽዱሽተ ሰባት ዝተቐትልሉን ፡ ቈልዓ ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዝተዓቚብሉን ምትዃስ ተፈጺሙ ።
ከንቲባ ቪታሊ ክላሸኮ ፡ እቲ ዝቖኢሰለ ቖልዓ ስድራኡ ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻመ ወለዱ ከም እተቐትልዎ ገሊጹ።
ሓደ ትውልዱ ሩስያዊ ዝኾነ ሰብኣይ ፡ ቀዳም [18 ሚያዝያ] ኣብ ሓደ ዓብዪ ድኳናት ንሓደ ጅሆ ዝሓዞ ሰብ ሒዙ ቅድሚ ምእታዉ ፡ንሓለፍቲ መገዲ ብኣውቶማቲክ ጠበንጃ ተዅሲ ኸፊቱ፡ ኣብ መወዳእታ ብ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተቐቲሉ።
ፕረዚደንት ቮሎዲር ዘለንስኪ ፡በዚ ተዂሲ 14 ካልኦት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ ኣሎ ።
ኣገልግሎት ጸጥታ እታ ሃገር ፡ ነቲ ፍጻመ ከም ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ይምርምርዎ ምህላዎም ይገልጽ ።
ኣብ ሽረቨፖርት: ሉዊዝያና ኣብ ብዙሕ ኣባይቲ: ካብ ሓደ ኽሳእ 14 ዝዕድሚኦም ሸሞንተ ቘልዑ: ብዘቤታዊ ምትኳስ ተቐቲሎም ።
እቲ ጥርጡር ክሃድም ቅድሚ ምፍታኑ ሰንበት ጥራይ እንተ ወሓደ 10 ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም እዮም ።
ኣብ መወዳእታ ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተዂሲ እቲ ጥርጡር ብፖሊስ ተቐትለ ።
እቲ ተኳሲ ክሳብ ስድራቤት ዝንገሩ ስሙ ኣይተገልጸን ።
ወሃብ ቃል ፖሊስ ሽረቨፖርተ ፡ ክሪስ ቦርደሎን ኩሎም እቶም ግዳያት ቈልዑ ምዃኖም ገለጸ ።
[["እቶም ግዳያት ካብ ሓደ ዓመት ክሳዕ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም ። ኵሎም እቶም ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝሞቱ ሰባት ፡ ቆልዑ እዮም ። እቲ ውልቀ-ሰብ ነዚ ቦታ እዚ ሓዲጉ: ማኪና ናይ ምጭዋይ ተግባራት ፈጸመ: ኣብቲ ግዜ እቲ ከኣ ኣባላት ፖሊስ ሽረቨፖርት ክትኩሱሉ ጀመሩ እቲ ውልቀ-ሰብ ድማ ሞይቱ ። ኣብዚ ቦታ እዚ ተዅሲ ዝተኮሰ ውልቀ-ሰብ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ንኣምን."]]
ጸሊም ኣመሪካዊ ተዋሳኣይን ኮሜድያን ኤዲ ሙርፊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዕቑድ ዓመታት መስሓቕን ፊልምን ዘፍረየሉ ሞያ ብምኽባር ብትካል ሽልማት ፊልም ኣመሪካ ናይ ዕድመ ምሉእ ስራሕ ክብሪ ተሸሊሙ ።
ኤዲ ሙርፊ ነታ ብቐዳም ምሸት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ነቲ ናይ ዋንጫ ሽልማት ኣብዝተቐበለሉ እዋን "ካብዚ ዝዓበየ መሲሉኒ ኔሩ፡" ክብል ተዋዝዩ።
ብ3 ሚያዝያ 65 ዓመቱ ዝመል አ ሙርፊ ፡ ሕጂውን ንእሽቶ ከሎ ነቲ ክብሪ ብምርካቡ ኣመስጊኑ ።
ኣብ ጥቓ comic convention. ኣጋር ዝተቐትልሉ ፍጻመ ዝምልከት ፡ ሓደ ሰብኣይ ብፖሊስ ቃለ መጠይቕ ተገይርሉ ።
ፖሊስ ቪክቶርያ ከምዝገለጾ፡ ሓደ ሰብ ማኪናኡ ናብ ሓደ ኩርናዕ ብምጥዋይ ኣብ ጥቓ ማእከል ኣስኮት ቬል ብእግሮም ዝኸዱ ዝነበሩ ብውሕዱ ንኽልተ ብመኪናኡ ብምርጋጽ እቲ ሓደ ኣብቲ ቦታ ክመውት ከሎ እቲ ካል ኣይ ብጽኑዕ ተጎዲኡ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ።
መርማሪ ገበን ዝዀነ ክሬግ ማክየቮይ ፡ እቲ 33 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሕ ማኪና ፡ ቅድሚ ሕጂ ብፖሊስ ከም ዝፍለጥ ገሊጹ ።
[["እቲ ምኽንያት ካብ ሓሽሽ ፡ ኣልኮላዊ መስተ ፡ ቅልጣፈ ምዃኑ ገና ኽንውስን ኢና ዘለና ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኵሉ ዓይነት መርመራ ክንገብር ኢና ። ከምቲ ዝበልክዎ ፡ እታ መኪና ኣብ ጥቓ ናይ ኣጋር መገዲ ነዊሕ ርሕቀት'ያ ተጓዒዛ ፣ እዚ ከኣ ኣዝዩ ዘይልሙድ እዩ ።."]]
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ነቲ ኣንጎላውያን ኣብ ትሕቲ ባርነት ንነዊኅ ዘመናት "ብኸቢድ ጓህን ብዙሕ መከራን" እተሳቐይዎ ዘኪሮም ።
እቶም ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ፖርቱጋል ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ሕምብርቲ ንግዲ ባርያ ኣፍሪቃ ዝነበረ ቦታ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ካቶሊክ ጸሎት ኣብጺሖም ።
ሊዮ ናብታ ኣብ ከባቢ 1833 ኣመንቲ ድንግል ማርያም ተራእያትሉ ዝነበረት ቦታ ኢሎም ዝ ኣምንላ ገዳም ማማ ማክሲማ ውን ነጊዶም።
እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ፈለማ ብገዛእቲ ፖርቱጋላውያን እያ ተሃኒጻ ፣ ኣብ መወዳእታ መበል 16 ዘመን ኣብ ንግዲ ባርያ ድማ ሕምብርቲ እያ ኰይና ኔራ።
እቶም ባሮት ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ናብታ ብሰሜን 110 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደብ ሉዋንዳ : ብመራኽብ ገይሮም ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ቅድሚ ምኻዶም በቶም ፖርቱጋላውያን ካህናት ኣብዚ ቦታ ኽጥመቑ ይግበሩ ነበሩ ።
ሊቀ ጳጳስ ሊዮ ንሰበ ስልጣን ኣንጎላ ሓድነት ንኺህልዎም ኣተባቢዕዕም ፦
[["ብቐዳምነት: እቶም ስልጣን ሒዝኩም ዘሎኹም ኣብታ ሃገር ብዙሕ ኃብቲ ከም ዘለዋ ትኣምኑ እንተ ዄንኩም: ኣንጎላ ብብዙሕ ኽትዓቢ ትኽእል ኢያ ። ፍልልያት ኣይትፍራሑ ፡ ራእያት መንእሰያትን ሕልሚ ኣረጋውያንን ኣይትዓንቅፉ።."]]





